ሰለሞን ጸሃየ፡ ኣብ ምስናድ ማሰን መልቀስን ዝወፈረ ኤርትራዊ ደራሲ

ደራሲ ሰለሞን ጸሃየ

ሰለሞን ጸሃየ፡ ኤርትራዊ ተጋዳላይን ስነጥበባዊን እዩ። ብ1977 ዓ.ም ናብ ሜዳ ወጺኡ። ብ1979 ዓ.ም ናብ ክፍሊ ባህሊ ኣትዩ። ሰለሞን ገጣሚ መጽሓፍ "ሳሕል ሕሩይ ግጥምትታ ቃልሲ" እዩ።

ካብ 1979 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ምዕቃብን ባህሊ ዝነጥፍ ዘሎ ሰለሞን፡ ኣብ ማሰን መልቀስን መጽናዕቲ ብምክያድ ይልለ። ንሱ መጽሓፍ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት" ዘሕተመ ስሙይ ደራሲ እዩ።

ድርኩኺት ዛንታ

ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ ኣብ ዘላምበሳ ይነብሩ ነይሮም፤ ድሕሪ 1998 ዓ.ም ንሰንዓፈ ይኸዱ። ኣብ ሰንዓፈ ንዝረኸብዎም ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ዘይተኣደነ ማሰን መልቀስን ከምዘለዎም ሕሹኽ ይብልዎም።

ብህይወት እንከለዉ ብመልክዕ መጽሓፍ ከሕትምዎ ከምዝደልዩ ድማ ዘለዎም ህንጡይነት ይገልጹሎም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ንዝመርሕ ዘሎ ሰብ ዝያዳ ስለዝምልከቶ፡ ንሰለሞን ጸሃየ ሓቢሮም ይሰድዎም።

እንተላም ማሰን መልቀስን ሒዘዮ ኣይቅበርን ዝበሉ ነጋሽ ሳግላ ሂፍ እናበሉ ንኣስመራ ብምኻድ ከም ወዮ ዝተሓበርዎ ንሰለሞን ጸሃየ ይረኽብዎ።

ከምዚ በልዎ "ኣነ ማሰን መልቀስን ክእክብ እደሊ እየ፤ ምኽንያቱ ቅድመይ ዝነበሩ ማሰኛታትን መላቐስትን ሓሊፎም። ኣነን ንዓይ ዝመስሉን፡ ሓደ ሓደ ተሪፎም ዘለዉ ተባህለ ባሃልትን ተዘይኰይኑ፡ ይርሳዕን ይጠፍእን እዩ ዘሎ፤ ንሕና እንተመይትና ኸኣ ክጠፍእ እዩ።

"እቲ ኣነ ዝፈጠርክዎ እውን ክጠፍእ እዩ፤ መን ተባህለ ኢሉ ከሳግሮ እኽእል። ስለ'ዚስ ብመልክዕ መጽሓፍ ብምሕታም ጥራሕ እዩ ናብ መፃኢ ወለዶ ክሰግር ዝኽእል" ብምባል የማኽሩኒ ይብል ሰለሞን።

በዓል ሰለሞን ጸሃየ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣድላይነት ምዕቃብ ኣፋዊ ቃል ኣጸቢቑ ዝርድኦምን ብዝኻኣልዎ ድማ ዝፍትኑ ዝነበሩ እዮም። ኰይኑ ግና ብሰንኪ ሰባውን ገንዘባውን ዓቕሚ፡ ኣድማዒ ስራሕ ካብ ምፍጻም ተደሪቶም እዮም ጸኒሖም።

ሰለሞን ብዘረባ ነጋሽ ሳግላ ተደሚሙ፤ ብልቢ ተሰሚዕዎ። ብድሕሪኡ ወላ እኳ እቲ ስራሕ መገሻን ድኻምን ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እንተዀነ፡ ሰለሞን ግን ክሰርሖ ከምዝግበኦ ንገዛእ ርእሱ ቃል ኣትዩ፡ ልቢ ነጋሽ ሳግላ ዘረስርስ ምላሽ ሃበ።

"ናብ መጽናዕትን ምስንዳእ መጽሓፍን ድፍኢት ዝገበረትለይ፡ እዛ ምስ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ ዝተራኸብናያን፡ እሞ ድማ ንሶም ዘቕረቡለይ ምሕጽንታን ለበዋን ኢያ። ምኽንያቱ እታ ድፍኢት ተዘይትነብር፡ ኣብቲ ካልእ ፈጠራዊ ጽሑፋት ጥራይ ኣድሂበ ክቕጽል ምነበርኩ" ኢሉ ይኣምን ሰለሞን።

ብመሰረት እምነት ሰለሞን ጸሃየ፡ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ፡ ንምድሓንን ንምዕቃብን ማሰን መልቀስን ትግርኛ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ሰብ እዮም። ነጋሽ ሳግላ ሓሳብ ልቦም ሰሚሩ፡ ነገር ኣጋጣሚ ግን፡ ሰለሞን ጸሃየ ነዊሕ መስርሕ ሰጊሩ ንዘሐተማ መጽሓፍ እንተይረኣዩ ብ2008 ዓ.ም ዓሪፎም። ሰለሞን፡ ንነጋሽ ሳግላ ብልባዊ ምስግናን ብኽብረትን ይዝክሮም።

ፍልልይ ማሰ፣ኣውሎን መልቀስን

ማሰን ኣውሎን ሓደ እዩ፤ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ግና መጸውዒኡ ይፈላለ። "ማሰ ወይ ኣውሎ፡ ኣብ እዋን ደስደስ፣ መርዓ፣ ጥምቀት፣ ሽመት ምስ ተረኽበ ኣብ ጽምብል፣ ኮታስ ሰብ ኣብ ዝሕጐሰሉ ኣጋጣምን ኩነትን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዝበሃል እዩ።

መልቀስ፣ ወዬ ወይ ድጉዓ ድማ ሰብ ምስ ሞተ ኣብ ቀብሩ ወይ ከዓ ኣብቲ እንዳ ሓዘን፡ ንቲ መዋቲን ስድርኡን ዝገልጽሉ ዓይነት ኣፋዊ ቃል እዩ" ብምባል ትርጉምን ፍልልይን እቶም ኣፋዊ ቃል ግልጽልጽ ኣቢሉ የቕርብ።

መልቀስ፡ ነቲ መዋቲ ጥራይ ኣይኰነን ዝገልጽ። መላቐስቲ በቲ መዋቲ ኣመኽንዮም፡ ንቲ ግዜ፣ ነቲ ሃዋህው፣ ምስ ድርቅን ጥምየትን፣ ምስ ሰበ ስልጣንን ምምሕዳርን ክኸውን እኽእል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ኩነት እውን ኣልዒሎም ይዛረብሉ።

"ብዙሕ ግዜ እኳደኣ ነቲ ሓዘን ምኽንያት እዮም ዝገብርዎ እምበር፡ ነቲ ክዛረብሉ ዝደለዩ ኣርእስቲ እዮም ዝገልፁ። መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ካብኡ ዝጥዕም መድረኽ ስለዘይረኽቡ፡ ሽዑ ይጥቀምሉ። ማሰ እውን ከምኡ፡ ነቶም ሰብ ውራይ ንምንኣድን ንምምስጋንን ጥራይ እንተይኰነስ ህዝቢ ተኣኪብሎም እንከሎ ናብቲ ዝደለይዎ ኣርእስቲ ይኸዱ" ብምባል ይትንትን።

ክኢላታት ማሰን መልቀስን ብምሩጽ ቃላት ረቂቕ ሓሳባት እዮም ዝገልጹ። ማሰን መልቀስን ዋላ እኳ ኣብ ብሄረስባት ሳሆን ብሌንን እውን እንተሃለወ፡ ብዋናነት ግና ባህሊ ህዝቢ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ማሰኛታትን መላቐስትን፡ ታሪኽ፣ሃይማኖትን ፍልስፍናን ወለዶን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ምዃኖም፡ ምሁራዊ ርእይቶ ሰለሞን ጸሃየ የረድእ።

መጽሓፍ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት"

ሰለሞን ኣብቲ ዝጸሓፎ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት" ኣብ ዝብል መጽሓፉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ማሰን መልቀስን በሃልቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ።

"ማሰን መልቀስን፡ ባህሊ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ድማ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ስለዘሎ፡ እቲ መጽናዕተይ ኣብ ክልቲኡ ክገብሮ ምፈተኹ። በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ክልቲኤን ሃገራት ግና ዝካኣል ስለዘይነበረ፡ እቲ መጽናዕተይ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ክድረት ግድን እዩ ነይሩ" ይብል።

ሰለሞን ኣብ ዝሰነዶ መጽሓፍ ኣንቢብካዮም ርቀቶም ዘስደምም ማሰን መልቀስን ይርከቡ። ብላታ ስብሃቱ ተስፉ ዝበሃሉ ከባቢ ዓዲ ዃላ ዝዓዶም ሰብኣይ፡ ኣብ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ነሓሰ ውራይ ይግበር። መቸስ ዝክር ንጽድቂ እዩ ዝግበር። ካህናት ፍትሓት ክገብሩ ሓዲሮም፡ ኣብቲ ገዛ ምስተኣተወ እሞ ምስተበልዐ ምስተሰተየ፡ ምስቲ ዕላማ ዘይኸይድ ጫውጫው በዚሑ። ኣጋይሽ ሰኺሮም። ይባኣሱ፤ ይዘላለፉ።

ሻቡ ብላታ ስብሃቱ፡

"ኣባጅጎ ስጋ ገዲፉ ነብሲ ከይፈጥር

ወይ ነብሲ ገዲፉ ስጋ ከይፈጥር

ተቐርቀርና ኣብ ክልተ መዋጥር

ቀለብ ፍልሖ ስጋ ክነህጥር" ብምባል ነቲ ኣብቲ ዳስ ዝተዓዘብዎ፡ ብውሕዳት ተለላ ግጥሚ፡ ግን ድማ ብኣዝዩ ዝዓሞቐ ሓሳብ ገሊጾምዎ።

ማሰኛታት፡ ነቲ ኩነት ምስ ተዓዘቡ ንእለት ዝገጥሙ እሞ ድማ ብዘይ ብእርን ወረቐትን ብቓሎም ዝፅሕፉ ክኢላታት እዮም።

ኣይተ ወልደ ድንግል ከዓ ገና ወዲ 17 ዓመት ጓሳ እንከለዉ እዮም መልቀስ ጀሚሮም።

ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነይሮም። በዓልቲ ቤቶም ወረጃ፣ ለጋስ፣ ብፀላም ንድኻታት ዝሕርጉታ እየን ነይረን። እዘን ሕያወይቲ ሰበይቲ ይሞታ።

እዚኤን ዝሰበይቶም ሰብኣይ ግን (ባህሪ ወድሰብ ዘይምሉእነት እንድዩ) ኣብቲ ዓዲ ኣብ ሓደ ወሰን ሓንቲ ውሽማ ሒዞም ነይሮም።

ወልደ ድንግል፡ ወለዶም ካህን ክኾኑሎም እዮም ዝደልዩ ነይሮም። ኰይኑ ግና ሓደ እዋን ደቂሶም እንከለዉ ሓደ መንፈሳዊ ሓይሊ "ዕጫኻ ማሰኛ መላቐሲ ምዃን እዩ" ኢሉ ሕሹኽ ኢሉዎም ይበሃል።

ኣብ መጓሰ እንከለዉ ኣባጊዖም ገዲፎም ነዚ ዕስለ ቀባራይ ጥሕስ ኣቢሎም ናብቲ ማእኸል ይኣትዉ።

ሰባት "ኣንታ ናበይ ኢሉ ዝቘልዓ? ኣንታ እንታይ ኢና ንርኢ ዘለና!" ኢሎም ይግረሙ።

ብውሽጢ ነቕኒቑ ጥበብ እናዳፈአ ዘምጸኦ ጓሳ መን ይምለሶ። ወዬ ወዬ እናበለ ኣተወ።

"ወዬ ወዬ ወዬ

ክነልቅስ ዶኻዓየ ክንፍተን

ክንነግረለን ዶኻዓየ ክንፍተን

እምበይትና ወርቂ 'ዝዓራተን

ራእስን ደገዝማትን 'ዘቦታተን

እተጌን ወይዘሮን 'ዝኖታተን

ኣላጐን ስምብልያን ደቂ ኸብተን

ንድኻታት መውኢት ክረምተን

በሊዕኻዮ ዘይውዳእ ሃብተን

ህይወት ዶ ኣየውዕልን 'ዝበርከተን" በለ።

ቀጸለ

"ኣነ ዝገርመኒ 'ተንብጨይተን

ይኳሓላ ኣለዋ ተሰልቲተን

ይቑነና ኣለዋ ተሰልቲተን

ዘይትመፅእ መሲሉወን 'ታመዓልተን" ኸዓ በለ።

እምበኣርከስ እዚ ብብዙሕ ክትንተን ዝግበኦ ፍልስፍናዊ ሓሳብ እዩ። ቀባራይ "ታይ ዝመሰለ ቈልዓ እዩ? ካበይከ ኣምፂኡዎ?" ብምባል ነዚአን እናደገመ ነናብ ቤቱ ተመልሰ።

ከምኡ እዩ ዝኸውን። ቀባራይ ነቲ ዝተለቕሰ እናስተንተነ እዩ ዝኸይድ። እቶም ካውኡ እናደጋገምዎ ዝኸዱ ሰባት እዮም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሳግርዎ። እዚኦም "ተባህለ በሃልቲ' ይበሃሉ።

ሰሚዕኻዮ ፍጹም ዘይምነው ዘረባ ሰለሞን ጸሃየ ይቕጽል።

እተን ውሽማ እቶም ርኹብ ሰብኣይ፡ ነታ ኣብቲ ቀብሪ ዝሰመዓኣ ብዛዕባአን ትትንክፍ ዘረባ ኣብዛ ስነን ቁርጥም ኣቢለናኣ፤ ሓዘን ዝሕል ምስ በለ "ነቲ ቘልዓ ጸውዑለይ" በላ።

ወልደ ድንግል ወዲ ቐሺ ገድሉ ተጸዊዑ ከደ።

"ኣንታ ቘልዓ ኣነስ ሓፍተይ ካልአይተይ ሞይተናኒ ጨጉረይ ደኣ ክነጺ ደለኹ እምበር፡ ክቑነን ኣበይን መዓዝን ኢኻ ርኢኻኒ?" ኢለን ምሒር ከምዝጓሃያ ገለጻሉ።

ወልደ ድንግል መልሲ ሃበ። "ኣነ ደኣ ኣብ በረኻን መሮርን ዝውዕል ከመይ ኣቢለ እየ ክትኳሓላን ክትቁነናን ክርእየክን? ግንሲ ንሰን ምስ ሞታ ነታ ኣዳራሽን ክትብሕታ ከምትደልያስ እሙን እዩ። ምኽንያቱ ሰብ እታ ዝበለጸት ክደሊ ግድን እዩ። ደሓር ከዓ ኣንትን እምበይተይ፡ ኣዛሪቡኒ እዩ እምበር ኣበይ ኰይነ ደኣ ርእየክን"

"እሞ ዘዛርበካ እንተዀይኑ እስቲ ነቲ በዛ ቅድመይ ዝሓልፍ ዘሎ ጽንጽያ ማሰ በለሉ" በለኦ።

"በላ ሓዛ!" ከኣ በለ ወልደድንግል።

"ጽንጽያ ኣታ ጽንጽያ ጽንጽያ

ግንቦት ትውለድ ቅነ ጥዕያ

መስከረም ትውለድ ቅነ ጥዕያ

'ዘይዕውንውን ዘይብልካ ሞያ

ከሳፍ ወይዘራዝር ከፋቲ መዀምብያ

ትሕቲ እምበይተይ ንስኻ ትርእያ" ኢሉወን።

ሰበይቲ ተደሚመን "ዎው ኣታ ቘልዓ ብሓቂ የዛርበካ እዩ፡ በል ኪደለይ" ኢለን ኣፋነወኦ።

ወልደ ድንግል ካብ ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ኣትሒዞም ክሳብ ክንድዚ ነገራት ዝዕዘቡን ብረቂቕ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ዝገልጹን በሊሕ እዮም ነይሮም።

ማሰን መልቀስን ፍልስፍና እዩ፤ እቶም ክኢላታት ከዓ ፈላስፋታት

ሰለሞን ጸሃየ፡ ምስቲ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ዘለዎ ጥብሉሕ ተገዳስነት ነቲ ኣፋዊ ቃል ብፍቕሪ እዩ ኣዋህሊልዎ፤ ሽሕ ግዜ እናደገመ እንተዝብሎ ድማ ኣይጸግቦን። ብምዕሩግ ባህላዊ ልባስ ነቲ ዝነበረ ልክዕ ሽዑ ኣብቲ ዘበን ከምዝነበረ ኰይኑ ህይወት ይዘርአሉ።

"ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል፡ ወዲ ዓረዛ እዮም" ከዓ በለ።

"ራእሲ ኪዳነማርያም፡ ምስሌኔታት፣ ጭቃታት፣ ወራዙት ዓዲ ጸጸዊዖም ውራያት የካይዱ። ኣብቲ ውራይ ኣውሎ በሉ ብምባል የተባብዑ እውን ነይሮም። ጽቡቕ ባይታ ስለዝፈጠሩ ኣብ ግዜኦም ብዙሕ ኣውሎ ከምዝተበሃለ ይዝረብ" ብምባል ይዝክሮም።

ዓምር ፍካክ ዝበሃሉ ትግረታይ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ይነብሩ ነበሩ። ራእሲ ኪዳነማርያም ኣብ ዘካየድዎ ውራይ ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣውሎ ኢሎም ምስ ወድኡ፡ ኣቶ ዓምር ከኣ እስኪ ኣውሎ በሉ ኢሎም ዓደምዎም።

ኣቶ ዓምር ድማ "ኤእ ኣንቱም ራእሲ ንሕና ትግረ ደኣ ኣውሎ ምባል መዓስ ባህልና ኰይኑ፡ ዘይክነመስግን ኢና መጺእና" ብምባል ሕስይስይ በሉ።

ራእሲ ኪዳነማርያም ግን "ክኢላ ምዃንኩም እፈልጥ እየ፤ ማሰ ከይበልኩም ከኣ ኣይትወጽኡን ኢኹም ካብዚ ውራይ'ዚ" ኢሎም መመሊሶም በሉ በልዎም።

ኣቶ ዓምር ነጸላኦም ወንዚፎም "በሉ ሕራይ ካበልኩምስ" ኢሎም በርደግ በሉ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ራእሲ ኪዳነማርያም ሽምግልና ተኣታትይዎም እዩ ነይሩ።

"ወዲ ገብረመስቀል ኢኻ ወርቂ ዘማት

ወዲ ሓይለኣብ ኢኻ ወርቂ ዘማት

ወዲ ገብረጻዲቕ ኢኻ ወርቂ ዘማት

ኣሕሊፍካየን 'ተን ጠጥዑማት

ተረፋኻ ክልተ ሕሱማት

'ታሓንቲ እርጋን'ያ 'ታሓንቲ ሙማት" ኢለሞም።

ራእሲ ኪዳነማርያም ሰያብ ጨጉሪ ርእሶም እናደረዙ "ድሕሪ ሕጂ ኣውሎ ዕጸዉለይ! ድሕሪ እዚ እንታይ ኣውሎ ክበሃል፤ ይኣክል!" ብምባል ርእሶም ኣድኒኖም ኣብ ኣስተንትኖ ኣተዉ።

እምበኣር ኣነ እውን ሰለሞን ፀሃየ ሓንቲ ካብ ማሰታት ነጋሽ ሳግላ ክእንግደና ሓቲተ ክሰናበት።

ጥልያን ካብ ኤርትራ ወጺኡ እንግሊዝ ምስኣተወ፡ ኣብ ኣርበዓታት ዝተብሃለት ኢያ። መንግስቲ ጥልያን ስልጣን ግዝኣቱ ምስተመንጠለ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ጠላይን ኮኾቦም ወዲቑ።

ንሓበሻ ኣቕሓ ዘይቘጽርዎ ዝነበሩ፡ ክመሻኸኑ ጀሚሮም። ነቶም ብግዜ እንግሊዝ ስልጣን ዝተወሃቦም ሓበሻ፡ ኡፍ ኡፍ ክብልዎም እውን ጀመሩ።

ኣብ ዘግፈት ስመጃና፡ ከባቢ ሰንዓፈ ትራንኮኒ ዝበሃል ጣልያናዊ ነጋዳይ ነይሩ። ትራንኮኒ ናብ ሓደ መርዓ ይኸይድ እሞ፡ ነቶም ኣቦ ወዲ ዝነበሩ ኢንስፔክተር ዘጎ፡ ክዳኖም ሓመድ ተፀይቑ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ሓመድ ንግፍ ንግፍ ኣቢሉሎም። እዚ ቅድሚኡ ዘይሕሰብ ዝነበረ ተግባር እዩ።

ነዚ ዝተዓዘቡ ነጋሽ ሳግላ ኣብኣ እንከለዉ ማሰ በሉ።

"ትራንኮኒ ኣንታ ትራንኮኒ

ጐይታ ኮመደረ ኢኻ ተኻሊ ወይኒ

ጐይታ ሽጉጥ ኢኻ ጐይታ ኣልቢኒ

ወይ ጣልያኒ ኣንቱም ወይ ጣልያኒ

ኣቲኹም ዶ ናብ ምንጋፍ ክዳኒ

ኣሰይ ኣሰይ እዚ ዘርኣኻኒ" ኢሎም ነቲ ምግምጣል ግዜ ገሊጾምዎ።

ሰለሞን ጸሃየ፡ ሕዚ እውን ኣብ ማሰን መልቀስን ሰፊሕ መጽናዕቲ ብዕቱብ የካይድ ኣሎ። ደጊም መጽናዕቲ ናብ ትግራይ እውን ዘሊቑ ብምእታው ከይተሓለለ ክሰርሕ ዝህቅን ዘሎ ደራሲ እዩ። ገና ዘይተሓተሙ ክልተ መጽሓፍቲ እውን ኣለዎ።

ሰለሞን፡ ቦኽርን እንኮን ስኒት ጓሉ ብሞት ተመንጢሉ ካብ ባሕሪ ከርሱ ኣብ ዘይወጽእ ሓዘን እኳ እንተጠሓለ፡ ኩሉ ክኢሉ ብሓቦን ኒሕን፡ ባህልን ቅያን ህዝቢ ክስንድ ሎሚ እውን ኣብ መሪር ቃልሲ ይርከብ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት