መንእሰያት ኤርትራ እንታይ ይደልዩ?

ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዓመታዊ ሃገራዊ ፌስቲቫል፡ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ምርኢታት ብሄራት ኤርትራ ቀሪቦም
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዓመታዊ ሃገራዊ ፌስቲቫል፡ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ምርኢታት ብሄራት ኤርትራ ቀሪቦም

መንእሰያት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፡ ዝሓሸ ትምህርትን ዕድል ናብራን ብምድላይ ዝስደዱ ምኻኖም ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ'ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራ ሓንቲ ዓባይ ምንጪ ብማእከላይ ባሕሪ ዝስገር ስደት ኤውሮጳ ብምዃን፡ ርእሰ-ዜና ዓለም ካብ ዝገበሩዋ ጉዳያት ሓደ ኮይኑ ጸኒሑ'ሎ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረና ጻንሒት ዝተዳለወ ሳልሳይ ክፋል ትሕዝቶ፡ ዕላል መንእሰያት እታ ከተማ ሒዙ ኣሎ።

ንቐዳማይ ክፋል እዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ትረኽቡዎ ካልኣይ ክፋሉ'ውን ኣብዚ ፈለግ ኣሎ

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዕድሚኦም ካብ 35 ንታሕቲ ዝኾኑ መንእሰያት ቑጽሮም 65 ሚኢታዊት ይኸውን።

እዚ ቑጽሪ ኣብ ኤርትራ ዝተፈለየ'ዩ፤ ቁጽሪ እቲ መንእሰይ 30 ሚኢታዊት ዝጽጋዕ ኾይኑ፡ 90 ሚኢታዊት ዝተምሃረ'ዩ። ኣብ ሕሉፍ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝተርኣየ ግን፡ ዓቐን ዘይብሉ ስደት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኤውሮጳን'ዩ።

ኣብ ዓለም ዕቑባ ብምሕታት ካብ ዜጋታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዕቑባ ዝሓቱ ሰባት ዝምንጩውላ ሓምሸይቲ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ።

ድሕሪ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ፡ በተን ዶባት ኣቢሎም ዝወጽኡ መንእሰያት ቑጽሮም ከም ዝለዓለ ነበርቲ ነጊሮምና።

እዝን ካልእን ተደሚሩ፡ ኣስመራ "መንእሰያታ ዝሓብኣት" ከተማ ኣምሲሎምዋ ኣለው።

ክንድ'ቲ ዓይንኻ ዝብህጎ መንእሰይ ምርኣይ ትናፍቕ። ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰብ ጸጋ ዕድመ ቑጽሮም ካብቲ መንእሰይ ዛይዱ ይጸንሐካ።

ሓንቲ ኣብ ኣድማ ወይ ዓመጽ ዘላ ከተማ፡ ዝበዝሑ ድኳናታ ይዕጸውዋ፣ መካይን ምንቅስቓሰን ይግደብ፣ ቑጽሪ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ይስሕው። ኣብ ኣስመራ ዝተዓዘብናዮ እዚ'ዩ። እታ ከተማ 'ዝኣደመት' ከተማ እንክትመስል፡ ኣብ ገለ መዓልታት ድማ ዝተከዘት ጥንታዊት ከተማ የምስላ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣጋግዘ ምስ ኮነ፤ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ እግሪ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን (ካቲድራል) ኮፍ ይብሉ።

ነገ ፓስፖርት

ስራሕ ዝፈትው መናእሰይ ብዙሓት'ዮም። ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ከቢብካ ወይ 'ተጃሚዕኻ' ኣብ እትፈጥሮ ዕላል፡ ሕውስ ዝብሉ 'ኣዝማሪኖታት' ኣይትስእንን። ኮይኑ ግን፡ ቁጡባትን ዚያዳ ጥንቑቓትን'ዮም።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ከይተልዓለት ዘይትተርፍ ሓንቲ ጉዳይ ኣላቶም፡ ነገር ፓስፖርት።

ፓስፖርት፡ ሕጂ ዘለው መናእሰይ ኤርትራ ሓደ ነቲ ካልእ 'ብቕዱስ ቅንኢ' ተዓዲሉ [ላ] ዝበሃሃልሉ፣ ዘተሓሳስቦም፣ ግን ድማ ንምርካቡ ዘጸግሞም ዓብዪ ነገር'ዩ።

ሓደ ኤርትራዊ፡ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኡ ፈጺሙ፡ ወይ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይብቑዕ ምስ ዝኸውን እዩ ካብ መንግስታዊ ኣካል ፓስፖርት ክረክብ ፍቓድ ዝረክብ።

በዚ ምኽንያት፡ መብዛሕትኦም ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዕድሎም ጸቢብ'ዩ። "ፓስፖርት እኾ ኣቕሊልካ ዘይትሓስቦ ነገር'ዩ" ይብል ሓደ መንእሰይ።

"ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ወዳእኻ፡ ካብ ናይ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ክጽሓፈልካ ኣለዎ። እዚ ኹሉ ክሳብ ዝኸውን ወዲ 40 ወይ 45 ዓመት ኾይንካ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዑን ትኸውን፤ እዚ እውን ንደቂ ኣንስትዮ እምበር፡ ደቂ ተባዕትዮ ኪኖ እዚ ዕድመ እዚ ክኸዱ ኣለዎም" ይብል።

በዚ ጉዳይ ግር ዝብሎም ዓበይቲ ሰባት፡ ቑጽሮም ውሑድ ዘይብሃል መናእሰይ ኤርትራ፡ ፓስፖርት ንምርካብ ዶብ ኣቋሪጾም ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይኸዱ ምህላዎም ይዛረቡ።

ቋንቋ

ቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን፡ ናይ ኤርትራ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኮይኖም፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዙሓት ናይ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

መናእሰይ ብሰፊሑ ቋንቋ ኢንግሊዘኛን ዓረብን እንትጥቀሙ፡ ዓበይቲ ድማ ጣልያንኛ ሕውስ እናበሉ ይዛረቡ።

"ኣለ ኡኖ'ዶ ክንራኸብ?"

"ኖ ኡኖ ሜዚ ንግበራ ሽቑል ኣለኒ" ኣብ ዝኾነ ክትሰምዖ እትኽእል ምብህሃል እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ መንእሰያት።

እቶም ዓበይቲ ሰባት እንተዘይኮይኖም፡ መንእሰያት ኣምሓርኛ ምዝራብ ይጽገሙ። ሙዚቃ፣ መዝሙር፣ ናይ ቴሌቪዥን ምድላዋት ብኣምሓርኛ ከም ዝሰምዑን ከም ዝከታተሉን የውግዑ፤ ግን 'ምዝራብ ኣይንኽእልን' እዮም ዝብሉ።

ኤርትራውያን ባህሎም ዝፈትው፣ ናጽነቶም ልዕሊ ህይወቶም ዘቐድሙ፣ ብዜግነቶም ዝኾርዑን ዝምክሑን'ዮም።

ኣብ መደብራት መሸጣ ክዳውንቲ ኣቲኻ " I am proud to be Eritrean" ዝብል ጽሑፍ ዝተጻሕፎ ኣልባሳትን፡ ኣብ ጎደናታት ዝተገተረ 'ታቤላታትን' ፎቖድኡ ኢኻ ትረክብ፤ ይኽደንን ይንበብን ከኣ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣብያተ መሸጣ ክዳውንቲ ኣቲኻ " I am proud to be Eritrean" ከምኡ'ውን ኤርትራ ዝብል ጽሑፍ ዝተጻሕፎ ኣልባሳት ትረክብ

ደቂ ኣንስትዮ እታ ከተማ፡ ጫማን ክዳንን መሪጸንን ኣማሲለንን ('ማች') ይኽደና። ጽርየት መግለጺ እታ ከተማን ሰብን ብምኻኑ፡ ጽሩያት መንእሰያት ርኢኻ ትድነቕ፤ ግዳ ባህሊ'ዩ ኢሉ ሕሊናኻ ይቕበሎ።

ኣብታ ከተማ እትሪኦም መሸጣ ክዳውንቲ ግን ቖጺርካ ክትውድኦም ትኽእል፤ ካበይ ኣምጺኦም ድኣ'ዮም ከምዚ ዝበለ ጫማን ክዳንን ዝኽደኑ? ኢልና ንሓደ መራሒ ታክሲ ሓቲትናዮ።

"ኣብ ደገ ዘመድ ዘይብሉ ስድራ ዳርጋ የለን። ክዳን ኮነ ጫማ ይለኣኸሉ፤ ኣብዚኣ ኾይኑ ንሱ'ውን ክሳብ ዝወጽእ ጸቢቑ ይርአ፡ እዚኣ እያ ናይ ዓድና ነገር" ብምባል፡ "ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ጓና ኣይርኣዮ" በለሞ፡ እታ ቃል ምስ ኣምሎቋ ግን 'ሞሊቓትኒ'ያ' ዘስምዕ ኣብ ገጹ ኣንቢብና።

መዛነዪ ክለባት

ካብ ናይ ምሸት ክለባት ናብ ደገ ወጺኡ ዝርብሽ ድምጺ ሙዚቃ፡ ዝጋነን ኣይኮነን።

ጎደና ማትኣ፡ ሲነማ ዳንተ፣ ናይ ቀደም ኣብያተ ሙዚቃ፣ ኣብያተ ስእልን መዕረፊ ኣጋይሽን፣ ኣብ ኣስመራ ፍልጥቲ ዝኮነት ብ'እንዳ ካፕሪ' እትፍለጥ 'ዳ ጹማቕን ካልኦት ንግዳዊ ትካላትን ዝርከቦ ቦታ እዩ።

እዚ ጎደና እዚ ክሳብ ሓወልቲ ፑሽክን ዝወስድ ኮይኑ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ከኣ ኣዋሲንዎ ይርከብ።

ቢራ ሜሎቲ፣ መዛነዪ ክለባትን ተጠቀምተንን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘምስይሉ ሰዓት ገደብ ዘለዎን ዝተፈላለየን'ዩ።

ካብ ዓርብን ሰንበትን ወጻእ ኣብ ዘለው መዓልታት፡ ሜሎቲ ቢራ፣ መዛነዪ ክለባትን ተጠቀምትን ዘምስይሉ ሰዓት 12፡00 [ፍርቂ ለይቲ] ጥራሕ ኮይኑ ኣብያተ ትልሂታት ግን ክሳብ ወጋሕታ ንዓማዊለን የቕርባሎም።

እቲ ንቡር ባር ምስ ዝኸውን ግን ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እታ ሰብ ዋና፡ 'ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ከፊልካ ውጻእ' ክብለካ ወይ ክትብለካ ንቡር'ዩ።

ከምኡ ኮይነን'ውን፡ አብያተ ትልሂታት ኣስመራ ዘይምቹኡነት ኣለወን። ዳርጋ ኩሉ ተጠቃማይ መንእሰይ ሽጋራ ዘትክኽ ኣብ ማእኸል እቲ እኩብ ሰብ'ዩ። እዚ ንምችኡነት ዝርብሽ ብምኻኑ፡ ብነጻነት ክትዛነየለን ኣይዕድማኻን።

ኣብ ጽርጊያ ዝግበር ንግዲ ምንዝርና፣ ስርቂ፣ ፈጺሙ ጽዩፍ እዩ። ኣብዞም ጉዳያት ዝረተኸበ ሰብ፡ ብውሑድ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝእሰር ብጎናዊ ወግዒታት ሰሚዕና።

ስፖርት

ብብሽክለታ ዓለም ዝመስከረትሎም ኤርትራውያን፡ ንኩዕሶ እግሪ ዓዲ ኢንግሊዝ (ፕሪሚየር ሊግ) ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዎም። ኩሉ ብደረጃ እታ ዝድግፋ ጋንታ፡ ሽም ኣለዎ።

"እቲ ህዝቢ ኣርሴናል እቲ መንግስቲ ሶማል ክብሉ ድቃስ የብሎምን" ዝብል ዕላል ከም ዝነበረ ዝነገረና ሓደ ምቕሉል ሰብ ነይሩ።

ኣብያተ ሲነማታት ኣስመራ፡ ዳንተ፣ ካፒቶለ፣ ሮማ፣ ኣፍሪቃ፣ ኢምፔሮ ኦድዮን፣ ክሮቸረሳ፣ ሓማስየንን ካልኦትን ፍሉጣት ፊልምታት ህንድን ሆሊውድን፡ ትያትርን ድራማታት ዝርኣየለን ዝነበራ ሲነማታት እየን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጎደና ሰማእታት ዝርከብ ሲነማ ሮማ፡ ክንዲ ፊልምታት ኤርትራ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርኣየሉ ሲነማ ኮይኑ ኣሎ

ከም ብዓል ሲነማ ኣፍሪቃ፡ ካፒቶል፡ ሓማስየንን ክሮቾረሳን ኣብዚ ስዓት እዚ ኣገለግሎት ዘይህባ ዘለዋ ሲነማታት ኮይነን፡ ሲነማ ሮማ ክኣ ካብተን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ጸወታታት ፕሪሜርሊግ፣ ዓዲጣልያንን ስጳኛታን ዝርኣየሎም ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ከይተረፈ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ዝገበረሉ ኣጋጣሚ ደጋፊ ጋንታ ኣርሴናል ምኳኑ ገሊጹ ነይሩ።

ደቂ ኣስመራ ንደገፍቲ ቼልሲ "ድሒሮም ንኵዕሶ እግሪ ዝፈለጥዎ" እናበሉ እዮም ዘባጭውሎም፤ ማንቸስተር ዩናይትድ እውን ክንደየናይ ደኣ ከይትፈልጥ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሎም ደገፍቲ እዮም ዘለዉዋ።

ኣብ ጎደና ዓዲ ሓውሻ እትርከብ 'ኤሪ ስፖርት' እትብሃል ትካል መሸጢ ናውቲ ስፖርት፡ ማልያ ናይ ዝደለኻያ ጋንታ ኤውሮጳን ክታም ተጻወትትን ሓቲትካ ኣይትስእንን ኢኻ።

ዋጋ ማልያታት ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈሪ ናይ ስፖርት ማልያታት ብኽብሩ ዘይወዳደር ክንሱ፡ ዓማዊል ግን ተጸቃቒጦም እዮም ዝገዝኡ ይብሃል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሲነማ ሮማ ጸወታታት ዓዲ እንግሊዝ እናርኣየ

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዙሕ ተባሂሉን ይብሃል ኣሎን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 1991 ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ሕዳር 1995 ገለ ምምሕያሽ ገይሩ ዳግማይ ምስ ኣወጆ ክሳብ ሕጂ ብኸምኡ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ክነልዕሎ ዝብሃገና ርእሰ ጉዳይ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ብኣጋጣሚ ኣጋይሽ ምኻንና ምስ ፈለጠ ብወግዒ ዝተጸምበረና ሓደ ነባራይ ግን፡ "ሓንሳብ ምስ ተኣወጀ ክሳብ ሕጂ ዘይተቐየረ ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ" ኢሉና። ካብ ከባቢ ካቴድራል ናብ ኣስመራ ፖላስ ናይ እግሪ ምንቅስቓስ እናገበርና፤ ንሕና ግን፡ እናስሓቐ ስለ ዘዕለለና እናስሓቕና ተፈሊናዮ።

ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብቂዑ ውዕሊ ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ናብ ንቡር 18 ኣዋርሕ ክምለስ ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ብወግዒ ዝተገልጸ ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ብዘይምህላዉ፡ እቲ ደረት ኣልቦ ዝበሃል 'ሃገራዊ ኣገልግሎት' ይቕጽል ከም ዘሎ ይእመን።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ኤርትራ፡ "ይምህሩና ዘይኮነ ባሮት'ዮም ዝገብሩና ዘለው" ብዝብል ርእሲ፡ ኣብ ዝወጽኦ በዓል 87 ገጽ ጸብጻብ፡ ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን 'ሃገራዊ ኣገልግሎትን' መሰል መናእሰይን ትምህርትን ብኸመይ ይግድብ ከምዘሎ ኣብሪሁ'ዩ።

ኣብ ጻንሒትና ዝረኸብናዮም ገለ መናእሰይ፡ ኣብ ተራ ዕላል ብዛዕባ ሃገራዊ ኣግልግሎት፡ ዘለዎም ስምዒት ኣውጊዖሙና ነይሮም።

ከም ዜጋ ይብል ሽሙ ክንጠቕሶ ዘይደሊ መንእሰይ፡ "ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ብሄራት ኣነባብርአን እንታይ ይመስል? ሓድሕድና ዘለና ኣተሓሳስባ እንታይ'ዩ? ብዛዕባ ሃገርና ዘለና ስምዒት ደረጅኡ ከመይ ዝበለ'ዩ? ዝብሉን ካልኦትን ዝነበረኒ ግንዛበ፡ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ከድኩ'ዩ ተለዊጡ" ኢሉ።

እቲ ኣገልግሎት ግን ኣይነውሐን'ዶ? ንዝብል ነጥቢ ርኢይትኡ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ እዚ መንእሰይ፡ "ንዓይ መስትያት መንነተይ'ዩ" ኢለ እዩ ደምዲምልና።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ድሕሪ ዕረቐ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር 18 ኣዋርሕ ከም ዝምለስ ኣተምቢሁ ነይሩ፡

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እውን ንጋዜጤኛ ኢማኑኤል ኢጉንዛ፡ "ጎንጺ እንተድኣ ዘይሃልዩ እቲ ቀንዲ መትከላት ናይቲ [ኣብ 1995 ዝተኣወጀ] ሕጊ ክትግበር'ዩ" ክብል ከምዝገለጸሉ ይዝከር።

ናይ ምስሊ መግለጺ መናእሰይ ኤርትራ

መንቀሊ ስደት

መብዛሕትኦም መንእሰያት ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ብርክት ዝበሉ፡ ምኽንያት ስደት መንእሰያት ኤርትራ እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ዘምርሑ'ዮም።

ካልኦት ድማ፡ ናጽነት ሃይማኖት፣ ሕጽረት ቁጠባዊ ዕድላት፣ ድሕሪ ትምህርቲ ስራሕ ዘይምርካብ ዝብሉ ምኽንያት ስደት መንእሰያት እታ ሃገር ከም ዝኾኑ፡ ይገልጹ።

ምስ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ዓመት ንሕድሕደን ዝተኻሰሳሉ ኵናት፡ ቁጠባ ኤርትራ ብርኡይ ጸልዩዎ እዩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ 2018 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ 3.7 ሚኢታዊት ምንባሩ'ዩ ዝጠቅስ።

ባንኪ ዓለም ብወገኑ፡ ኣብ 2017 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዘሎ መጠን ድኽነት ካብ 65 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ክበጽሕ ይኽእል'ዩ ኢሉ ይግምት።

ተወሳኺ ዛንታ