ኢንጅነር ጌታቸው፡ ‘መንግስቲ ወደባት ኤርትራ ንምልማዕ ዓጢቑ’ሎ'

ሓሊማ መሓመድ [ጸጋም]
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ቦታ ድርፎ ይብሃል፤ ኣብዚ ከባቢ ብርክት ዝበላ በለስ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ይርከባ

መዝሙር ኣዕዋፍ ሰማይ፣ ኪዳን ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምህረትን፣ ደወል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን፡ ኩል ግዘ ወጋሕታ ንከተማ ኣስመራ ካብ ድቃሳ እንተንቅሑዋ፡ ምስ ኣዛን ዓብዪ መስጊድ ኣል ኩልፋሕ ኣል-ራሺዳን ብሓባር ኮይኖም ድማ፡ መሬት ምውግሑ ይሕብሩዋ።

ኣጋግዘ ምእኻሉ ንምፍላጥ፡ ነቶም ጋዜጣ እናንበቡ ማኪያቶ ፊት ዝብሉ ዓበይትን መንእሰያትን ምርኣይ እኹል እዩ።

ጸሓይ ግቡኣ ፈጺማ ክትክወል ኣብ እትሸባሸበሉ፡ እንዳ ሻሂን ቤት መግብታትን ኣስመራ ውዕይዕይ ይብላ።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ኢድካ ሰዓት ክትኣስር ወይ ኣብ መገዲ ሰዓት ክትሓትት ኣየድልየካን፤ ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ዑደታት ተኸቲልካ ሰዓት ክንደይ ኮነ? ክትፈልጥ ትኽእል።

ትሕትና ዝተላበሱ፡ ወግሐ ጸብሐ ዋጋ ሰላምን ለውጥን ዘዕልሉ ሰባት ረኺብካ፡ ገሊኦም 'እዚ ንሚዲያ እንተውዓልኩዎ፣ ስእሊ እንተስኣልኩኹም' ምስ እትብሎም፡ ተቐያይምኻ ክትፈላለ ትኽእል፤ ንናይ ደገ ሚዲያ ዘለዎም እምነት ክንድቲ ኣይኮነን።

ንቐዳማይ ክፋል ትዕዝብቲ ኣስመራ እዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ትረኽቡዎ ካልኣይ ክፋሉ'ውን ኣብዚ ፈለግ ኣሎእዚ ድማ ሳልሳይ ክፋል'ዩ።

ጉጅለ ቢቢሲ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወት፡ እቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ዓመታዊ ሃገራዊ ፌስቲቫል ብሄራት ኤርትራ ክትካፈል ሰናይ ፍቓድ ዝምልከቶም ኣካላት ረኺባ'ያ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሕነት ኤርትራ፣ ከምኡ ድማ ባህልን ኣነባብራን ህዝባ እንትንዕዘብ፡ መብዛሕትኦም፡ ስርዓትን ሕግን ዘኽብሩ ኮይኖም ረኺብናዮም።

ሰዓት ቆጸራ ምሕላፍ ዳርጋ ካብ ዕድመኻ ምንካይ ስለ ዝኸውን 'ኣይተምሃርካን ዲኻ'? ኢሎም ክግስጹኻ ይኽእሉ።

ጥልያን ዝገደፎም ህንጻታት ክሳብ ሕጂ ምስሎም ኣይሃሰሰን። ቅርብ ኢልካ እንትትዕዘብ ድማ፡ ኣብ መንደቕ እቶም ህንጻታት 'መርድእ' ዝብል ወረቐት ተጠቂዑ ትረክብ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ንኣስመራ ገዲፍና ናብ ባጽዕ ከኣ ክንቅልቀል።


ግርማ ባጽዕ ናበይ ኣበለ?

ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፡ ብዙሓት ቀዳመ ሰናብቶም ከሕልፉላ ዝመርጹዋን ዝምነዩዋን ከተማ'ያ።

ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ዝወስድ መገዲ፡ ጎቦ እናፈንጸሐን እናተጠዋወየን ዝኸይድ መገዲ'ዩ።

ብሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክገብር እንከሎ፡ ምስ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣስመራ ከይዱ በለስ ዝበልዕሉ መገዲ ሓሊፍካ ኢኻ ናብ ባጽዕ እትኸይድ።

እዚ ቦታ ድርፎ ይብሃል፤ ኣብዚ ከባቢ ብርክት ዝበላ በለስ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ይርከባ። ዋጋ ሓንቲ በለስ፡ ሓደ ናቕፋ'ዩ።

ንሕና'ውን ካብ ሓሊማ መሓመድ፡ በለስ በሊዕና ጉዕዞና ቀጺልና።

ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ቦታ ድርፎ ይብሃል፤ ኣብዚ ከባቢ ብርክት ዝበላ በለስ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ይርከባ

ምብራቓዊ ኣንፈት ሒዝካ ጉዕዞኻ ናብ ባጽዕ ምስ እትቕጽል፡ ዋዒ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ። ኣብ መሬት እቲ ናይ መወዳእታ ዝበሃል መጠን ዋዒ ዝረከብኩምዎ ክሳብ ዝመስለኩም ሰብነትኹም ይውዕይ።

መጠን ዋዒ ናይዚ ከባቢ፡ ክሳብ 44 ዲግሪ ሴንቲግሬት ክበጽሕ ይኽእል።

ማይ ኣጣል ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ንነዊሕ እዋን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሐ መገዲ ባቡር ኣሎ፤ ካብ ባጽዕ-ኣስመራ-ከረን-ዑርደት ይኸይድ ምንባሩ፡ እቲ መራሒ መኪና ሓቢሩና።

እዚ ሕጂ ኣብ ጸምጸም በረኻ ተሪፉ ዘሎ መገዲ ባቡር፡ ብግዜ ጥልያን ዝተዘርግሐ ገዚፍ ኣእማን ዝበዝሖ ጎቦ ኣቋሪጹ ዝሓልፍ መስመር'ዩ።

ኣብ ከባቢ ነፋሲት፡ ኤርትራ ምስ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘራኽብ መገዲ፡ ክሰፍሕ ብምግባር ዳግመ ህንጸት ይግበረሉ ኣሎ።

እዚ መገዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ክኽፈት'ዩ ዝብል ጽንጽንታ'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ግን ኣይተኸፈተን። ኣብ ቀጻሊ ካብን ናብን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ነቲ ከባቢ ምንቕቓሕ ክፈጥረሉ እዩ ተባሂሉ ይእመን።

Image copyright Getty Images/BBC
ናይ ምስሊ መግለጺ ምጽዋዕ ቀደምን ሎምን

ጉዕዞና ይቕጽል ኣሎ። ቀዳም ወጋሕታ 25 ነሓሰ 2019፡ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብ ትሕቲ ደበና ዝኸወሎ ሰማይ፡ ንባጽዕ ትግስግስ ኣላ።

"ምጽዋዕ . . . ንዙረት ምስታ ዝፈትዋ ጓል

ተበገስና ጉዕዞ ምስቲ ጥዑም ዕላል

. . . ዓርበ ሮቡዕ ነፋሲት እምባትካላ

በረርና መኪና ብጊንዳዕ ኣቢላ

ደንጎሎ ማይ ኣጣል . . .

ኣተና ምጽዋዕ ሰፊሕ ገምገም ባሕራ . . ." ዝብል ደርፊ ዮውሃንስ እስጢፋኖስ፡ ምስ መራሒ መኪና እናተቐባበልና ... ናብ ባጽዕ። ብሓቂ ጥዑም ግዘ ነይሩ።


ኣብቲ ንናጽነት ዝተገበረ ገድሊ፡ ሓያል ኲናት ካብ ዝተገበረለን ቦታታት ሓንቲ እያ። ቅድሚኡ፡ ንጡፍ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝነበራ ባጽዕ፡ ድሕሪ እዚ ኲናት ኣዝያ እያ ተሃስያ።

ከተማ ባጽዕ፡ ንዓይኒ ዘብህግ ኪነ ህንጻን ጽባቐን ሓቑፋ፡ ክንሳ 'ምንቅስቓስ ዘይብላ' ከተማ እያ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን።

ነቶም ውሑዳት ክንቀሳቐሱ ዝረኣናዮም ሰባት ክነዛርብ፡ ፍቓድ ዘዋሪ መኪናና ኣይረኸብናን። እንተኾነ፡ እቶም ተረፍ ኲናት ዝኾኑ ብጠያይቲ ዝተበስዑ ውጽኢት ጥንቁቕ ጥበብ ስነ ህንጻ ጥልያንን ቱርክን ዝኾኑ ህንጻታታ፡ ብዛዕባ ጽባቕኦምን ታሪኾምን ልዕሊ ቃላት ይዛረቡ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ፡ ኣለው ዝበሃሉ ሆቴላት'ኳ፡ ዘተኣናግዱዎ ሰብ ሓደ ... ክልተ ኢልካ ዝቑጸር'ዩ። መራሒ መኪናና ግን "ሕጂ ቀትሪ'ውን ሙቐት'ውን ስለ ዝኾነ ሰባት ካብ ገዝኦም ኣይወጽኡን" ኢሉና።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ዝበጽሐኦ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብቲ ወደብ ገለ ለውጢታት ይግበሩ ከም ዘለው ሰሚዕና።

ንምዃኑ ስለ ምንታይ'ያ ባጽዕ ሕድሳት ኮነ ምዕባለ ሓሪምዋ ጸኒሑ?

ገሊኦም፡ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ዝኸፈለቶ ከቢድ መስዋእቲ እናተዘከረ መታን ክነብርን፡ እቲ ኲናት ክንደየናይ ንኤርትራ ከም ዝሃሰያን ንምምስካር'ዩ ክሕደስ ዘይተደለየ ይብሉ።

ሓንጻጺ ካርታ ባጽዕ ዝነበረ ሓላፊ ማእኸል ሓበሬታን ካርታን ኤርትራ፡ ኢንጅነር ሌተናል ኮሎኔል ጌታቸው መርሃጽዮን ግን፡ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝሓዞም ብርክት ዝበሉ ውጥናት ልምዓት ከም ዘለውን፡ ኣብ ሓጺር እዋን እታ ከተማ ናብ ንቡር ንምምላስ ከም ዝስራሕን ይኣምን።

"ኣብ ምጽዋዕ ናጻ ዞባ፣ ዞባታት ኢንዳስትሪ፣ ምምሕዳርን መንበርን ኣለው። እዚኦም ኩሎም ዳግመ ህንጸት የድልዮም። እዚ ድማ ቀስ ብቀስ ናይ ምስራሕ መደብ ኣለና" ይብል ኢንጀነር ጌታቸው።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ንከተማ ባጽዕ ዳግመ ህንጸት ጌርካ ክትበራበር ኣብ ምግባር ማሕለኻ ዝነበረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣተወ ኲናትን ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዘስዓቦ ኩነተ ኲናትን'ዩ ይብል።

"እቲ ዓንቃፊ ኲናት'ዩ ነይሩ፤ ንድሕሪት ይጎሰካ። ኣብ ክንዲ ናብ ልምዓት ትሓስብ፡ ኣብ ምክልኻል ሉኣላውነትካ ክትጽመድ ይገብረካ። ሰላም ተረኺቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዘይቅኑዕ ኣስገዳድ ተኣሊዩ፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዝምድና ክተመሓይሽ እንተኽኢልካ ግን፡ ኩሉ ነገር ዳግም ንምህናጽ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይኸብዶን። ንለውጢ ድልዋት ስለ ዝኾንና፡ ለውጢ ክኣ ኣብ ቀረባ እዋን ክርአ'ዩ" ይብል ኢንጅነር ጌታቸው።

"እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊኣ ብዝነበረ ኣስገዳድ ማዕቀብ፡ ምስ ዝኾነት ካልአይቲ ሃገር ንግዳውን ቑጠባውን ምሕዝነት ክትፈጥር ኣይክኣለትን ጸኒሓ። ሕጂ ታሪኽ ተቐይሩ'ዩ፤ ንሕና ድማ ንኢንቨስትመንት ቅሩባት ኮይንና ብዙሓት መጺኦም ኣማራጺታት እናርኣዩ ይምለሱ ኣለው። ኣብ ሓጺር ግዘ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ኢልና ንኣምን" ኢሉ ኢንጅነር ጌታቸው መርሃጽዮን።

ቑጠባዊ ጸጋ ባጽዕ

ንግዲ፣ መጓዓዝያን ኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ውዕሊ ካብ ዝኣሰራሎም ስምምዓት ሓደ'ዩ።

ብገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ ዝእመን፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ መገዲ ነፋሲት ይገፍሕ ኣሎ። እዚ መገዲ፡ ንባጽዕን ካልኦት ኣቋሪጹወን ዝሓልፍ ከባቢታትን ካብቲ ዝሕታለአን ከበራብረን ተስፋ ይግበረሉ።

እዛ ከተማ፡ ንሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያን ምብራቕ ሱዳንን ቀረባ ብምዃና፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዋ ከተማታት ዓዲግራትን ዛላምበሳን፡ ካብ ባጽዕ ብዝብገስ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ቀልጢፈን ክዓብያ ዝኸኣላ ከተማታት ነይረን።

ከሰላ፣ መቐለን ባህርዳርን'ውን ናይዚ ኣፍ ባሕሪ ተረባሕቲ ነይረን።

"ቅድም፡ ካብ ሑመራን ጎንደርን ዝመጽኡ ዝነበሩ ኣቑሑ ብባርካ ኣቢሎም ይሓልፉ ነይሮም። እዚ ነተን ከባቢታት ይጠቕመን ነይሩ። እቲ ሕጂ ናብ ንቡር ተመሊሱ ዘሎ ርክብ፡ ስራሕቲ ሜካኒክ፣ ሆቴላት፣ መግብን ህንጸትን ጽገናን መገድን ዳግም ክለዓዓሉ ብምግባር፡ ከተማታት ባርካ፣ ከረንን ሰምሃርን ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ዕድላት ክፍጠር'ዩ" ይብል ክኢላ ስነ ቑጠባ ዩኒቨርሲቲ ግሪኒች ለንደን ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ።

እዘን ከተማታት እዚኣን፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ተበጊሱ ኣቋሪጹወን ዝሓልፍ ምንቅስቓስ ንግዲ ስለ ዝነበረ፡ ህይወት ናይቲ ኩሉ ከባቢ እየን ነይረን። ሕጂ ግን፡ ደኺመን ዝሑል ምንቅስቓስ ትዕዘበለን።

እዚ፡ "ኲናት እዘን ክልተ ሃገራት ዝፈጠሮ ጸገም'ዩ" ዝብል ዶክተር ተስፋማርያም፡ ኣንፈት እቲ ቁጠባ ብምቕያር ብኹለ መዳዩ ከም ዝሃሰየን ይዛረብ።

"ኲናት መጺኡ ኩሉ ነገር ምስ ዓጸዎ፡ 20 ዓመት ሙሉእ እዚ ቦታ ደስኪሉ ኣፍ ዴግኡ ምስ ተዓጸወ፡ ኣብኡ ተቐሚጡ በቲ ፍሰት ቁጠባ ዝጥቀም ዝነበረ ህዝቢ [ብወገን ኤርትራ] ወይ ወተሃደር ኮይኑ'ሎ ወይ ተሰዲዱ ኣሎ። ሕጂ፡ እቲ ፖለቲካ እንተተቐይሩ ግን ለውጢ ክመጽእ'ዩ" ኢሉ ተስፋ ከም ዝገብር ይዛረብ።

ዓቕሚ ኤርትራ

'ሰለስተ ወቕቲ ብክልተ ሰዓት' ኤርትራ እትፍለጠሉ መትከል ቱሪዝም እዩ።

ከተማታት ወደብ ዝኾና ባጽዕን ዓሰብን፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘእትዋ ክልተ ዓበይቲ ኣፍ ደጌታት እየን። ኣብ መጻኢ ክርአ ዝኽእል ምዕባለ ቁጠባ ኤርትራ፡ ኣብዘን ወደባት ዝተደረኸ'ዩ።

ከም ሓበሬታ ሓላፊ ማእኸል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ኢንጅነር ሌነተናል ኮሎኔል ጌታቸው፡ ኤርትራ ኣብ ባጽዕ ካብ 20 ክሳብ 30 ሜጋ ዋት ጸዓት ጸሓይ ንምፍራይ መደብ ሒዛ ኣላ። ብተወሳኺ ዓᎁቕ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት፣ ሃብቲ ዓሳ፣ ቱሪዝም፣ መዓድን ኮራልን መሳርሒታት ህንጸትን ኣብቲ ከባቢ ኣሎ።

"እዚ ክትምዝምዞ ድማ ሓያል ውዳበ፣ ስራሕን ንብረትን የድልየና፤ እዚ ድማ ክንሰርሐሉ ጀሚርና ኣለና። ባጽዕ ጽሩይ ከባቢ'ዩ፣ ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ኮራል ምሪታት ኣሎ፣ ልዕሊ 90 ዓይነት ዓሳ ኣሎ፡ እዚኦም ኩሎም ሰሓብቲ'ዯም። ኤነርጂ፣ ማይ፣ ጽርጊያ የድሊ፡ ስለዚ ነዞም ዕድላት ንምሃብ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢሉ።

ኢንጅነር ጌታቸው ከም ዝበሎ፡ ክልቲኦም ወደባት ዘድልዮም ኣገልግሎት ክሬን፣ መጓዓዓዚ መኻይን፣ መኻዚን፣ ምትዕርራይን ምጽርራይን ይግበረሎም ኣሎ።

በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ዶክተር ተስፋማርያም፡ መንግስታት እዘን ሃገራት፡ እተን ሕጂ 'ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ጸሚኡወን' ዘሎ ከተማታት ናብ ስሩዕ ህይወተን ንምምላስ ክሰርሑ ይሓትት።

"ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ ሓደ ኣዝዩ ትስፍው ዝነበረ ዓዲ፣ ህርኩት ናይ ስራሕ ህዝቢ፡ ኣብ መጨረሻ ዝሓለፋ 20 ዓመታት ኣብ ውትህድርና ኣሕሊፉ፡ እዚ ምስ ጸገሞ ኽኣ ኣብ ስደትን ገልጠምጠም መዓስከራትን ኣሕሊፉዎ" ዝብል ዶክተር ተስፋማርያም፡ ቁጠባ ብዘይ ፖለቲካዊ ጽላል ክሰርሕ ከም ዘይኽእል ይገልጽ።

"ብወገን ክልቲኡ ሃገር ንህዝቢ ዘርብሕ፣ ህዝቢ ዝእዝዞ ፖለቲካ ክህሉ ኣለዎ። ነዚ ስደት፣ ስእነት ስራሕ፣ ምትፍናን፣ ጽልኢ ዝፍውሶ እቲ ፖለቲካ ተዓርዩ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ናይ ፖለቲኩኡን፣ መንግስቱ፣ ኣዛዚ ጸጥትኡ እንተኾይኑ ወደባቱ፣ መገድታቱ፣ ቁጠብኡ ኣብ ምሽራኽ ነጢፉ ክሳተፍ ስለ ዝኽእል ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ብሕጂ ዝግበሩ ጽገናታት፡ ባጽዕ ከም ከተማ ክትጥቀሞ እትኽእል ቁጠባዊ ጸጋ ኣሎ ኣብ ዝብል ዝሰማማዕ ኢንጀነር ጌታቸው "ብዙሕ ስራሕ ይሓተና'ዩ፤ መንግስቲ ድማ ዓጢቑሉ ኣሎ። ዝኣቱን ዝወጽእን ንብረት ክህሉ'ዩ። ባጽዕ ድማ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓበየ ኣፍ ኮይኑ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ክህብ'ዩ" ኢሉ።

ዶክተር ተስፋማርያም ብወገኑ፡ ነቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ትስፉው ቁጠባ እቲ ከባቢ ዘብረሰ፣ ተስፋ ህዝቢ ዘቕሃመ ጉዳይ "ህዝቢ ዘይቆጻጸሮ ሕማቕ ፖለቲካ ስለ ዝኾነ፡ ንሱ ክዕረ ኣለዎ" ይብል።

"ብፍላይ ብወገን ኢትዮጵያ፡ ፈጺሞም ክጋገዩዎ ዘይብሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይመረቖ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ፡ ንኢትዮጵያ ከም ዘየርብሓ ካብ ታሪኽ ሃይለስላሰ፣ ደርግን ካብቲ ዝጸንሐን ክመሃር ኣለዎ" ብምባል ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ፡ ንጹር ፖሊሲ ክቕመጥ ከም ዘለዎ ይሕብር።

እዞም ውጥናት፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ነቲ ንቡር ግርማ ከተማ ባጽዕ ክመልስዎ'ዶ ይኾኑ?

ተወሳኺ ዛንታ