ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር በን ዓሊ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ስደት ዓሪፉ

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር ዚን ኣል ኣቢዲን በን ዓሊ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር ዚን ኣል ኣቢዲን በን ዓሊ ኣብ 2011 እዩ ብህዝባዊ ምልዕዓል ካብ ስልጣን ተኣልዩ

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር፡ ዚን ኤል-ኣቢዲን በን ዓሊ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ስደት ከም ዝሞቱ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም።

ን23 ዓመታት ንቱኒዝያ ዝመርሐ በን ዓሊ፡ ነታ ሃገር ብዘምጽኦ ምርግጋእን ቁጠባዊ ብልጽግናን ስሙ ብጽቡቕ እዩ ዝለዓል።

እንተኸነ ግና፡ ፖለቲካዊ ነጻነት ብዘይምፍቃዱን ኣብ ግዚኡ ብልሽውና ብምስፍሕፍሑን ብብዝሒ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2011 ብህዝባዊ ምልዕዓል'ዩ፡ ካብ ስልጣኑ ክእለይ ተገዲዱ። እቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ልዕሊ ዓሰርተ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ምልብዑ ዝዝከር ኮይኑ 'ቀውዒ ዓረብ' ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ እዩ።

በቲ ምልዕዓል ብርክት ዝበላ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቶም ኣልየን እየን።

በን ዓሊ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምህዳም ኣብኡ ክነብር ጸኒሑ።

ቤትፍርዲ ቱኒዝያ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዘይተረኽበሉ፡ ንሕልፈት ፈሪድዎ እዩ።

ስነ ስርዓት ቀብሩ ስዑዲ ዓረብ ዓርቢ ክምጸም ምዃኑ ጠበቕኡ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት