ላይቤርያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ንብዙሓት ተምሃሮ ቀቲሉ

ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ኣብ ምድሓን ግዳያት Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ላይቤርያ ዝኾነት ሞኖሮቪያ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ዝበዝሑ ተምሃሮ ዝርከብዎም ብውሕዱ 27 ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ባርዕ፡ ቁርኣን ዝመሃሩ ተመሃሮ፡ ኣብ ጥቓ መስጊድ ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝተኸሰተ ተገሊጹ።

ፖሊስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ ዝካየድ ኣለሻ ኣስከሬን ቀጺሉ'ሎ።

ፐረዚደንት'ታ ሃገር ጆርጅ ዊሃ ናብቲ ሓደጋ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ብምግባር ሓዘኑ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ኤለክትሪካዊ ጸገማት ከም ዝተልዓለን ምጽራይ ቀጺሉ ከም ዘሎን ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ሞሰስ ካርተ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ሰበስልጣን ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበርዎ እንተኾይኑ፡ በቲ ባርዕ ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ዕድሚኦም 10 ዓመትን ልዕሊኡን እዮም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጥቓ'ቲ ባርዕ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኻቡ ሰባት

ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ንኣስከሬን ግዳያት ካብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ የውጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ብሰንባደ ተዋሒጦም ነቲ ኩነታት ይዕዘቡ ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት