ግብጻውያን ሰልፈኛታት፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቶም

ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ካይሮ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ካይሮ

ፕረዚደንት ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ2014፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ናይ ፈለማ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣተኣናጊዱ።

ፖሊስ ተቓወምቲ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ ድማ ተባሂሉ።

ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ መናእሰይ ግብጻውያን፡ ነታ ኣብ ናይ 2011 ናዕቢ ግብጺ፡ ወሳኒት ተገይራ ኣብ እትውሰድ 'አደባባይ ታህሪር' ብምውጻእ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም።

ኣብ ካልኦት ከባብታት ግብጺ ድማ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ተኻይዶም ተባሂሉ።

እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ብቐንዱ፡ 'ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብልሽውና ፈጺሙ' ምባሉ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሞሓመድ ዓሊ ዝተብሃለ ፍሉጥ ግብጻዊ ባዓል ሃፍትን ተዋሳእን፡ እቲ ፕረዚደንት ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር ንሆቴልን ካሊእ መጋየጽታትን እንተውዕል ዘርእይ ብተንንቀሳቓሲ ምስሊ [ቪድዮ] ዝተደገፈ መረዳእታት ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ ከቃልሕ ቐንዩ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት እዚ ዝገብር ዘሎ፡ ሚልዮናት ግብጻውያን ኣብ መዓሙቕ ድኽነት እናሃለዉ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕረዚደንት ግን እቲ ዝቐረቦ ክሲ፡ 'በለካ ለኽዐካ' ክብል ይነፅጎ።

እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

እቶም፡ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ተቓዊሞም ኣብ አደባባይ ታህሪር ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ 'ኣል ሲሲ ውረድ'፣ 'ህዝቢ ኣይደልየካን' ወዘተ ዝብሉ ነቲ ፕረዚደንትን ንሱ ዘቖሞ ስርዓትን ዘነኣእሱ ጭርሖታት ሒዞም እዮም ወጺኦም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር

ፖሊስ፡ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ጻዕሪ'ኳ እንተተገብረ፡ ኣደባባይ ታህሪር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ካይሮን እታ ሃገርን እቲ ተቓውሞ በርቲዑ ተራእዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝኾነ፡ ተንታኒ ፖለቲካ እቲ ዞባ ሳሊ ነቢል፡ እዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከምኡ ዓይነት ዓመጽ ዝሕሰብ ኣይነበረን ኢሉ።

ከም ጸብጻብ ኣልጀዚራ ግን፡ እቲ ዓመጽ ኣብታ ታሪኻዊትን ካብ ካይሮ ቀጺላ ዓባይ እትበሃል ከተማ ኣሌክሳንደርያን ከምኡ ውን ኣብ ከተማ ስዌዝ ተመሳሳሊ ሓያሎ ሰልፍታት ተቓውሞ ተራእዮም'ዮም።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መናእሰይ ኣኪቡ፡ ኣብ 2011 ኣብ ግብጺ ናዕቢ እንተዘይለዓል ኢትዮጵያ ጥር ትብል ግድብ ኣይምሰርሐትን ኢሉ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ