ቻይናዊት ሰበይቲ ምስ "ቱሪዝም ወሊድ" ብዝተሓሓዝ ንዝፈጸመቶ ገበን ተኣሚና

ሓድሽ ናይ ዝተወለደ ህጻን ኢድ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶንግዩኣን ሊ ንዓማዊላ ሕጊ ኢሚግሬሸን ኣሜሪካ ከመይ ክሰግርዎ ከም ዝኽእሉ ስልጠና ትህብ

ደቆም ኣብ ኣሜሪካ ንኽውለዱን ዜግነት ክረኽቡን ንዝደልዩ ቻይናውያን ክተማኽርን ኩነታት ክተመቻቹን ዝጸንሐት ቻይናዊት ሰበይቲ ንዝተኸሰሰትሉ ገበን ተኣሚና።

ዶንግዩኣን ሊ ብትካላ ኣቢላ መደብ "ቱሪዝም ወሊድ" ብምድላው፡ ንቻይናውያን ሃብታማት ደቆም ኣብ ኣሜሪካ ዝውለዱሉ ዕድል ክትፈጥር ጸኒሓ'ያ።

ሊ፡ ዓማዊላ ንቑጽጽር ጉዳይ ኢሚግሬሸን ኣሜሪካ ብኸመይ ከም ዝሓልፍኦን ጥንሰን ከመይ ክሓብኣ ከም ዝኽእላን ስልጠና ትህብ።

ንሳ በዚ ተግባር ኣብ ታሕሳስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪድዋ ነይሩ።

መደብ "ቱሪዝም ወሊድ" እንታይ'ዩ?

ዶንግዩኣን ሊ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን ብትካላ [ዩ ዊን ዩኤስኤ ቫኬሽን ሰርቪስስ] ኣቢላ፡ ሰበስልጣን ቻይና ንዝርከብዎም ሰባት ካብ 40 ክሳብ 80 ሽሕ ዶላር እናኽፈለት ስልጠና ትህብ ነይራ።

እቲ ስልጠና ድማ ደቆም ብኸመይ ኣብ ኣሜሪካ ክውለዱን ዜግነት ክረኽቡን ከም ዝኽእሉ ዝዓለመ'ዩ።

ትካላ ብዌብሳይት ኣብ ዝዘርግሖ መዋዓውዒ [መላለዪ] መልእኽቲ፡ ኣሜሪካውነት "እቲ ኣዝዩ ሰሓባይ ዜግነት" ከም ዝኾነን "ዕድላት ስራሕ ከም ዝፈጥርን" ሓቢሩ ነይሩ።

ዓማዊላ ብቐሊሉ ናብ ኣሜሪካ ንኽኣትዉ፤ ፈለማ ካብ ቻይና ናብ ሃዋይ ንኽጓዓዙ፡ ብኡኡ ኣቢሎም ድማ መንበሪ ገዛ ናብ ዝረኽቡላ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ንክኸዱ ትምዕዶም።

ኣብ ቻይና ዝርከብ ቆንስል ኣሜሪካ ንዘቕርበሎም ሕቶ እንታይ ዓይነት መልሲ ብምሃብ ክሓልፍዎ ከም ዘለዎም'ውን ተሰልጥኖም።

ኣብ ኣሜሪካ ንሰሙናት ጥራሕ ክጸንሑ ምዃኖም ብምሕሳው ዝኸዱሉ ዕድል ክረኽቡ ከለዉ፡ ብፍላይ ነብሰጾር ኣዴታት ክሳብ ዝወልዳ ኣብኡ ይጸንሓ።

ንምንታይ ዘይሕጋዊ ኮይኑ?

ናብ ኣሜሪካ ምኻድን ኣብኡ ምውላድን ሕጋዊ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ሓሶት ቪዛ ምሓዝ ግን ሕጋውነት የብሉን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ስለዝተወለድካ ዝወሃብ መሰል ዜግነት ንኽለዓል ዝርርብ ከም ዝገበረ ይግለጽ።