ኤርትራ፡ ብዙሓት ነገራት 'እንኮ' ዝኾኑዋ ሃገር

ነፋሪት ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኤርትራ ዘአንገደቶ ፈላሚ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክንጽብጽብ ፍቓድ ዝረኸብናሉ እዋን ነይሩ።

ብሓሙሽተ ምዕራፍ እነቕርበልኩም ዘለና ዛንታታት ትዕዝብቲ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋሉ ነዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ክተረኽብዎ ትኽእሉ።

ካልኣይ ክፋሉ እነሆ።


ኢጣልያውያን፡ 'ንእሽቶ ሮማ' (ፒኮላ ኣዝማራ) ኢሎም ዝሰየሙዋ ከተማ ኣስመራ፡ ልዕሊ ኹሉ ነቶም ፈለማ ዝነደፉዋ ኢጣልያውያን ኣሰሮም ኣዕሪፎምሎም ዝኸዱ ውቁባት ህንጻታት ሓብሒቡ ዝሓዘ ምምሕዳር ኣለዋ።

ነዞም ህንጻታት ዝውሕጥ ወይ ዝሓብእ ህንጻ ክትሰርሕ ፍቑድ ዘይምኻኑ ንምርግጋጽ፡ ዓቐን ንውሓት ሓደ ህንጻ 60 ሜትሮ ክኸውን ብሕጊ ጸኒዑ'ዩ። ልዕሊ እዚ ምኻድ፡ ሓድጊ ሰማይ ኣስመራ ከም ምጥፋእ ይቑጸረካ፤ ሓጢኣት'ዩ....።

ኣብታ ከተማ ነዊሕ ህንጻ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውሑድ'ዩ ካብ በልናስ፡ እዚ ዛንታ ኣብ ኣስመራ 'እንኮ' ብዛዕባ ዝመስሉ ነገራት'ዩ ከዘንቱ...

ማክያቶን ስፕሬሶን ብብዝሒ ኣብ ዝዝውተራ ከተማ፡ ብዙሕ ክተውጋዓሎም እትኽእል ጸጋታት እንተሃለውዋ'ኳ፡ ካብኦም ፍልይ ኢሎም ዝርኣዩ 'እንኮ' ኢልካ ክትምስሎም ዘገድዱ ብዙሓት ነገራት ኣለውዋ።

ንታሪኽን መስዋእትን ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ሓሲቡ ህያው ምስክር ክኾኑ ዝኽእሉ ሓወልታት ዝኽሪ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ቀሪጹ ናብታ ከተማ ዝኸደ ልብኻ፡ ሓደ ሓወልቲ ሩሲያዊ ጸሓፊ ኣለክሳንደር ፑሽኪን'ዩ ዝረክብ።

ካልእከ እንተ ኢልኩም . . . ሓደ ዓይነት ቢራ፣ ሓንቲ ናይ ህዝቢ ነፋሪት፣ ሓደ ወሃቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም፣ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ፣ ሓደ መስኮት ቴሌቪዥን . . .።

ናይ ምስሊ መግለጺ ገጣምን ጸሓፍን ኣለክሳንደር ፑሽኪን፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝቖመሉ ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ

ሓደ ቢራ

ኢንጅነር ሉዊጂ ሜሎቲ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ክኢላ ህንጸት መገዲ ኮይኑ ናብ ኣስመራ መጺኡ። ፋብሪካ ቢራ ሜሎቲ ዝርከበሉ ቦታ፡ መኽዘን መሳርሒታት ህንጸት መገዲ ከም ዝነበረ እንትዝንቶ፡ እዚ መገዲ ክሃንጽ ዝመጽአ ኢንጀነር ድማ፡ ኣብቲ ቦታ ቢራ ምፍራይ ከም ዝጀመረ ይንገር።

ቢራ ሜሎቲ፡ ካብ 1939 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚሩ ክጽሞቕ ዝጸንሐ ቢራ ኮይኑ፡ ንኤርትራውያን እንኮ ዝዛነይሉ ቢራ፡ ንብዙሓት ድማ ብርክት ዝበለ ዝኽሪ ዝገደፈ መስተ'ዩ።

ጠለብን ቀረብን ሜሎቲ ወይ ኣስመራ ቢራ ዝጠዓዓም ስለዘይነበረ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ሓደ ሰብ ክልተ ቢራ ጥራይ ክዕድግ ይፍቀደሉ ነይሩ።

ልዕሊኡ ክሰቲ ዝደለየ ሰብ ግን፡ ቢራ ዘይሰቲ ሰብ ሒዙ ብምኻድ ናይቲ ሒዙዎ ዝመጽአ ሰብ ኮታ ይሰቲ ከም ዝነበረ፡ ካብ ገለ ፈተውቲ ሜሎቲ ቢራ ዝሰማዕናዮ'ዩ።

ሕጂ፤ እቲ ፋብሪካ ድሕሪ ዝተገበረሉ ምሕዳስ፡ ቢራ ብቐሊሉ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤ ግንከ ኣብ ገለ እዋን 'ቢራ ተወዲኡ' ዝብላ ኣብያተ ለይታዊ ትልሂታትን ቤት መስተን ኣይስኣናን።

ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ምስተኸፈተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ዝበሃሉ ዓይነታት ቢራ፡ ንከተማ ኣስመራ የዕለቕሊቖማ ምንባሮም'ውን ነጊሮምና። በዚ ምኽንያት ዋጋ ሓደ ሜሎቲ ቢራ ካብ 25 ናቕፋ ናብ 11ን 15ን ወሪዱ ነይሩ።

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብዚ እዋን ብንጹር ብዘይተገልጸ ምኽንያት ተዓጽዩ ይርከብ።

እቶም ዶብ ድሕሪ ምክፋቱ ኣትዮም ኣብ ዕዳጋ ኣስመራ ዝተጸምበሩ ገለ ዓይነታት ቢራ ናይ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሕጂ ንዝኽሪ ብዝመስል ኣብ ከብሕታት ኣብያተ መስተ ተሰቒሎም ይርኣዩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
"ናይ መስተ ሰዓት ሕጊ ክወጽኣሉ'ለዎ"

ሓደ ዓይነት ስርዓት ባንኪ

ልዑል መጠን ገንዘብ ዝሓትት ንብረት ንምዕዳግ ወይ ሃብቲ ንምውናን እንተሓሲብኩም፡ እሞ ድማ ኣብ ኤርትራ እትነብሩን ሕሳብ ባንክኹም ኣብ ባንክታት ኤርትራ እንተኾይኑን፡ ዘይትሰግርዎ ሓደ ሕጊ ኣሎ።

ባንክታት ኤርትራ፡ መንግስቲ'ዩ ዝውንነን። እዘን ባንክታት ሰለስተ ኾይነን፡ ባንኪ ኤርትራ፡ ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራን ባንኪ ኣባይትን ንግድን ተባሂለን ይጽውዓ።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ከተማታት ከኣ ጨናፍራት ኣለወን፡ እዘን ባንክታት ናይ ብሓቂ ድዩ? ዘብል ጽኑዕ ሕጊ ኣለወን። ዓማዊል፡ ኣብ ባንኪ ካብ ዝዓቖሩዎ ገንዘብ ወርሓዊ ልዕሊ 5ሽሕ ናቕፋ ከውጽኡ ኣይፍቀደሎምን።

ስለምንታይ'ዩ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ኣጠቓቕማ ገንዘብን ባንክን ክህሉ ደልዩ? ኢልና ዝሓተትናዮም ነበርቲ፡ ዝህቡዎ ርኢይቶ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን።

ገሊኦም፡ ኣብ ሓደ እዋን እታ ሃገር ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ ንምቁጽጻርን ባህሊ ምዕቋር እቲ ህዝቢ ንምዕባይን እዩ እንክብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ "መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ንግዲ ክህሉ ስለ ዘይደሊ ናይ ገንዘብ ምዝውዋር ክህሉ ኣይደልን" ይብሉ።

ኣብ ኤርትራ፡ በጻሕቲ ዘይጽበይዎ ድማ፡ ብቐሊሉ ገንዘብ ከተውጽኣሉ እትኽእሉ ምዕቡል ኣገልግሎት ባንክ፡ ኤ-ቲ-ኤም (ናይ ገንዘብ ማሽን) ዘይምህላዉ'ዩ።

ኤቲኤም ኣብ ዘይብላ ሃገር ኤርትራ፡ መግብን መስተን ኣብ እትዕድገሉ ቤት ግን፡ ተወሳኺ ግብሪ የለን።

ሓደ ኩባኒያ ቴሌኮም

07. . . ኢሉ ዝጅምር ቑጽሪ ስልኪ ሞባይል ኤርትራ፡ 8 ኣሃዝ ጥራሕ ኣለዎ።

ናይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ገዛ ቴሌፎንን እንተኾይኑ ከኣ ሽዱሽተ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ገዛን ናይ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ብ08 ዝጅምር ሸሞንተ ኣሃዛት ዘለዎ ቁጽሪ ቀዋሚ ቴሌፎን ኣሎ።

ኤሪቴል፡ መንግስቲ ዘመሓድሮ ኩባኒያ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝህብ እንኮ ትካል'ዩ። ግን፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ድኹምን ሲም ካርድ ምርካቡ ኣጸጋምን'ዩ።

ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ፡ ናብ ኣስመራ እትው ኢሉ ካብ ድኳን፣ ኤርፖርት ወይ ናብቲ ዘቕርብ ትካል ከይዱ ሲም ካርድ ክዕድግ ኣይኽእልን፤ ኣይፍቀደሉን'ውን።

Image copyright Getty Images

ዜጋታት እታ ሃገር እንተኾኑ'ውን፡ ሲም ካርድ ንምውጻእ ፍቓድ በብብርኩ ዘለው ኣብያተ ጽሕፈትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ምስ ዝረኽቡ'ዩ ዝወሃቦም።

ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት እታ ሃገር ዝርከቡ ቀፎታት ናይ ህዝቢ ቴሌፎን፡ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ ጸገም ንምቅላል ከም መማረጺ ይጥቀመለን።

ነቲ ብዝኾነ መገዲ ሲምካርድ ክረክብ ዘይፍቀሉ ወጻእተኛ በጻሒ ዓዲ'ሞ፡ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ኣማራጺታቱ'የን።

እዚ ከም ዕንቊ ንምርካቡ ኣጸጋሚ ዝኾነ ሲም ካርድ እንተረኸብካዮ'ውን፡ 'ሞባይል ዳታ' (ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብቴሌፎን) የለን።

ሓንቲ ነፋሪት

ወርሒ ለካቲት 2019፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተፈላለዩ ስነ ጥበባውያን ዝሓቖፈ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ሒዛ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጉዒዛ ነይራ።

ካብ ናጽነት ክሳብ 2003፡ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብነፈርቲ ዘይኮነ፡ ቤት ጽሕፈት መሸጣ ትኬትን 'ሃንድሊንግ ኤጀንስን' ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2003 ወግዓዊ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይእመን።

ብክልተ ዓበይቲ ቦይንግ 767 ናብ ስራሕ'ኳ እንተኣተወ፡ ብተግባር ግን ብሓንቲ ነፋሪት'ዩ ዝሰርሕ ነይሩ ይብሉ ኣብ መሓውር ምምሕዳር ዝነበሩ ሰባት ይገልጹ።

ብእዋኑ፡ ናይ ሳውዲ፣ ግብጺ፣ ሉፍታንዛ የመንን ሱዳንን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ይዓርፋ ነይረን። እታ ዓባይ ኣብ ኤርትራ ትኸስብ ዝነበረት ግን ሉፍታንዛ እያ። ካብ ሰለስተ ክሳብ 5 ኣብ ሰሙን ትበርር ነይራ።

ሓደ ተለቪዥንን ጋዜጣን

ዓለማዊ ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ብናጽነት ሚዲያ፣ ሕትመትን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ካብ ምሕማይ ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን።

ኮሚቴ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት (ሲፒጄ) ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ዝተኣሰሩ 251 ጋዜጠኛታት ከም ዘለው ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ እታ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር እያ ኢሉ ነይሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2019 ድማ፡ እዚ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕ ትካል፡ ማእሰርቲን ዓምጻጺ ሕግታትን፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታል፡ ኣብ ቀረብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዘሎ ቀይድታት ብምግምጋም ኣዳልየዮ ኣብ ዝበሎ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ብምመያ (ሴንሰርሺፕ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር'ያ ኢሉ።

ድሕሪ እዚ ጸብጻብ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግን ንጸብጻብ ሲፒጄ ኣመልኪቱ ብትዊትር፡ ብዘይ እኹል መጽናዕቲ ንኤርትራ 'ካብ ሓበሬታ ዕጽውቲ እያ' ምባሉ ሓሶት'ዩ ዝብል ምላሽ ሂብሉ'ዩ።

መንግስታዊ ተለቪዥን ኤሪ-ቲቪ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እንኮ ኣማራጺ ሃገራዊ ተለቪዥን ኮይኑ፡ ልሳን እቲ መንግስቲ ዝኾነት ሓንቲ ጋዜጣ ብእንግሊዝ ብትግርኛ ዓረብን ትግረን እትህተም ጋዜጣ እውን ኣላ።

Image copyright Getty Images

ሰለስተ ኤፍ-ኤም ሬድዮታት እንትህልዋ፡ ካብ ትግራይ ዝፍኖ ራድዮ ድምጺ ወያነን ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካን፡ ኣካል እቲ ህዝቢ ሓበሬታ ዝረኽበሎም ኣማራጺታት ራድዮ'ዮም።

ዳርጋ መብዛሕትአን ድሕሪ ናጽነት ዝተቐልቀላ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ወርሒ መስከረም 2001 ዝተዓጸዋ ኾይነን፡ ናዕቢ ኣለዓዒለን፣ ኣጀንዳ ናይ ደገ ሓይልታት ኣሰጒመን ዝብል ኽሲ እውን ካብ መንግስቲ ዝቐርበለን ክሲ እዩ።

እንተኾነ እቶም ቅድሚ 18 ዓመታት ዝተኣሰሩ ኣሰናዳእቲ እዘን ጋዜጣታት ኣብ ዝኾነ ወግዓዊ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ኣይፈልጡን እዮም። ሃተለዋቶም'ውን ኣይፍለጥን።

ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ

እታ ሃገር ዘመሓድርን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ እቲ እንኮ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ።

ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና ነብሳ ምምሕዳር ካብ ዝጀመረትሎም ዓመታት ንድሓር፡ ካብዚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወጻኢ ካልእ ርእያ ኣይትፈልጥን።

Image copyright Getty Images

ረዚንት ኢሳያስ አፈወርቂ መን'ዩ?

  • ኢሳይስ ኣፈወርቂ ኣባል እቲ ግንባር ምስ ዝነበረት ሳባ ሃይሉ ሓዳር መስሪቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን'ዩ
  • ሰዓቢ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብቑመቱ ኣብ ዓለምና ኣለዉ ካብ ዝብሃሉ ነዋሕቲ መራሕቲ እዩ
  • ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ብመሪሕነት ኣብ ስልጣን ካብ ሞንጎ ዝጸንሑ መራሕቲ'ዉን ምኻኑ እውን ይጥቀስ
  • ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፈላማይ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶን ኮይኑ እንትምረጽ፡ ፈጻሚ ስራሕ መንግስትን ፍትሕን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክኾኑ ገይሩዎም
  • ንሱ ዝመርሖ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ብሕታዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንትኾን ካብቶም መስረትቱ ሓደ'ዩ

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ቅዋም የለን፣ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን። ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ምርጫ ሕቶ ቐሪብሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ኾን ዶ ኾን ድሕሪ ዓሰርታት ዓመታት" ኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተኻየደን ወይ ኣፋፍኖት የለን።

ነቲ ኣብ 2014 ሓድሽ ቅዋም ከም ዝጸሓፍ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ዝኣተዎ መብጽዓ'ውን ዛጊት ኣይተግበሮን።

ተወሳኺ ዛንታ