ኢትዮ ቴሌኮም፡ ኣብዚ ዓመት፡ ንኽልተ ኦፕሬተራት ቴሌኮም ፍቓድ ክወሃብ'ዩ ተባሂሉ

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ባልቻ ሬባ
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ባልቻ ሬባ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ንኽልተ ናይ ብሕቲ ትካላት ቴሌኮም ፍቓድ ከም ዝወሃብ ተገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ብቐዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናይቲ በዓል መዚ ዋና ዳይሬክተር ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣይተ ባልቻ ሬባ'ዩ ነዚ ሓቢሩ ዘሎ።

በዓል መዚ ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘጽደቖ ኣዋጅ ቁጽሪ 1148/2011፡ ንዓውዲ ቴሌኮም እናተቖጻጸረ፡ ናብቲ ስራሕ ክወፍሩ ንዝደልዩ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ትካላት እቲ ዕዳጋ ምችው ንምግባር ዓሊሙ ዝተጣየሸ እዩ።

ኣይተ ባልቻ "እዚ በዓል መዚ፡ ኣብዚ ዓመት ከፈጽም ካብ ዝሓሰቦም ስራሕቲ እቲ ሓደ፡ ኣብ ዓውዲ ቴሌ-ኮሚዩኒኬሸን ክዋፈሩ ንዝደልዩ ክልተ ትካላት ፍቓድ ምሃብ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መንግስቲ፡ 51 ሚኢታዊት ብጽሒት ኢትዮ-ቴሌኮም ባዕሉ ብምውናን፡ ዝተረፈ 49 ሚኢታዊት ኢድ ድማ ናብ ትካላት ብሕቲ ንምስግጋር ድልየት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ነዚ ወግዓዊ ካብ ዝገብር ጀሚሩ፡ ብዙሓት ዓለማዊ ኩባንያታት ቴሌኮም ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምእታው ድልየት ከም ዘለዎም ገሊጾም'ዮም።

"ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ፍቓድ ናብ ምሃብ ክንኣትው ኢና" ዝበለ ኣይ ባልቻ፡ ክሳብ ሕዚ ሕቶ ዘቕረቡ ትካላት ከምዘየለዉን፡ እቲ በዓል መዚ ዕድመ ምስኣቕረበ ሕቶታት ከቕርቡ ምዃኖምን ሓቢሩ።

"ፍቓድ ኦፐሬሸን ቴሌኮምዩኒኬሽን ዝወሃቦም ትካላት፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ፣ ወጻእተኛታት ወይ ድማ ብሽርክና ዝሰርሑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

ፍቓድ ዝረኸቡ ትካላት ኣገልግሎት ዝህቡሉ ታሪፍ (ዋጋ) ናብቲ በዓል መዚ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክህበሉ'ዩ።

ተጸዋዕነቱ ንቐዳማይ ሚንስትር ዝኾነ እዚ በዓል መዚ፡ ዘይምዕሩይ ውድድር ዕዳጋ ከይህልው ካብ ምቁጽጻር ክሳብ ፍቓድ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናይ ምሃብ ስልጣን ኣለዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት