ሓጋዚ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሰይድ ኣሕመድ ተኣሲሩ

ሓጋዚ ኮሚሽነር ሰይድ አህመድ Image copyright ADP Facebook page

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ፡ ሓላፊ መምርሒ ኢንፎርሜሽን ኮሚዩኒኬሽንን ልምዓት ሚድያን፡ ሓጋዚ ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ተኣሲሩ።

እቲ ሓጋዚ ኮሚሽነር ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ፡ ንስድርኡ ቀረባ ዝኾኑ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምስ ስድርኡ ክራኸብ ከም ዝኽእልን ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከም ዘየጋጠሞን ድማ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ፡ ንሰሙናት ኣብ ስልጠናን ገምጋምን ከም ዝቐነዩ፡ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል'ቲ ኮሚሸን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ማእሰርቲ ምስቲ ስልጠናን ገምጋምን ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ወሲኹ ገሊጹ።

ሓደ ቤተሰብ ናይቲ ኮሚሽነር፡ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

ገለ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ሰባት ግን ብ15 ሰነ 2011 ኣ.ኢ ኣብ ባህርዳር ምስ ዝተኸሰተ 'ፈተነ ዕልዋ' ዝተሓሓዝ ምኽንያት ከም ዝህልዉ ግምት ይህቡ።

ቢቢሲ፡ ሓጋዚ ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ከም ዝተኣሰረ ካብ ሓደ ኣባል ስድራ ከረጋግጽ'ኳ እንተኽኣለ፡ ካብ ኮሚሸን ፖሊስ ክልል ኣምሓራን ሓለፍቲ ጸጥታን ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ግን ኣይሰመረሉን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት