ሴኔጋል ሕክምና መንሽሮ ጡብ ብናጻ ክትህብ እያ

ምርመራ ካንሰር Image copyright SPL

መንግስቲ ሰኔጋል፡ ብናይ ጡብ መንሽሮ ከምኡ ድማ ብመንሽሮ ኣፍ ማህጸን (ሰርቪካል ካንሰር) ንዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ናጻ ናይ ኬሞቴራፒ ሕክምና ከምዝህብ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ናጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ እዩ ክወሃብ ተባሂሉ።

"ብቀንዱ ንደቂኣንስትዮ ዘጥቅዑ ዓይነታት መንሽሮ እዚኦም ስለዝኾኑ፡ [እቲ ኣገልግሎት ክወሃብ ብምዃኑ] እፎይታ ረኺብና'ለና" ኢላ ፕረዚደንት ማሕበር ጸረ ሕማም መንሽሮ ሴኔጋል።

ንኻልእ ዓይነት ሕማማት መንሽሮ ዝወጽእ ናይ ሕክምና ወጻኢታት፡ እቲ 60% ሚእታዊት ተመላሲ ከምዝኸውን ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ከም ሩዋንዳ፡ ናሚብያን፤ ሲሸልስን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን፡ ሕክምና ኬሞቴራፒ ብናጻ ይህባ እየን።

መንግስቲ ሰኔጋል ነዚ ሓድሽ ውጥን መፈጸሚ ዝኸውን 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ መዲቡ'ሎ።

ኣብ 2015፡ ብውሕዱ 30% ሚእታዊት ናይ ኩሎም ዓይነታት ሕማም መንሽሮ ናይ ሕክምና ወጻኢ ክሽፍን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ተሰማሚዑ እዩ።

እንተኾነ፡ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብዘእተወን ዕውት ብዝኾነ መገዲን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ሕማም መንሽሮ ንምሃብ፡ ሕዚ'ውን እንተኾነ ብዙሕ ብድሆታት ኣሎ።

ንኣብነት፡ ሕማም መንሽሮ ጡብ ንምልላይ ዘገልግል ማሞግራም ዝበሃል መሳርሕታት፡ አብታ ሃገር ዝያዳ ከምዘድሊ ሓደ በዓል ሞያ ይገልጽ።

ካብ ሕክምና ኬሞቴራፒ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መንሽሮ ዝጀመረሉ ኣካል፡ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ዘኽእል ሕክምና ሬድዮቴራፒ'ውን ኣድላዩ ምዃኑ ይጥቀስ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት