ኣብ ገመድ ኤሌክትሪክ ተንጠልጢሉ ዝተረፈ ኣብራሪ

ኣብቲ ኤሌክትሪክ ገመድ ተንጠልጢሉ ንካሊእ ሓደጋ ዝተሳጠሐ ኣብራሪ Image copyright Maxppp/PA Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ኤሌክትሪክ ገመድ ተንጠልጢሉ ንካሊእ ሓደጋ ዝተሳጠሐ ኣብራሪ

ኤፍ-16 ተባሂሉ እትጽዋዕ ነፋሪት-ውግእ እናብረረ ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣብራሪ ኣብ ገመድ ኤሌክትሪክ ተሰቒሉ ብሂወት ተሪፉ።

እዛ ናይ ቤልጂም ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ፈረንሳይ ብዘጋጠማ ሓደጋ'ያ ወዲቓ።

ካብታ ነፋሪት ንባዕሉ ብሕይወት ክተርፍ ዝፈተነ ሓደ ካብቶም ኣብረርቲ፡ ኣብቲ ሓያል 'ቮልቴጅ' ዝነበሮ ኤሌክትሪክ ገመድ ተንጠልጢሉ ተሪፉ።

ናይቲ ከባቢ ሓደ ጋዜጣ ከምዝበሎ፡ እቲ ገመድ ኤሌክትሪክ 250 ሺሕ ቮልት ዝዕቀን ሓይሊ ነይሩዎ።

እዚ ካብ ሓደ ሓደጋ ከምልጥ ኣብ ካሊእ ሓደጋ ዝወደቐ ኣብራሪ፡ ብትካል መድሕን ሕይወት ፈረንሳይ እዩ ብህይወት ተሪፉ።

ካብቲ ገመድ ኤሌክትሪክ ንምውራድ ክልተ ሰዓት ወሲድሉ።

ክልቲኦም እቶም ኣብረርታ ግን ዝተወሰነ ጉድኣት ይብጸሐዮም 'ምበር ብሕይወት ክተርፉ ክኢሎም።

እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ መሬት ምውዳቓ፡ እንተወሓደ ናሕሲ ሓደ ገዛ ተንኪፋ ነይራ።

እታ ናይ ውግእ ነፋሪት 500 ሜትሮ ካብ መሬት ርሒቓ ትበርር ዝነበረት እንትኸውን፡ ኣብ ልምምድ እያ ነይራ ተባሂላ።

"እቲ ኤሌክትሪክ ገመድ ክቖርጽዎ ነይሩዎም። ይኹን'ምበር ክሳብ ሽዑ ምስቲ ኣብራሪ ብስልኪ ኣውጊዖም እዮም " ክብል ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ቤልጂም ገሊጹ።

ገለ ኣእዋም በቲ ሓደጋ ዝተወሰነ ባርዕ ከምዘጋጠሞም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ተዛሪቦም።

እታ ነፋሪት ወተሃደራዊት እንተኾነት'ኳ፡ ኣብ ውሽጣ ዝኾነ ኣጽዋር ኣይነበረን ተባሂሉ።