ፕረዚደንት ግብጺ፡ 'ኣብ 2011 ናዕቢ እንተዘይለዓል፡ ኢትዮጵያ ግድብ ኣይምሰርሐትን'

ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲስን (ጸጋም) Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብታ ግብጺ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ 2011 ናዕቢ እንተዘይለዓል ነይሩ፡ ኣብ ፈለግ ናይል ግድብ ኣይምተሃንጸን ክብል፡ ግብጻውያን ኣብ ሕሉፍ ዝፈጸሙዎ ስሕተት ክድገም የብሉን ኢሉ።

ናይ ነዊሕ እዋን ተዓዘብቲ እቲ ዛዕባ ድማ፡ እቲ ዘረባ፡ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ንምዕቃብን ነቶም መናእሰይ ንምፍርራሕን ዝዓለመ- ኢሎምዎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ 8ይ ሃገራዊ ኮንፈረንስ መናእሰይ እዩ፡ እቲ ናዕቢ ንግብጺ ብኸመይ ከም ዝጸለዋ ዝተዛረበ። እቲ ዘረባ ኢትዮጵያ ተካይዶ ንዘላ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ዝምልከት ምዃኑ ዘቃለሐ፡ ስሙይ ጋዜጣ እታ ሃገር ኣሕራም ኦንላይን'ዩ።

እዚ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ ትጽቢት ዝግበረሉ ግድብ ህዳሰ፡ 74 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ዝሕዝ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ መንጎ እቶም ዝዓበዩ ግድባት ሓደ እዩ። ብርግጽ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ለውጢ ተዛሚዱ፡ መስርሕ ህንጸቱ በቲ ዝድለ ፍጥነት ይኸይድ ከምዘየሎ እዩ ዝዝረብ።

ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ዳይሬክተር ቴክኒካዊ ቢሮ ምብራቓዊ ተፋሰስ ናይል: ኣቶ ፈቅ ኣህመድ ነጋሽ፡ ሕዚ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዘቕረቦ ዘረባ፡ ምኽንያታዊ ኣይኮነን ክብል ይኹንኖ።

"እዚ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝተሞርኮዘ ዘረባ'ዩ። ህንጸት እቲ ግድብን ናዕቢ ግብጽን ፈጺሞም ኣይራኸቡን። ብዙሓት ሰባት፡ በዚ መገዲ እንተተረዱዎ'ኳ፡ ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ንምህናጽ፡ ታሕሳስ 01፡ 2010'ያ ኮንትራት ፈሪማ። እዚ ናዕቢ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ማለት'ዩ። ሽዱሽተ ወርሒ ኣቐዲሙ ድማ፡ እቲ ግድብ ንምህናጽ ዝሕግዝ ዘተ ተጀሚሩ። ግብጻውያን፡ 24 መጋቢት እቲ ግድብ ዝተጀመረ'ዩ ዝመስሎም፤ በዚ ምኽንያት፡ መዓዝ ተጀሚሩ ንዝብል ቅኑዕ መረዳእታ የብሎምን"ይብል።

Image copyright OMN

እቲ ዘረባ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምግጋይ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ይእምት።

ስለምንታይ ሕዚ?

ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ዛጊድ ንህዝቢ ተዛሪበዮ ዘይፈልጥ ጉዳይ'ዩ ኣብ ዝበሎ እዚ ዘረባ፡ እቲ ጥሪ 2011 ዝተቐልቀለ ቀውዒ ዓረብ [Arab spring] እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብ ሩባ ናይል ፈጺሙ ዝህነጽ ግድብ አይምነበረን ኢሉ። እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣርን እቶም መናእሰይ ንምጥንቃቕን'ዩ ይብል ኣቶ ፈቅ ኣህመድ።

"ጉዳይ መሰል'ዩ። ኣብ ግብጺ ናዕቢ ሃለወ ኣይሃለወ፡ ኢትዮጵያ ተፈጥሮአዊ ሃብታ ናይ ምጥቃም ሉኣላዊ መሰል ኣለዋ። ሃገራዊ መሰል'ውን ብምኻኑ ዓለምለኻዊ ሕጊ ይፈቕደላ'ዩ። ግዴትኣ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ጽዕንቶ ክፈጥር ዝኽእል ነገር ከይትገብር ጥንቃቐ ምግባር'ዩ። ልምዓት ንምክያድ ግን ካብ ግብጺ ፍቓድ ኣይትጽበን" ክብል የረድእ።

ኣብዚ ግዘ'ዚ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ንዝብል ድማ፡ መናእሰይ ኣብዚ እዋን'ዚ መሊሶም ናብ ናዕቢ ከይኣትው'ሞ ስልጣኑ ከይነቓነቕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ይግመት።

"እቲ መንግስቲ ተቓውሞታት ይበጽሖ ስለ ዘሎ፡ መናእሰይ ካልእ ናዕቢ ንከየልዕሉ ንምጥንቃቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ድማ ጽዕንቶ ንምሕዳር ክሕግዘኒ'ዩ ብዝብል'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ንነዊሕ እዋን እቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ በዓል ሞያ ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፈለግ ናይል ነታ ኣስታት 920 ኪሜ ደቡብ ካብ ካይሮ እትርከብ ከተማ ኣስዋን ሰንጢቑ ይሓልፍ

'ኣስዋን ክጎድል የብሉን'

ግብጺ፡ ካብ 19-20 ነሓሰ 2019 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ስሉሳዊ ኣኼባ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፡ ናብ 15-16 መስከረም ክናዋሕ ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ፡ እዘን ሃገራት ትማሊ ኣብ ካይሮ ተራኺበን፡ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ምምላእ ግድብ ሕዳሰ ዘተኮረ ዘተ የካይዳ ኣለዋ።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ክካየዱ ዝጸንሑ ዘተታት ፍረ ከየፍረዩ ምጽንሖም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ሳሜህ ሹክሪ ተዛሪቡ። ነዚ ቀንዲ ተሓታቲት ድማ ኢትዮጵያ እዩ ዝገብር። ኣሕራም ኦንላይን፡ ነቲ ሚኒስትር ጸሪሑ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብቶም ሕዚ ዝካየዱ ዘለዉ ዘተታት ኣብ ሓደ መዕለቢ እንተዘይተበጺሑ፡ ግብጺ ከቢድ ጉድኣት ክበጽሓ'ዩ ኢሉ።

ኣቶ ፈቕ ኣህመድ ግን፡ ቅድም ኢሎም ዝካየዱ ዝነበሩ ዘተታት ፍረ ኣልባ ዝኾንሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ግብጺ እዩ በሃሊ'ዩ።

ኣብ 2010 ዓ/ም ካብ ሰለስቲኦም ሃገራት ዝተውጻእጽኡ ሰብ ሞያ ዝሓቖፈ 'መንጎኛ' ኮሚተ ተጣይሱ ከምዝነበረን፡ እቲ ኮሚተ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ካብ ግብጺ ተቐባልነት ሰለዘይረኸበ፡ ውድቂ ከምዝኾነን ኣዘኻኺሩ።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ሱዳን ብዝጸንሐ ዕግርግር ምኽንያት፡ እቲ ዘተ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ግን ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ አመላልአ እቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ሓድሽ ሓሳብ ሒዙ መጺኡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ። እዚ ድማ ካብቲ ዝጸንሐ መጽናዕትን ዝርርብን ዝወጽአ እዩ። ምስ ግድብ ኣስዋን ተኣሳሲሩ ብዙሕ ዘይተዘረበሉ ካብ ግብጺ ዝቐረበ እዚ እማመ፡ ብዝምልከት ከብረሀልና ዝሓተትናዮ ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ፡

"ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም'ዮም። ግድብ ኣስዋን ዝሕዞ ማይ ካብ ዝኾነ ዓቐን እንተነክዩ፡ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ክሕዝ የብሉን ኢሎም። ናታቶም ድልየት ጥራሕ ዘተኮረ ሓሳብ ኣቕሪቦም፤ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር፡ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ሓሳብ ክቐርብ ኣይክእልን፡ እንተቐሪቡ ድማ ካብ ኢትዮጵያ'ዩ ክኸውን ዘለዎ።•••ብወገን ግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት ምረኸበ ነይሩ ግን ንኢትዮጵያ ዝጸልዋ ነይሩ" ኢሉ ወናኒት እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ምዃና ብምሕባር።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፡ መስርሕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ኣፈጻጽምኡን ዝምልከት፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ስሉሳዊ ዘተታት ከካይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ገለ መጽናዕታት ተኻይዶም፡ ሓሳባት'ውን ቀሪቦም። እቲ ግድብ ማይ እንትመልእ፡ ታሕተዎት ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ ንዝኾና ግብጽን ሱዳንን ዘሕድሮ ጽልዋ ስለ ዝህሉ፡ ኣብ ክንደይ ዓመት ይመላእ ዝብል መካትዒ ኾይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጸዓዳን ጸሊምን ሩባታት ናይል ኣብ ካርቱም ይራኸቡ

ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብጺ መሓመድ ዓብደል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግብጺ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ እቲ ግድብ ኣብ እዋን ድርቅን ዕልቕልቕን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ንኽልቲኤን ሃገራት ከም ዝገለጸ ሓቢሩ። ግብጺ እትረኽቦ ብጽሒት ናይል ብክልተ ሚኢታዊት እንተነኪዩ፡ 200 ሽሕ ሄክታር ዝጽጋዕ መሬት ምድረበዳነት ከጥቅዖ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ዝበዝሕ ቀረብ ማይ ካብ ኣባይ ከም እትረክብ እትገልጽ ግብጺ፡ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ምሓዝ እንተጀሚሩ፡ ሕጽረት ማይ ከጋጥመኒ ይኽእል'ዩ ክትብል፡ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር ኣትሒዛ ክትቃወም ጸኒሓ'ያ። ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ እምነ ኩርናዕ እቲ ህንጸት ዘቕመጡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ እቲ ግድብ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ 'ምበር ንረብሓ መስኖን ሕርሻን ስለዘይውዕል፡ ኣብ መጠን ዋሕዚ እቲ ማይ ዘምጸኦ ሳዕቤን ከምዘይህሉ እዩ ደጋጊሞም ከረድኡ ፈቲኖም።

ኣእዳው ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ

ብመራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ከይተረፈ ዝተቓልሑ ገለ ጸብጻባት፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ተቓውሞ፡ ናይ ግብጺ ቀጥተኛ ኢድ ከምዝነበሮ እዮም ዝሕብሩ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ነቲ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ 'ናብ ስልጣን ንክወጽእ ገይረ እየ ብዝብል፡ ጽዕንቶ ክትፈጥር ትፍትንዶ ትኸውን?' ክንብል ሓቲትናዮ።

ግብጺ፡ ንዘመናት ኢትዮጵያ ነቲ ተፋሰስ ኣብ ልምዓት ከይተውዕል ዝተፈላለዩ ስልትታት ክትጥቀም ከምዝጸንሐት እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ። ብፍላይ ፕረዚደንት ሞርሲ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት ናይ ስልጣን ዘበኑ ገለ ሽድሽተ ነጥብታት ኣቕሚጡ ከምዝነበረ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ካብ መንጎ እቶም ስልትታት እቲ ሓደ እቶም ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ብዝፈላለዩ መንገድታት ምድኻም እዩ። ብቑጠባን ብፖለቲካን ዘይምርግጋዕ ምእንታን ክዓስል፡ ጎንጽታት ሕድሕድ ላዕሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ኩነታት ልዑል ኢድ ኣለዎም ዶ የብሎምን ንምፍላጥ እኹል መረዳእታ የብለይን። ይኹን'ምበር ኣብ ህልዊ ኩነታት፡ ኢድ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለና። ጽዕንቶ ምፍጣሮም ኣይክተርፍን።" ብምባል፡ ንቐጻሊ'ውን ንደሓር ከምዘይብሉ'ዩ ዝዛረብ።

ግብጺ ግን ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስደየበ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ 2010 ዓ/ም፡ ናብ ካይሮ ኣምሪሑ፡ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ፡ ብሓድሽ መንፈስ ብሓባር ክሰርሑ ስምምዕ ገይሩ ምምላሱ ዝዝከር እዩ።

ህዳሰ ግድብ

ዓብዪ ሩባ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፈለግ ኣባይ (ናይል)፡ 11 ሃገራት ኣቋሪጹ እንትሓልፍ፡ ኢትዮጵያ እታ ዝዓበየት ምንጪ እቲ ተፋሰስ'ያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ተካይዶ ዘላ ህንጸት ግድብ እንትዛዘም፡ ህፈት ማይ ነኪዩ ጽሩይ ኣማራጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክፈጥር'ዩ ዝብል ተስፋ ዘለዎን ኣባል ሃገራት ኣለዋ። ብዘይካ ግብጽን ሱዳንን፡ መብዛሕተአን ድማ ሓበራዊ ኣጠቓቕማ እቲ ፈለግ ዝምልከት መስርሕ ስምምዕ ፈሪመን እየን።

ንኢትዮጵያ ዘጓነዩ ተባሂሎም ዝንቀፉ፡ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈረሙ ስምምዓት፡ ብፍላይ'ቲ ናይ 1959 ብምጥቃስ፡ "ታሪኻዊ መሰል ምጥቃም ኣባይ" ኣለኒ ክትብል ዝጸንሐት ግብጺ ድማ፡ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ክትቃወም ጸኒሓ'ያ።

ሱዳን ግን እቲ ሓድሽ መስርሕ ዋለ ኣይትፈርም 'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ብዙሕ ተቓውሞ ከምዘይብላ ዝሓዘቶ ቅዋም፡ ንግብጺ ከቢድ ጓሂ ኾይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

እቲ ቀጻሊ ዘይምስናይ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ኲናት ከየምርሕ ይስጋእ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ