ኢራን ኣብ ወሸመጥ ዓረብ ግዳማዊ ምትእትታው ደው ክብል ጸዊዓ

ፕረዚደንት ኢራን Image copyright EPA

ፕረዚደንት ኢራን ኢድ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ንድሕነት ወሸመጥ ዓረብ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ብምህላው ደው ክብል ኣጢንቂቑ።እዚ መጠንቀቕታ ኢራን፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ሰዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰራዊታ ናብ ስዑዲ ክትልእኽ ምዃና ምስ ሓበረት እዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሮሃኒ፡ ጣልቃ ምእታው ግዳማዊ ሓይልታት ብቐጻሊ ''ቃንዛን ሕሰምን እዩ'' ዘስዕብ ክብል ገሊጽዎ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት፡ ኢራን ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ሓዲሽ ተበግሶ ንሰላም ወሸመጥ ዓረብ ዝብል እማመ ከም እትቐረብ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ እቲ ተበግሶ ግን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ 2015 ምስ ኢራን ስምምዕ ምቁራጽ ምምዕባል ኒኩለር ምስ ሓያላት ሃገራት ዝገበረቶ ምስ ሰረዘት እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ምስሕሓብ ድማ፤ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዓብዪ ዕንወት ዘውረደ መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ፡ ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን ካብ ውሽጢ ኢራን ከም ዝተወንጨፉ ኣሜሪካ ገሊጻ እያ።

እንተኾነ ግና፤ ነቲ ክሲ ኢራን ብትሪ ነጺጋቶ እያ።

ብኻልእ ወገን፡ ውድብ ሕቡራት፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሑቲ፡ ከም ኣካል ተበግሶ ሰላም፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝፍጽምዎ ኩሎም መጥቃዕትታት ደው ንምባል ንዘቕረቦ ውጥን ቅቡል ገይሩ'ሎ።

እቲ ውጥን "ኲናት ንኸብቅዕ ድልየት ምህላዉ ሓያል መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ" ይብል መግለጺ እቲ ውድብ።

ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ነዚ ዝገለጹ፡ ንመኽዝን ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ካብ ዝካየዱ ድሕሪ ሰሙን'ዩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ንሶም ከም ዝፈጸምዎ'ኳ እንተተኣመኑ፡ ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ግን ንኢራን ተሓታቲት ይገብራ።

ኢራን ብወገና፡ ኣብቲ መጥቃዕትታት ኢዳ ከም ዘይሓወሰት ኣፍሊጣ'ያ።

ኲናት ሕድሕድ የመን፡ ምኽንያት ሞት 10 ሽሕ ሰባት ክኸውን ከሎ፡ ሚልዮናት ብሕሱም ጥምየት ክሳቐዩ ገይሩ ይርከብ።

ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ሰብ ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ተባሂሉ ይግልጽ።

Image copyright Reuters

ጠንቂ ኲናት የመን

ኣብ እዋን ቀውዒ ዓረብ (2011) ፕረዚደንት የመን ዓሊ ኣብደላ ሳልሕ ካብ ስልጣን ክእለይ ተገዲዱ። እቲ መንበር ናብ ምኽትሉ ኣብዱራሕማን መንሱር ሓዲ ክሰጋገር እኳ እንተነበሮ ብግቡእ ክኸይድ ግና ኣይከኣለን።

እቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ሳልሕ ዝቃለስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ንድኻም ናይቲ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምምዝማዝ፡ ደገፍቶም ብብዝሒ ንዝርከብሉ ዞባ ሰዓዳን ከባቢኡን ተቖጻጸረ።

ብዙሓት የመናውያን ንምንቅስቓስ ሑቲ ብምድጋፎም ኣብ መወዳእታ 2014ን መጀመርታ 2015 እቶም ዕጡቓት ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጸርዋ። ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ክሃድም ተገደደ።

ብዓወታት ናይዚ ምስ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝገልጽኦ ጉጅለ ዝተሰናበዳ ስዑድ ዓረብ እትመርሐን ሸሞንተ ሃገራት ዓረብ ድማ፡ ነቲ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ኣብ የመን ጣልቃ ምእታው ጀመራ።

ዛጊት ዝተፈተኑ ናይ ምቅርራብ ፈተነታት፡ ነቲ ነጻ ዝተለቀቐ ከባብታት መን ይቆጻጸሮ ብዝብልን ካልእን ምኽንያታት ኣይተዓወቱን፡ ናይ ምንስሓብ ስምምዓት ኣይተተግበሩን ጸኒሖም።