ኢትዮጵያ፡ ምውንጫፍ ሳተላይት ናብ ታሕሳስ ተሰጋጊሩ

ማእከል ምክትታልን ምርምርን እንጦጦ Image copyright ZACHARIAS ABUBEKER

ኢትየጵያ ኣብዚ ወርሒ ክትውንጭፎ ወጢናቶ ዝነበረት ሳተላይት ናብ ታሕሳስ 17፡ 2012 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ከም ዝተሰጋገረ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነፍልጠት ህዋን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ዶክተር ሰለሞን በላይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ንምርመራ መሬት እተገልግል ሳተላይት ኣብዚ ወርሒ ካብ ቻይና ክትውንጭፍ ተሊማ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ዶ/ር ሰለሞን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኢትዮጵያ ነታ ሳተላይት እትቆጻጸረሉ ማእከል፡ ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናብ፡ ክፍተን ስለ ዘይከኣለ፡ እታ ሳተላይት ትውንጨፈሉ መዓልቲ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ምህናጽ እታ ሳተላይት ኣብቲ ዝተወጠነሉ እዋን ምዝዛሙ ገሊጹ፤ እቲ መቆጻጸሪ ማእከል ብዝግባእ ከይተፈተነ ነታ ሳተላይት ምውንጫፍ ስለ ዘይከኣል፤ ምስ ቻይና ብምርድዳእ ናብ ታሕሳስ ክሰጋገር ከም ዝተወሰነ ኣረዲኡ።

"ስርሓት እቲ ማእከል ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ እዩ፤ እቲ ተሪፉ ዘሎ ምፍታን እዩ። ኣብ ታሕሳስ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክውዳእ እዩ" ኢሉ እቲ ዋና ዳይሬክተር።

እታ ሳተላይት፡ ናብ ህዋ ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ንመሬት እናዞረት ብስእሊ ሓበሬታ ክትስንድ እያ። እቲ ሓበሬታ ከከም ኣድላይነቱ ናብ ምድሪ ክለኣኽ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት ተመሳሳሊ ሳተላይት ዝወንጨፋ ሃገራት ሒደት ክኾና እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እያ ነቲ ስራሕ ጀሚራቶ።

ኣብ ዓለም ሳተላይት መወንጨፊ ማእከል ዘለወን ሃገራት ሒደት ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ እቲ ሳተላይት ካብ ቻይና ክውንጨፍ እዩ።