ትግራይ፡ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ዝተሰረቀ ዘውዲ ንክምለሰላ ሓቲታ

እዚ ዘውዲ ንዝሓለፉ 21 ዓመታት ኣብ ኢድ ሓደ ኢትዮጵያዊ ተዓቂቡ ጸኒሑ Image copyright SIRAK ASFAW

"ካብዚ ንጨለቖት ዓለም ተጨነቐት" ዝብል ደርፊ ሓደ ጭራ ዋጣ ካብ ዝስማዕ ብዙሕ ዓመታት ኣቑፂሩ።

ኣብ እንዳ ስላሰ ጨለቖት፡ ጭንቀት ዝነገሰ ግን፡ ንዋየ ቅዱሳት እቲ ቤተክርስትያን ምስ ተሰረቐ 'ዩ።

ወዲ 82 ዓመት ኣባ ገብረስላስ፡ መኒኖም ኣብ ስላሰ ጨለቖት ካብ ዘዕቑቡ 16 ዓመታት ኣሕሊፎም።

ራእሲ ወልደስላሰ ኣብ ሕንጣሎ ይነብሩ ነይሮም። ካብ ሕንጣሎ ንተንብየን እንትኸዱ፡ ኣብ መንገዶም ገረብ ግባ ውሕጅ መሊኡዎም ሓዲሮም። ሻቡ ከመይ ዝበለ እሙን ሓሽከሮም ውሕጅ ወሰዶ። ንሶም ንፅባሕቲኡ ናብ ተንብየን ሰጊሮም።

ምስ ኣባ ገብረስላስ ኣብ ዓብዪ ዓዲ ተራኺቦም። "ኣባ ገብረስላሰ፡ ወልደስላሰ 'ታይ ጉዱ ደኣ ተኪዝካ?" እንትብሉ ሓተትዎም።

"ኣግዝኣቲ ዓለም ኰርዮምለይ፤ ዝሃቡኒ ዓሽከረይ ውሕጅ ወሲዱለይ" እንክብሉ ድማ መለሱ።

ኣባ ገብረስላሰ ንዕለታ፡ "ሬስኡ ከይድኩም ኣሊሽኩም ኣምፅእዎ!" እንትብሉ ኣዘዙ። ሰባት ወፊሮም ነቲ ውሕጅ ዝወሰዶ ሬሳ ረኺቦም ኣምፂኦምሎም፡ ኣባ ገብረስላሰ፡ ነቲ ዝሞተ መንእሰይ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ካብ ሞት መሊሶምዎ።

"በል ኣግኣዝቲ ዓለም ነቲ እሙን ዓሽከርካ መሊሶምልካ ኣለውዋ፡ ደጊም ናብዚ ኣይትምፃእ፤ ኣብ ጥቓኻ ቤተክርስትያን ህነፅ" በልዎም።

"ካብ ሕንጣሎ መፂኦም ድማ፡ ነዚ ቤተክርስትያን ሃኒፆም" ብምባል፡ ታሪኽ ህንጸት እቲ ቤተክርስቲያን የዘንትዉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ 82 ዓመት ኣባ ገብረስላስ፡ መኒኖም ኣብ ስላሰ ጨለቖት ካብ ዘዕቑቡ 16 ዓመታት ኣሕሊፎም

ሕሉፍ ዛንታ

ራእሲ ወልደስላሰ ኣዝዩ ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት ነቲ ቤተክርስትያን ከም ዘበርከቱ ይዝረብ።

ከም ኣባህላ ኣባ ገብረስላሰ "ሸውዓተ ጉልቲ ሻምናዩ ገዳም ገይሮም መሕደሪኡ ሓዲጎምሉ፤ ቈፂርካ ዘይሃልቕ ንብረት እዮም ኣበርኪቶምሉ" ይብሉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ስላሰ ጨለቖት ካብ ዝነበራ ሰለስተ ዘውዲታት፡ እታ ሓንቲ ቅድሚ 24 ዓመታት ከም ዝጠፈአት ጋህዲ ኰነ።

"ሰራቒ፡ ኣነ ይመፅእ ኣለኹ ኣይብልን፤ ገበዝ ቤተክርስትያን ተዓዳዲጉ ሸይጥዎ፤ ዳሓር የማዮም ሰማዮም ካህናት ንዑ ተኣሰሩ ንዑ ተፈትሑ እናተባሃሉ፡ ክንደይ መከራ ፀጊቦምሉ እዮም" ይብሉ።

ወሲኾም፡ "ገበዝ ቤተክርስትያን ከፊቱ ምስ ሃቦም'ዩ ተወሲዱ፤ መንግስቲ ድማ ንሰራቒ ሒዙ ስለ ዝሰደደ፡ መንግስቲ እዩ ኣስሪቑዎ ኢና ንብል" ኢሎም ኣፃብዕቶም ናብቲ ሻቡ ዝነበረ ምምሕዳር ትግራይ የወጣውጡ።

እቶም ሽዑ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ገበዝ ቤተክርስትያን፡ ጋሕ ኣቢሎምዎ ስለ ዝኸዱ ሌባ ኣትዩ ከም ዝወሰዶ ብምርመራ ኣሚኖም፤ ሓሙሽተ ዓመት ዝኸውን ተኣሲሮም ከም ዝተፈትሑ ኣባ ገብረስላሰ ይዝክሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ራእሲ ወልደስላሰ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ ብ1987 ዓ.ም፡ ከም ዝተረኸበን ካብ ኔዘርላንድስ ክምለስ ከም ዝተወሰነን ይዝከር።

ኣባ ገብረስላሰ "በበይ ገይሩ ተሰሪቑ፤ በበይ ገይሩ ተገንዩ'የ እኮ ዝብል ዘለኹ ኣነ?" ክብሉ ንርእሶም ይሓቱ።

ነዚ ዜና ዝሰምዑ ሕብረተሰብ እቲ ከባብን ኣገልገልቲ እቲ ቤተክርስቲያን ድማ፡ እቲ ናትና ኢሎም ዝኣምኑዎ ዘውዲ ዳግም ንክርእይዎ ተሃንጥዮም ይፅበዩ ከም ዘለው ይዛረቡ።

ኣብ 1970ታት [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ሲራክ ኣስፋው ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ኔዘርላንድ ምስ ከደ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ሻንጣ ሓደ ጋሻ ስደተኛ፡ ነዚ ዘውዲ ይረኽቦ እሞ፡ ዝተሰረቐ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ክዕቅቦ ከም ዝወሰነ ይዛረብ።

እዚ ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ መንበሪ ገዛ እዚ ውልቀሰብ ዝተዓቀበ ዘውዲ፡ "ብርግጽ መንግስቲ ኔዘርላንድ'ውን ነቲ ዘውዲ ከይወርሶ ፈሪሐ ነይረ" ክብል ኣቶ ሲራክ ይገልጽ።

"ኣብ ገዛይ፡ ኣስታት ሸሞንተ ንሓደጋ ባርዕ ከጠንቅቑ ዝኽእሉ መሳርሕታት ነይሮምኒ። ብጣዕሚ እየ ዝሰግእ ነይረ" ክብል 'ውን ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣቶ ሚሊዮን ሳሙኤል ገብረ፡ ብስልኪ ምስ ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዘውዲ ናብቲ ዝተወሰደሉ ቤተክርስቲያን'ዶ ይመለስ ወይ ናብ ቤተመዘክር ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል ጉዳይ፡ ምስ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

እቶም፡ ካብ ቤተክርስቲያንና'ዩ ተዘሚቱ ኢሎም ዝኣምኑ ኣገልጋሊ ቤተክርስቲያን ስላሴ ጨለቖት ድማ፡ እቲ ዘውዲ ክምለሰሎም ተስፋ ስለ ዝገብሩ፡ "ኣብ ኢድና ከይኣተወ ኣይንኣምንን" ብምባል ክምለስ'ዶ ይኸውን ዝብል ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብ እዋን ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝነበረ ልብሰ መንግስቲ ራእሲ ወልደስላሰ ኣሐዲሶም ከም ዝልኣኹሎም ዝዛረቡ ኣባ ገብረስላሰ፡ ሕጂ እታ ዘውዲ እንተተመሊሳ፡ ካልኦት ዝተዘምቱ ንዋያት'ውን ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ይኣምኑ።

Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ሲራክ ኣስፋው (ጸጋም) ምስ ሙሁር ታሪኽ ኣርቸር ብራንድ (የማን)

ቀሺ ንጉሰ ሓጐስ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ገበዝ ስላሰ ጨለቖት ኮይኖም ንዋየ ቅዱሳት ካብ ዝሕልዉ ሰለስተ ዓመታት ገይሮም።

እቲ ዘውዲ ኣብ ዝተሰረቐሉ እዋን ገበዝ ስላሰ ጨለቖት ኮይኖም መፍትሕ እቲ ቤተክርስትያን ዝሕዙ ዝነበሩ ቀሺ ተኽሉ ከም ዝበሃሉ ይጠቕሱ። ቀሺ ተኽሉ ተኣሲሮም ተፈቲሖም ኣብቲ ዓዲ ይነብሩ ኣለዉ።

"ኣብ ስላሰ ጨለቖት ሰለስተ ዘውዲታት ነይሮም፤ ኩሎም ካብ ወርቂ'ዮም ተሰሪሖም። ካብኣቶም ሓደ እዩ ጠፊኡ። እቲ ዝተሰርሐ ዘውዲ ጥማዕ ወርቂ ተይኮነስ ዝተፃረየ ወርቂ ምንባሩ እቶም ክልተ ዝተረፉ ዘውድታት ርኢኻ ምምስካር ይካኣል። እታ ፅዋዕ እውን ዕረ ትመስል ምሉእ ወርቂ እያ" ይብሉ።

'ኢንዳያና ጆንስ ኦፍ ዘ ኣርት ዎርልድ' ብዝብል ዝፍለጥ፡ ኣብ ዕቀባ ጥንታዊ ሓድግታት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ኣርቸር ብራንድ ዝተብሃለ ግዱስ፡ ነዚ ናይ መበል 18 ክፍለመዘን ዘውዲ ዓቂቡ ዝጸንሐ ኣቶ ሲራክ ዘማኸሮ ሰብ'ዩ።

"ገዚፍ'ዩ [እቲ ዘውዲ] እቶም ኣብ ርእሶም ዝደፍኡዎ ሰባት ኣሕዚኖምኒ። ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ርእስኳ እንተደፊእካዮ ክሳድካ ክብተኽ እዩ ዝብል" ክብል፡ ንርዝነት እቲ ዘውዲ ክገልጽ እንከሎ።

እቲ ዝተሰረቐ ዘውዲ ተረኺቡ ምስ ተሰምዐ፡ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ሰባኻ ጉባኤ ስላሰ ጨለቖት፡ ናይታ ቤተክርስቲያን ሃብቲ ምዃኑ የረጋግጸልና'ዩ ዝበሉዎ መረዳእታ ብምሓዝ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ንምኻድ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ።

እዚ ሓድጊ ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝምለስ፡ ሕጂ ዝርዝር መብርሂ ክህብ ዘይደለየ ኣቶ ሲራክ፡ እቲ ዘውዲ 'ጥንታዊ ሃገራዊ ሃብቲ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ናይ ራእሲ ወልደስላሰ ምዃኑ ዝእመነሉ ዘውዲ፡ ብ1926 ዓ.ም ብዘመን ሃጸይ ፋሲለደስ ዝተሰርሐ'ዩ ዝብል ኣቶ ሲራክ፡ ቅድሚ 21 ዓመት ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

ኣብ ሞያዊ ስርሓት ኢትዮጵያ መጽናዕታት ዘካየደ፡ ሓጋዚ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ጃኮፖ ጅኒስኪ፡ ቅድሚ ገለ ሳምንታት እዚ ዘውዲ ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸ ኣሶሼትድ ፕሬስ ኣብ ዝጠቐሶ ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ በዓላት ትጥቀመሉ ዝነበረት'ዩ ኢሉ ይኣምን። እዚ ዘውዲ ቅድሚ ምስራቑ፡ ኣብ 1993 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ ርእሶም ነዚ ዘውዲ ናይ ዝደፍኡ ቀሺ ስእሊ'ውን ብምቕራብ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሃብቲ'ዩ ኢሉ ምስክርነቱ ይህብ።

እዚ ተመራማሪ፡ እቲ ዘውዲ ኣለው ተባሂሎም ካብ ዝእመኑ 20 ዘውዲታት ሓደ ምኻኑ ብምግላጽ፡ "እዚ ዘውዲ ኣብ 1990ታት፡ ጨለቖት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ተዘሚቱ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ቅድሚ 24 ዓመታት፡ ምስ ሓደ ብናይ ቀይሕ መስቀል ዕማም ናብ ትግራይ ዝመፅአ ዴቭድ ስቴብልስ ዝበሃል እንግሊዛዊ ዝተላለየ ኣቶ ብስራት መስፍን፡ እቲ ሰብኣይ ዝነበሮ ኣፍልጦ ታሪኽን ቅያን ተደሪኹ ዓዲ ክትፈልጥ ኣለካ ብምባል ናብ ስላሰ ጨለቖት ከም ዝወሰዶ ይገልፅ።

"ናብቲ ከባቢ ምስ ከድኩ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን ዘውድታት ርእየ። ሄነሪ ሶልት ዝብል ፅሑፍ ዝነበሮ ፅዋዕ፣ ብወርቂ ዝተለበጡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ ኮታስ ብርክት ዝበሉ ሓድግታት ነይሮም። ሽዑ ዴቭድ ምስቶም ዘውድታትን ፅዋዕን ስኢሉኒ። ኣብቲ ስእሊ ኣውቲስታ ዴቭድ ዝነበረ ፍርዴ ተፈራ ዝበሃል ነይሩ። ሕዚ ብህይወት የለን" ብምባል ነቲ ኩነታት ይዝክር።

Image copyright David Stables
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ተሰሪቑ ዝተብሃለ ዘውዲ ህያው ምስክር ኣይተ ብስራት መስፍን(ፀጋም) ነብስሄር ፍርዴ ተፈራ(የማን)

እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ዘውዲ፡ ናይ ስላሰ ጨለቖት ዝመስል'ዩ ዝብል ብስራት፡ ኣብቲ እዋን ተሰሪቑ ምስ ሰምዐ፡ ከም ዝሓዘነ ይዛረብ።

እቲ ዘውዲ ተረኺቡ ዝብል ዜና ምስ ሰምዐ ድማ ስእልታቱ ክኣላልሽ ከም ዝጀመረ ዝገልጽ ብስራት፡ "እቲ ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዘርጊሑ ዘሎ ስእሊ ዘውድን እቲ ኣነ ዝተሳእልኩሉን ተመሳሲሉኒ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ብስራት መስፍን እቲ ዘውዲ ተረኺቡ ምስ ተበሃለ ምስ ዶ/ር ዴቭድ ዝተፀሓሓፎ መልእኽቲ እውን ኣርእዩኒ።

እቲ ጽሑፍ፡ "ኣብ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምሳኻን ምስ ክሉስ ዝተበሃለ ወዲ ሃገረ ዴንማርክን፡ ናብ ጨለቖት ከይድና፡ ስእሊ ቅዱስ ጊዮርግስ ዘለዎ ዓብዪ ወርቃዊ ፅዋዕ ከም ዝረአና እዝክር። ከምኡ'ውን ኣዝዩ ምዕሩግ ብቕድሚትን ድሕሪቱን ብወርቂ ዝወቀበ ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ቅዱስ እውን ነይሩ። ዝገርም ግን ውሑዳት ጥራሕ ዝፈልጥዎ ታሪኽ እዩ ዘለኩም" ይብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ብስራት መስፍን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ መስራትን መራሕን ገባሪ ሰናይ ትካል'ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ (ኣይስ)' ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይከ እንታይ ይብል?

ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወ/ሮ ብርኽቲ ገብረመድህን፡ ደሃይ እቲ ዘውዲ ምስ ተሰምዐ፡ ካብ ስላሰ ጨለቖት ስሩዕ መረዳእታ ናብቲ ቢሮ ከም ዝተልኣኸ ትዛረብ።

"እንታይ ዓይነት ሓድጊ እዩ ጠፊኡ ነይሩ? ሕጋዊ መርዳእትኡኸ? እቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓድጊኸ እንታይ ይመስል? ዝብል ብሕጋዊ መንገዲ ክንከዶ ኢና ሒዝና ዘለና። ስለ'ዚ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን እቲ ቅርሲ ናብ ቦትኡ ንኽመፅእ ዝከኣለና ፃዕሪ ክንገብር ኢና" ብምባል፡ ኣብዚ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝተዘራረቡ ሓቢራ።

"ንሳቶም'ውን ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ገሊፆምልና ኣለዉ። ምስ ተመለሰ ናብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ እዩ ዝኣቱ፡ ካብኡ እቲ ሓድጊ ከመይ ይምለስ? ኣበይ ይቀመጥ? ዝብል ናይ ባዕሉ መስርሕ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ክያዶ ክንጅምር ኢና ዝብል መልሲ ተዋሂቡናሎ" ኢላ ወይዘሮ ብርኽቲ።

ንዋየ ቅዱሳት ስላሰ ጨለቖት ምዕሩይ ኣቀማምጣ ምእንቲ ክህልዎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓልዮት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ቤተመዘክር ይህነፅ'ሎ።

እቲ ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ ዓመታት ዝጠፍኦ ዘውዲ እንታይ ይመስል? ኣበይ'ዩ ጠፊኡ? ዝብሉን ካልኦትን ዘረጋግጽ መረዳእታ ከም ዘለዎ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ ብርክት ዝበሉ ሓድግታታ ተሰሪቖም ኣብ ቤተመዘክር ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ እንትኾን፡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሎንደን ቤተመዘክር ቪክቶሪያን ኣልበርትን ዝርከቡ ብወተሃደራት ብሪጣንያ ዝተዘምቱ ዘውዲታት፣ ኣዋርቕ፣ ናይ መርዓ ክዳውንትን ካልኦት ስራሕትን ናይ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ናብ ዓዶም ንምምላስ ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተመዘክር 'ናሽናል ኣርሚ' ጸጉሪ ርእሲ ሃጸይ ቴዎድሮስ ምምላሱ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት