ኣብ ኢትዮጵያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሃቂኖም ዝተበሃሉ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን

ተጠርጠርቲ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽ (ኣይ ኤስ)ን Image copyright FANA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታትን ድሕነትን ብዛዕባ'ቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ተጠርጠርቲ ዝርዝር መግለጺ ኣውጺኡ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምድላው ይገብሩ ነይሮም ዝተበሃሉ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን (ኣይ ኤስ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝዋተው ተገሊጹ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍጻም ዝለዓለ ምድላዋት ይገብሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ዝበዝሓሎም ቦታታትን፣ ሃይማኖታዊ በዓላት ዝካየደሎምን ሆቴላትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ብስእሊ ዝተደገፈ መረዳእታታት ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣባል ኣልሸባብ ሙሓመድ ኣብዱላሂ ዱለት ሓደ ካብ ተጠርጠርቲ'ዩ። ንሱ ብጂቡቲ ኣቢሉ'ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ።

እዚ ግለሰብ ምክትታል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መግለጺ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኣመልኪቱ።

ጥርጠር ሙሓመድ ኣብዱላሂ ዱለት ብተወሳኺ፡ ካልኦት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝተዋፈሩ ምዃኖም ዝተገለጹ ተሓባበርቲ ካብ ሶማሊያ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ኣካላት ጸጥታ ሶማልያ ሓቢርካ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ምኽኣሎም ተገሊጹ'ሎ።

Image copyright FANA

ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ሽበራ ዳዕሽ (ኣይ ኤስ) ድማ ካብ ቦሳሶ ብሶማሊላንድ ሃርጌሳ ኣቢሎም ኣዲስ ኣበባ ብምእታው መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍጻም ክንቀሳቐሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢ ኣዋሽን ዝተትሓዙ እዮም።

ምስቶም ተጠርጠርቲ ዝጥቀሙለን ዝነበራ መሳርሕታት ርክብን ካልኦት ናውትን ከም ዝተትሓዙ'ውን ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ገሊጹ።

ጉጅለ ሽበራ ዳዕሽ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተዳለዉ መልእኽትታት ጽሑፍ ብቴሌግራም ክዝርግሕ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ ዘርጊሑ ነይሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ተስፋዬ፡ እቶም ጉጅለታት ሽበራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከም ዘይክእሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

"ሓላዋ ድሕነት ሃገርና ስጡም ብምዃኑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ'ዮም ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሑ ዘለዉ። ኣብ ከባቢ ዶብ ጥቡቕ ሓለዋ እናካየድና ኢና" ምባሎም ይዝከር።