ኤርትራ፡ ኣስመራ እታ 'ጸጥ' ዝበለት ውቅብቲ ከተማ

Asmara

ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኤርትራ ዘአንገደቶ ፈላሚ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 15 ዓመት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክንጽብጽብ ፍቓድ ዝረኸብናሉ እዋን ነይሩ።

ኤርትራ እባ እንታይ ትመስል? ከምቲ ዝውረዶ ብኣንጻሩ? ኣብታ ሃገር ክገጥመና ዝኽእል ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ታሪኻዊ ቦታታት ኤርትራ ዝሓቖፉዎ ምስጢርን ጽባቐን ከመይ ክንረኽቦም ኢና? ብውሑድ ኣብ ርእስና ዝመላለሱ ዝነበሩ ሕቶታት'ዮም።

ኣብራሪ ነፋሪት ክንዓልብ ደቓይቕ ከም ዝተረፈና ምስ ሓበረ፡ ኣማዕድየ ብመስኮት ናብታ ብዙሕ ዛንታኣ ዘንበብኩላን ዝሰማዕኩላን ኤርትራ ምጥማተይ ቐጸልኩ።

ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት እዮም ኣብ ርእሰይ ነይሮም። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ብጾተይ እውን ተመሳሳሊ ነገር ይሓስቡ ምንባሮም እቲ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ዝንታ ምስክር'ዩ ነይሩ።

ብሰሉስ 20 ነሓሰ 2019፡ ኣጋምሸት ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጺሕና።

ነፋሪት ዓሊባ ግቡእ መስርሕ 'ኢሚግረሽን' ተኸቲልና፡ ናብ ዝተዳለወትልና መኪና ኣቲና ናብ'ታ ኣብ ማእከል ከተማ ትርከብ ክሪስታል ሆቴል ኣምራሕና።

ኣስመራ ጽሪትን ጸባብን ከተማ'ያ። እዚ'ዩ ዝብሃል ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ስለ ዘየለ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ እትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ክንደይ ሰዓት ክወስደለይ ይኸውን? ኢልካ እትጭነቐሉ ኣይኮነን።

ካብ ወጋሕታ ክሳብ ፍርቂ ለይትን ድሕሪኡን ክትንቀሳቐስ ንድሕነትካ ዘስግእ ናይ ጸጥታ ጸገም ከም ዘየለ ምሸት ኣብ እንንቐሳቐሰሉ ዝነበርና ክንምስክር ክኢልና ኢና።

ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ

ኣብ መጀመርታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ምስፍሕፋሕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኤዉሮጳውያን፡ ብፍላይ ከኣ ካብ መጀመርታ ዓመታት 1880ታት ክሳብ 1914 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን]፡ ትልሚ መግዛእቲ ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብዝነበረ መስርሕ ጎዛዚኻ ግዛእ ኤውሮጳውያን፡ ኣብ 1890 መግዛእቲ ጥልያን፡ ኤርትራ ልኡላዊት ግዝኣቱ ምዃና ዝኣወጀሉ እዋን እዩ ነይሩ፡ ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ 1880 ብዓሰብ ኣቢሉ ዝኣተወ ጣልያናዊ መራሒ ሃይማኖት ጁሰፔ ሳፔቶ ንመግዛእቲ መንገዲ የጣጥሕ ምንባሩ ኣይገመቱን።

ኤውሮጳዊ መግዛእቲ፡ ንኣፍሪቃውያን ብዝያዳ ንናጽነት ከም ዝህንጠዩን ንናጽነት ክእልሽዋን ደራኺ ነገር እዩ ነይሩ፡ ከባቢታት እዚ ሕጂ ንሕና የዕሪፍናሉ ዘለና ክሪስታል ሆቴል፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ጸለምቲ ተወር ዘይብልሉ ከባቢ እዩ ነይሩ።

ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርታት ዓመታት ንኤርትራ ብመግዛእቲ ከተመሓድር ዝጸንሐት ጥልያን፡ ሲነማታት፣ መገዲ ባቡር፣ ጎደናታት፣ ቴሌፌሪካን ፋብሪካ መገጣጣሚ ኣየርን ከይተረፈ ክትሃንጽ ክኢላ ነይራ እያ።

ንኣስመራ እውን ንስሽተይ ሮማ ክትብል ሰይማታ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ብዝተኸተመ ውዕል፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን እዩ ውዕል ተኸቲሙሉ።

እዚ ኹሉ እንተገበረት'ውን፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰራዊት ኢንግሊዝ ተሳዒራ፤ ተራ መግዛእቲ (ሞግዚትነት) ንኢንግሊዝ ኣረኪባ፤ ንኤርትራ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ግዝኣት ክተብቅዕ ተገዲዳ።

ን11 ዓመታት ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ወዲቓ። ኢንግሊዝ፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክትከፍል ድልየት ነይሩዋ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ብፌደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትውሃድ ምኽረ ሓሳብ ምስ ኣቕረበ ግን፡ ድልየት ኣሜሪካ ሓይሉ፡ ናታ ምኽረ ሓሳብ ግብራዊ እንክኽውን ኤርትራ ብፌደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቖረነት።

እዚ ዘይተውሓጠሎም ኤርትራውያን፡ ብፖሎቲካዊ ቃልሲ ዝጀመርዎ ኣንጻር ፈደሬሽን፡ ኣብ 1961 ዝጀመርዎ ብረታዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመት ዝኸውን ከቢድ ዕጥቃዊ ቓልሲ ኣካይዶም ድማ ብ1991፡ ሓርነት ሃገሮም ኣረጋጊጾም።

ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝተርኣዩ ውጽኢታዊ ሰውራታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ተባሂሉ እዩ ዝእመነሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ፊት ሓወልቲ ፑሽኪን፡ ስእሊ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሓዘ ታቤላ

ድሕሪ እዚ፡ ኤርትራን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ) እቲ ኣብ ትግራይ ቦቒሉ ን17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ምስ ህዝባዊ ግንባር ብምዃን ንስርዓት ደርጊ ዝሰዓረ ህወሓትን ከም ጎረባብቲ ሃገራትን ናይ ቃልሲ መሓዙትን፡ ሰላማዊ ዝምድና መስሪተን ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ዘርኣያሎም ዓመታት፡ ብቑጽሪ ሸውዓተ ጥራሕ'የን።

ኣብ 1998፡ ብኽልቲኡ ወገን ደም ዘፋሰሰ ብዶብ ዝተሳበበ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተላዒሉ፤ ብዙሕ ሰባውን ንዋታውን ጸጋ ተኸሲሩ።

ኲናት እዘን ሃገራት፡ ብሸምጋልነት ሕቡራት ሃገራት ብስምምዕ ኣልጀርስ ጠጠው ክብል እንተተገበረ'ውን፡ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት (2018) ን20 ዓመታት ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት እየን ጸኒሐን።

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኢህወዴግ፡ ኣብ ዙርያ ምቕባልን ትግባረን ስምምዕ ኣልጀርስ ዝነበሮ መርገጺ ቀይረ ኢሉ፡ ለውጢ መሪሕነት'ውን ገይሩ ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ሰላም፡ እነሆ ሓደ ዓመት ዳግማይ ሰላማዊ ጉርብትና ተቖጺሩ።

እታ ንብዙሕ ዓመታት ንናይ ደገ ማዕከናት ዜና ዳርጋ ዕጽውቲ ዝነበረት ኤርትራ እውን ማዕጾኣ ኣርሕያትልናስ፡ ናብ ኣስመራ ኬድና።


"ኣስመራ ጻዕ"

ኤርትራውያን፡ ኣስመራን ሰባን ጽሩይ'ዩ ኢሎም ብምሉእ ኣፎም ንምዝራብ ኣይስከፉን'ዮም። ኣስመራ፡ ከም 'ጻዕዳ' ዓለባ እያ ይብሉኻ።

". . . ወዮ ሕጂ ኾይኑ እምበር፡ እቲ ቐደምስ ወጋሕታ ሰብ ናብ ውራዩ ከይገስገሰ እኮ ትሕጸብ ነይራ'ያ" ኢሎም ዘዘንቱዉ፡ ብዙሓት'ዮም።

ኣይተጋገዩን፤ ከተማ ኣስመራ፡ ፎቖድኡ ጉሓፍ ዘይትርእየላ እድብቲ ከተማ'ያ። መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ሰብ ጸጋ ዕድመን፡ ጸርዮም ዝረግጽዋ ክሳብ ዘምስል፡ ንሳቶም'ውን ጽሩያትን ዘመናውያንን'ዮም።

ህንጸት ትሕተ ባይታዊ መትረባት ረሳሕ ማይ ኣስመራ፡ ብጽቡቕ ክትልዓል ካብ ዝገብራ ካልእ ጸጋኣ'ዩ።

እዞም መትረባት፡ ካብ ማእከል ከተማ ክሳብ ጫፍ ማይ በላ ዘሎ ብትሕተ ባይታ ዝተራኸቡ ኮይኖም፡ ማይ ምስ ሃረመ ጎደናታት ቀልጢፎም ንኽዘፉ ፈቐድኡ ከፋታት ኣለዎም (ደቂ ኣስመራ ከኣ ፋኛቱራ ኢሎም ይጽውዕዎም)።

ህንጻታታ፡ ዕድመ ዝደፍኡ'ኳ እንተኾኑ፡ ጥንካርኦምን ግርምኦምን ኣይሃሰሰን። ኣዝዮም ነዋሕቲ ህንጻታት ብዙሕ ኣይርኣዩን። ገለ ነበርቲ፡ "ነዊሕ ደርቢ ምህናጽ ኣብታ ከተማ ፍቑድ ኣይኮነን" ይብሉ።

'ምልእቲ ከተማ' ዘብላ ትሕተ ቕርጺ ዘለዋ እዛ ከተማ፡ ብእትውንኖ ቅዲ ስነ-ህንጻ [ኣርትዴኮ]፡ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ]፡ ጥንታዊት ከተማ ኢሉ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገቡ ኣስፊሩዋ'ዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ፍቓድ ምምሕዳር እታ ከተማ ከይሓተትካ ሓድሽ ሕብሪ ምልካይ ኾነ፡ ውልዕ ዝብል ደሚቕ ሕብሪ ዘለዎ ቀለም ህንጻ ምልካይን ምሕዳስን ፈጺሙ ክልኩል'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎደናታት ኣስመራ ብጥንቃቐ ብዝተተኸለ ተኽሊ ሽባኻን ስየን ዝማዕረጉ'ዮም

ትራቮሎ፣ ሳንፍራንሲስኮ፣ ዳንተ፣ ቪላጆ፣ ሳንታ ኣና፣ ሰታንታኦቶ፡ ቸንትሮ፡ ገዛ ባንዳ. . . ወዘተ ካብ ጣልያን ዝረዓመ ኣስማት ገዛውቲ ኣስመራ እዮም።

ኣስመራ፡ ገዛውታ ጥራሕ ዘይኮነ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ መግቢ፣ ሲነማታት፡ እንዳ ሻህታትን እንዳ መስተን፡ ብቋንቋ ጥልያን'ዮም ዝጽውዑ።

ባር ቶሪኖ፣ ባር ኣሜሪካ፣ ፖርቲኮ፣ ሲነማ ዳንተ፣ ሲነማ ካፒቶል፣ ሲነማ ሮማ፣ ካዛ ደል ኢትልያኒ፡ ኣልቤርጎ ኢታልያ . . . ወዘተ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራ ኣቆጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ ትጥቀም

እቲ ቐደም፡ ብብዝሒ ግሪኻውያን፣ የመናውያን፣ ኢጣልያውያን፣ ግብጻውያን፣ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩላ ዝነበረት ከተማ፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ከተማ ዘይኮነት፡ ቤት ኩሉ ዘምስላ ምንባሩ ይዝረብ።

ሕቡራት ሃገራት፡ በዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ይጽጋዕ ኢሉ ይግምት። ሃገረ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ቆጸራ ህዝቢ ስለዘየካየደት፡ ብዝሒ ህዝባ ብንጹር ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ ዝተፈላለዩ ኣሃዛት'ዮም ዝህቡ።

ኤርትራ ሕጂ፡ ሽዱሽተ ዞባታት ክህልውዋ እንከለዉ፡ ትግረ፣ ትግርኛ፣ ዓፋር፣ ኩናማ፣ ብሌን፣ ሳሆን ራሻይዳን ሓዊሱ 9 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለወን ብሄራት ዝሓቖፈት ሃገር'ያ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተወለድቲ ብሄተረሰብ ብሌን [ጸጋም] ተወላዲት ብሄር ዓፋር [የማን]

ዓሌት ራሻይዳ፡ ብመልክዖምን ኣነባብርኦምን ካብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ዝተፈለዩ ጉጀለ'ዮም።

ራሻይዳ፡ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኾይኖም ድሒሮም ካብ ስዑዲ ዓረብ'ዮም መጺኦም ተባሂሉ ይእመን፤ ላህጅኡ ፍልይ ዝበለ ቋንቋ ዓረብ ድማ ዝረዳድእሉ ቋንቆኦም'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጓል ኣንስተይቲ ራሻይዳ፡ ቆልዓ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮነት ኣትሒዙ፡ ብዘይካ ዓይና ሙሉእ ገጻ ብዕንቚ ብዘጌጸ ጨርቂ ትሽፍን

እዞም ህዝቢ ሰበኽሳግም ኮይኖም ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ብብዝሒ ከምኡ ከኣ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ዝነብሩ እዮም፡ ኣጣል ብምርባሕን ብንግድን ድማ ህይወቶም ይመርሑ።

ደቂ ኣንስትዮ ራሻይዳ፡ ቆልዑ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮና ጀሚሩ፡ ዓይነን ጥራሕ ዘርኢ ብዕንቑታትን ዛዕጎልን ዘጌጸ ዒባያ ክኽደና ይግደዳ፤ ኣብ 15 ዓመተን ድማ ይምርዐዋ።

መተዓዳደጊ ገንዘብ

ናይ ምስሊ መግለጺ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኤርትራ ስሙ ናቅፋ ዝብሃል ኮይኑ በዓል 1፣5፣10፣20፣50 ከምኡ እውን ናይ 100 ናይ ወረቐት ሰልዲ ኣለዎ

ባጤራ ኤርትራ ናቕፋ ዝብሃል ኮይኑ በዓል 1፣5፣10፣20፣50 ከምኡ እውን ናይ 100 ናይ ወረቐት ሰልዲ ኣለዎ።

መበገሲ ስሙ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እትርከብ ከተማ ናቕፋ ኮይና፡ ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ 1977 ምስ ተቖጻጸርዋ፡ ደይ ከም ካልኦት ከተማታት፡ ደርጊ ደጊሙ ስለዘይተቐቖጻጸራ ከም ምልክት ጽንዓት ከም ዝርእይዋ እዮም ሓደ ሽበት ዘር ዘበሉ ዓቢ ኣቦ ኣብ ባር ኢምፔሮ የዕሊሎሙና።

ካብ ደገ ዶላር ወይ ካልእ መተዓዳደጊ ገንዘብ ሃገራት ወጻኢ ሒዙ ዝኣተወ በጻሒ ዓዲ፡ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ከሽርፎ ይጥለብ። ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን፡ በዚ መስርሕ ይኣምኑ።

ኣብ ባንኪታት ኤርትራ፡ ዋጋ ሓደ ዶላር 15 ናቕፋ'ዩ። ኣብቲ 'ኣሎ ዝበሃል' ጸሊም ዕዳጋ ድማ 17 ናቕፋ ከም ዝኾነ ሰሚዕና።

ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዝሓዝካዮ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ክተሽርፍ ኢልካ ምሕሳብን ምፍታንን፡ ኪኖ ዘይሕጋዊ ምዃኑ፡ ዘይሕሰብን'ውን'ዩ።

ብሽክለታ

ጎደናታት ኣስመራ፡ ሓባጥ ጎባጥ ዘይብሎም ለጥ ኢሎም ዝተነጸፉ ጎደናታት'ዮም። ኣብዞም ጎደናታት ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳ መካይን ምርኣይ ግን፡ ክንድቲ ኣይኮነን።

ብሽክለታ እሞ፡ ካብ ጫፍ እታ ከተማ ዝብገስ ኮነ ካብ ማእኸል ከተማ ናብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቱ ዝወፍር ዓብዪ ምስ ንኡሽቶ፡ ዝመርጻ መጓዓዝያን መሳለጥያኡን'ያ።

ኤርትራውያን ኪኖ መጓዓዝያ ኣብ ዓለማዊ ውድድራት እውን ክፍለጡላ ስለዝጀመሩ፡ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ውድድር ቱር ዲ ፍረንስ ኣብ መድረኽ ዝደየቡ ከም ብዓል ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ንብዙሓት ኣነቃቒሖም ኣብቲ ስፖርት ከምዘተኩሩ ገይረሞም እዮም።

ኣብዚ ሕጂ ከኣ ኤርትራን ውድድር ብሽክለታን ተነጻጺሎም ዘይረኣዩ ኮይኖም ኣለዉ።

Image copyright MILENA BELLONI (Left) BBC (Right)
ናይ ምስሊ መግለጺ ጎደናታት ኣስመራ፡ ሓባጥ ጎባጥ ዘይብሎም ለጥ ኢሎም ዝተነጸፉ ጎደናታት'ዮም

ዓማዊለን፡ ካብ ዝኾነ ቦታ ናብ ካልእ ኣብጺሐን ዝመልሳ ናይ ከተማ ኣውቶብስን ቢጫ ታክስን'ውን ኣለዋ።

እተን ናይ ከተማ ኣውቶብስ ዝህብኦ ኣገልግሎት፡ ብናይ'ታ ሃገር ኣቆጻጽራ ሰዓት ካብ ሰዓት ስዱሽተ ናይ ነግሆ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ናይ ምሸት ኮይኑ፡ እተን ዝበዝሓ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ካብ ሜዳ ባሕቲ መስከረምን ማይ ኣባሻውልን ይብገሳ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትሑት ወርሓዊ መሃያ፣ ካብ ደገ ዝኣተዋ መካይን ክኸፍልኦ ዝግደዳ ልዑል ግብሪ፣ ከምኡ'ውን ዋጋ ነዳድን መለዋወጢ ኣቑሑን ተደሚሩ፡ ናይ ውልቂ መኪና ክትውንን ከቢድ'ዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ቁጽረን ኣዝዩ ውሑድ ዝኾና መካይን፡ ነቶም ብተኽሊ ሽባኻን ስየን ዝወቀቡ ጎደናታት ክመላለሳሎም ይውዕላ።


ማሕበራዊ ናብራ ኤርትራ

ኣብ ኣስመራ ዝርአ ውዑይ ምንቅስቓስ ንግዲ የለን። ማሕበረ ቑጠባዊ መነባብሮ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ'ዩ።

ዘራእቲ ቡልቱግ፣ መሸላ፣ ስርናይ፣ ስገም፣ ኣሕምልትን ፍረታት፣ ጠለ-በጊዕ፡ ኣግማልን ከብትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊታት እቶም ብሕርሻን መጓሰን ዝናበሩ ኤርትራውያን እዮም።

ብዙሓት ትካላት እምነትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ብሓባር ኣብ ዝርኣዩላ ከተማ፡ ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን፣ ሱኒ ሙስሊም፣ ቤተ-ክርስቲያን ሮማ ካቶሊክን ሉተራን ወንጌላዊ ቤተ-ክርስቲያንን ጥራሕ'የን ካብ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝረኸባ።

ካብዚ ወጻእ ዝንቀሳቐሳ ሃይማኖታት፡ ዘይሕጋውን መሳርሒ ኣጀንዳ ሃገራት ወጻእን ተገይረን ይውሰዳ።

ኣብዚ ዓመት፡ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝመሓደራ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጽየን፣ ሰዓብቲ እምነት ጴንጠቆስታል ተኣሲሮም ዝብሉ ጸብጻብ ይወጽኡ ምንባሮም ይፍለጥ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
''ኣብ ኤርትራ ብፍሉይ ህግሰት ሰብኣዊ መሰል የለን''

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዞም ጉዳያት ብወግዒ ዝህቦ ምላሽ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ሃይማኖት ዝምልከት "ኣብ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

"ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ጽልዋ ምሰ ዝህሉ'ዩ መንግስቲ ኢዱ ዘእቱ'ምበር፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ኣየእቱን" ብምባል፡ "ምናልባት ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝረኣናዮ ግን፡ ብደገ ዝምወል ንሕብረተሰብ ዘናውጽ ጸገማት ስለዝመጽአ... ሰብ ተደለየ ክኣምን ይኽእል ተዘይደለየ ዘይክኣምን ይኽእል'ዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ እምነት መሰል ኣለዎ" ኢሉ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ