ደቂ ሰብ ብዘይ ኣግራብ ክነብሩ ይኽእሉ ዶ?

ብማእከል ጫካ ዝሓልፍ ጽርጊያ Image copyright Getty Images

ኣብዛ ንነብረላ ፕላኔት [ምድሪ]፡ ኣግራብ፡ ካርበን ካብ ምውህላል ክሳብ ምዕቃብ ሓመድን፡ ምቁጽጻር ዑደት ማይን ኣገልግሎት ይህቡና። ናይ ኣከባቢናን ናይ ሰባትን ስርዓተ መግቢ ይድግፉ፤ ንበዙሓት ኣሽሓት እንስሳታት ድማ መጽለሊ እዮም።

እንተኾነ ግን ብዘገርም ኩነት ብዛዕባ ኣግራብ ዘሎና ኣረኣእያ ዝንቡዕን ተጓዳእን እዩ። ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ፡ ወድሰብ ማሕረስ ካብ ዝጀመረሉ፡ ካብ ቅድሚ 12 ሽሕ ዓመታት ክሳብ ሕጂ፡ ከባቢ 50 ሚእታዊት ኣብ ምድሪ ናይ ዝነበሩ ኣግራብ በሪሶም ኣለው።

ኢንዱስትርያዊ ሰውራ (ወያነ) ካብ ዝጀመረሉ ንደሓር ድማ 32 ሚኢታዊ ናይ ዓለምና ጫካታትት በሪሱ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ቅናት ምድሪ ካብ ዝርከቡ ኣግራብ፡ በብዓመቱ 15 ቢልዮን ዝኸውን ይቑረጽ።

ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለምና ዝርከብ ገረብ ኣብሪስና እንተንውድኦ እንታይ ምተፈጥረ?

ኩሎም ኣግራብ ካብ ገጽ ምድሪ እንተዝጠፍኡ፡ ወድሰብ ህይወቱ ምቕጻል ኣዝዩ ምኸበዶ ትብል፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ዌልስ፡ መምህር ሓበሬታ ኣከባቢ፡ ኢዛቤል ሮዛ።

''ምድሪ'ውን ድልየታት ደቂሰብ ክተማልእ ኣይምከኣለትን" ኢላ።

ምድሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ምድረበዳ ምተቀየረት፤ ድርቅን ጥምየትን ድማ ምሰዓቡ። ምናልባት ዝናብ እንተመጸ'ውን ነቲ ማይ ዝዓቑሩ ኣግራብ ብዘይምህላዎም ብውሕጅ መዕለቕለቕና።

ኪንዮ'ዚ ምድሪ ብዘይ ኣግራብ ምስ እትከውን ንምስፍሕፋሕ ውቅያኖሳት ዓቢይ ዕድል ምፈጠረ። ምድሪ'ውን በቲ ጨዋም ማይ ባሕሪ ምተመልአት።

ኣግራብ ኣብ ኣቑጽልቶም ንካርበን ብመዕቋር ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ካብ ከባቢኦም ብምውጋድ፤ ኣብ ኩነታት ኣየር ካብ ዝመጽእ ብርቱዕ ሙቐት ይከላከሉልና 'ዮም።

Image copyright Getty Images

ምብራስ ኣግራብ ነቲ ኣብ ዓለምና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ልቅቀት ካርበን፡ ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣግራብ ካብ ምድርና ምስ ዝጠፍኡ ድማ እቲ ናብ ኣካባቢና ዝበተን መጠን ካርበን ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ 450 ጊጋቶን ካርበን ናብቲ ነስተነፍሶ ኣየር ምተበተነ።

ኣብ ርእሲ እዚ ልዑል መጠን ካርበን ናብ ኣካላት ማይ'ውን ስለ ዝኣቱ፡ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ዘለው እንስሳታት [ዓሳታት ወሲኽኻ] ጨሪሶም ምጠፍኡ።

ኣብቲ ናይ መወዳእታን ኣዝዩ ዘፍርሕን ዝበሃል ናይ ምድሪ ሙቐት'ውን ከይበጻሕና፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባትን እንስሳታትን ኣብ ሓጺር ግዜ ሞይቶም ምተወድኡ።

ብመሰረት ኣብ ኣገልግሎት ጫካታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኣግራብ 17.4 ሚልዮን ቶን ዝተበከለ ኣየር የወግዱ፤ እዚ ብገንዘብ ክትመን ከሎ ክሳብ 6.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

ምስ ጥዕና ብዝተሓሓዝ ድማ ከም ኢቦላ፡ ኒፓ ቫይረስን ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐሊሉ ኣስፋሕፊሖም ንህይወት ሰብ መሕጸርዎ። ብተወሳኺ፡ ዘይፍለጡን ገና መድሃኒት ዘይተረኽቦምን ብዙሓት ተላባዕቲ ሕማማት ዓበይቲ ብድሆታት ምኸወኖም ዘይተርፍ እዩ።

ተወሳኺ ዛንታ