ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ዑቕባ ሓቲቶም

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት መስከረም 23 2019 Image copyright FUFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ክፋል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ምስ ሱዳን ኣብ ዝነበራ ጸወታ

ኣርባዕተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ዩጋንዳ ዕቕባ ሓቲቶም።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብቲ ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ንምስታፍ'ያ ብ20 መስከረም ናብ ካምፓላ ከይዳ።

እታ ኣብ ኣርባዕተ ጸወታታት 16 ሸቶታት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ኣብ ንጀሪ ስታድዮም ፉፉ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ወሳኒ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ነይሩዋ። ይኹን 'ምበር ኣብቲ ምስ ኬንያ ዘካየደቶ ጸወታ 1 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ፡ ቀዳም ንደረጃ ምስ ሱዳን ክትጻወት'ያ።

እቶም ተጻወቲ ካብ ብጾቶም ተፈልዮም ድሕሪ ምስዋሮም፡ ዕቑባ ከም ከም ዝሓተቱ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ድሕሪ ኣብ ዝሰዓበ ጸብጻብ ግን እቲ ሓሙሻይ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ተጻዋታይ ግን፡ ብሰንኪ መጉዳእቲ ኣብቲ ናይ ሎሚ ግጥም ክሳተፍ ከም ዘይካለ ተሓቢሩ።

ኣቦመንበር ኣወሃሃዲ ኮሚቲ ናይቲ ውድድር፡ ኣይማብል ሃቢማና ንደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ውድድር ብጽቡቕ መንፈስ ምእንቲ ክንውድ፡ ኣብ ዙርያ ሆቴሎም ጸጥታ ኣሐይልና ኣሎና" ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ናይታ ጋንታ ሃይለ ኤፍረም ኣለምሰገድ፡ እቶም ተጻወቲ "ብምሕማም" ምኽንያት ናብ ልምምድ ከም ዘይመጹ ከም ዝሓበረ እቲ ጋዜጣ ጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ክጻወቱ ዝኸድወን ሃገራት ክጠፍኡን፡ ብኡ ኣቢሎም ዕቑባ ክሓቱን ጸኒሐም'ዮም።

ኣብ 2015 እውን፡ 10 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥም ናብ ቦትስዋና ድሕሪ ምእታዎም፡ ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ይዝከር።

ኣብ 2013 ድማ፡ 9 ኣባላት ናይታ ጋንታን ኣሰልጣኒኦምን ኣብ ኬንያ ተሰዊሮም።

ኣብ 2012፡ 15 ኤርትራውያን ተጻወቲን ሓደ ሓኪም ጋንታን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስ ተሰወሩ፡ ኣብ 2013 ኣብ ኡጋንዳ ዕቑባ ሓቲቶም ነይሮም። እቶም ተጻወቲ ኣብ ናይ ሴካፋ ናይ ዓበይቲ 'ቻለንጅ ካፕ 2012' ክጻወቱ'ዮም ናብታ ሃገር ከይዶም

ኣብ 2009 ድማ 12 ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስዋሮምን ኣሰልጣኒን ሓደ በዓል ስልጣን ስፓርትን ጥራይ ንኣስመራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ናይቲ እዋን ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ናብ ናሚብያ ኣብ ዝተጓዓዘትሉ እቶም ተጻወትትቲ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ትሕጃ ከም ዘትሕዙ ተገይሩ ዝብል ወረ ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ግና ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ጸለመ ምዃኑ ገሊጹ።