ኣሜሪካ፡ "ንስዑዲ ዘጥቅዑ ድሮናትን ሚሳይላትን ካብ ኢራን ዝተበገሱ እዮም"

ትካላት ነዳዲ ኣቡቃይቕ፡ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ዝወረዶ መጥቃዕቲ መስከረም 14 2019 Image copyright Reuters

ነቲ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዓብዪ ዕንወት ዘውረደ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ተመራሕቲ ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን ካብ ውሽጢ ኢራን ከም ዝተወንጨፉ ምርግጋጻ፡ ኣሜሪካ ገሊጻ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይቲ ወሽመጥ ከም ዝተወንጨፈ ሓቢሮም።

ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ስዑዲ ዓረብ ካብ የመን ዝመጽእ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ናብ ደቡብ ኣንፊቱ ስለ ዝነበረ ነቶም በወገን ሰሜን ዝመጹ ሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከፍሽል ከም ዘይከኣለ እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ኢራን ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ፡ ቀውሲ ኣስዒቡ ዝርከብ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።

ምስ ኢራን ዝውግኑ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ኣብቃይቕን ኹራይስን መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝወንጨፍዎም ይገልጹ።

እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ሕጂ'ውን ናብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ዘካየዱ እኳ እንተኾኑ፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግና፡ እቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ካብ ኣንፈት ደቡብ ወይ ደቡባዊ ምዕራብ ምብጋሱ ከም ዘይኣምኑን ካብ ሰሜን ወይ ሰሜናዊ ምዕራብ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይ ህዝቢ የመን ምዃኑ ተዛሪቡ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዋጋታት ነዳዲ ብ 20% ወሲኹ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕጽረት ከምቲ ተሰጊእዎ ዝነበረ ብዘይምዃኑ ድሒሩ ወሪዱ እዩ።

ሚኒስተር ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ጎዲሉ ዘሎ መጠን ፍርያት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ፡ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት