ሰራዊት ሶማልያ፡ ኣዛዚ ዝርከቦም '17 ዕጡቓት ኣልሸባብ ቀቲሉ'

ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሶማልያ ስርሒታት ዘካየደ ሰረዊት መንግስቲ ሶማልያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሶማልያ ስርሒታት ዘካየደ ሰረዊት መንግስቲ ሶማልያ

ኣብ ሶማልያ ብሓይልታት መንግስቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት 17 ዕጡቓት ከም ዝቐተሉ፡ መንግስቲ ሐቢሩ።

ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ጀነራል ኦዳዋ ዮሱፍ ራገ፡ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 15 ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበለ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ኣብ ዞባ ሂራን ተቐቲሎም ኢሉ።

ካብቶም ኣብ ማእከላይ ዞባ ሂራን ዝተቐትሉ፡ ኢብራሂም ኣብዲ ቱረይ ዝተባህለ ኣዛዚ ኣልሸባብ ከም ዝርከቦም'ውን እቲ ጀነራል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ፡ ኣብ ምስራሕ ነታጒ ክእለት ዝነበሮ ምንባሩ'ዩ ይዝረብ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ኮማንድ) ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ጁባ ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ክልተ ኣባላት ኣልሸባብ ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሰራዊት ኣመሪካ ኣንጻር ኣልሸባብ ንዝገብሮ ዝነበረ ስርሒታት ከዛይዶ ኣዚዙ ነይሩ'ዩ።

ንሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ንምድጋፍ፡ 'ኣሚሶን' ብዝብል ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ክንቀሳቐስ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ይኹን 'ምበር፡ እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ክፍጽም ጸኒሑ'ሎ።

ብሰንኪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም፡ ቆሲሎምን ተመዛቢሎምን'ዮም።