ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢቲሃድ ክፍንጅሩ ዝወጠኑ ልኡኻት ዳዕሽ ገበነኛታት ኮይኖም

ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ኣውስትራልያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ውዲት ምስ ተፈለጠ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተዋፊሮም

ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይ ኤስ) ዝምድና ዝነበሮም፡ ኣብ ነፋሪት ቦምባ ሓቢኦም ብምእታው ክፍንጅሩ ዝዓለሙ ክልተ ኣውስትራልያውያን ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።

ወዲ 34 ዓመት ማሕሙድ ካያት፡ ኣብ ሓምለ 2017 ካብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ናብ ኣቡዳቢ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ክፍንጅር ምውጣኑ፤ እቲ ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝጸንሐ ቤትፍርዲ ብሓሙስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ወዲ 51 ዓመት ሓው ካልድ ካያት ኣብቲ ተግባር፡ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ክልቲኦም ግና ነቲ ገበን ከም ዘይወዓልዎ እዮም ገሊጾም።

እቲ ነቲ ቦምባ ኣቐሚጦምሉ ዝነበሩ ቦርሳ፡ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ ንምፍታሽ ብምጽጋሙ እዩ፡ ውጥኖም በርዒኑ።

ንሳቶም 400 ተጉዓዝቲ ሒዛ ናብ ኣቡዳቢ እትበርር ነፋሪት፡ ብምእታው ክፍንጅሩ ከምዝወጠኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። እቲ ቦምባ ኣብ መጥሓን ስጋ ሓቢኦምዎ ከም ዝነበሩውን ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ፍጻመ ድሕሪ 11 መዓልቲ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ማሕሙድን ካልድን፡ እቲ ውጥኖም ምስ ፈሸለ፡ ኣብ ከተማ ሲድኒ፡ ከሚካላዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ከም ዝዓለሙ'ውን እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ሳልሳይ ሓዎም፡ ዓመር ካያት ነቲ ቦርሳ ናብ ሲድኒ እኳ እንተኣምጽኦ፡ ኣካል እቲ ውዲት ግና ከምዘይነበረን፡ ብዘይ ኣፍልጥኡ ኣሕዋቱ ነቲ ቦምባ ኣብ ቦርስኡ ከም ዘእተውሉ ተገሊጹ።

ዛጊት ማሕሙድን ካልድን ብይን እኳ እንተዘይተዋህቦም፡ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረዱ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

ዓመር ካያት ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተጸንሐ፡ ብሓሙስ ሓው ገበነኛ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ነጻ ከም ዝተለቕቀ፡ ማእከን ዜና ሊባኖስ ጸብጺባ።

እቶም ክልተ ኣሕዋት ካብ ካልእ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ኣባል ዳዕሽ ዝኾነ ሓዎም መምርሒታት ይቕበሉ ከም ዝነበሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ተዛሪቦም።

እቲ ነቲ ቦምባ ዝተሰርሓሉ ተባራዒ ባእታታት ካበ ቱርኪ ብነፋሪት ዝተላእኸ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ።