ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝቖመ ሓወልቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ

ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝተሃነጸ ሓወልቲ - መቐለ Image copyright Awetahegn Birhane
ናይ ምስሊ መግለጺ ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝተሃነጸ ሓወልቲ - መቐለ

ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ዝቖመ ሓወልቲ ብዕሊ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

እቲ ሓወልቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ከም ዝተሃነፀ'ውን ተገሊፁ።

ኣብ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያምን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም።

መስርሕ ምፅራይ ቀተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ደንጉዩ እዩ ዝበለት በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ፡ ኮለኔል ፅገ፡ ቀተልቲ ኣፃሪኻ ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ ሓላፍነት መንግስቲ ስለዝኾነ ንመንግስቲ ዘተሓሳስቦ ነገር የብለይን ኢላ።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መርመራ መቕተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብድሕሪ'ቲ ቅንጸላ ንዘሎ ኩነታት ክትትል ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ድማ ዛጊት ምዝራብ ከም ዘይከኣለ ተገሊጹልና ኢሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ካብ ዝተረኸቡ ነባራት ኣመራርሓ ህወሓት ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ፡ ሰዓረ ጅግና ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነስ ውሕሉል ፖለቲከኛ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ኢታማጆር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 15 ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።