ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ጀሚራ

ታንክታት ቱርኪ Image copyright Getty Images

ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዓሪዶም ዘለዉ ኩርዳውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ብናይ ኣየር መጥቃዕትን ደብዳብ መዳፍዓትን ዝተሰነየ ምዃኑ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ደብዳብ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ'ዩ ክብሉ እውን እቶም ኩርዳውያን ከሲሶም።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ምሊሻ ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣየር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ እቲ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ብወገና ነቲ ብቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ፍቓድ ከምዘይሃበት ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ገሊጹ።

ንሱ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተወስደ ምስሓብ ሰራዊት'ውን ደጊፍዎ።

እዞም ኩርዳውያን ተቓለስቲ፡ ነዚ ናይ ቱርኪ ድፍኢት ከም ዝምክትዎ ገሊጾም ኣለው።

Image copyright Getty Images

ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብ ጐኒ ኣሜሪካ ተሰሊፎም ነቶም ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓለስቲ ዳዕሽን ኣዝማዶምን ኣብ ቤት-ማእሰርትን መዓስከራትን ኣሲሮም ይሕልውዎም ከምዘለው ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም እሱራት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለው ዝተነጸረ ነገር የለን።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ። ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ከኣ ብማሕበረሰብ ዓለም ብሰፊሑ ይኹነን ኣሎ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወጸአ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቱርኪ፡ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ መዝሚዛ፡ ነቶም ብኣሜሪካ ክድገፉ ዝጸንሑ ኩርዳውያን ሓይልታት እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኣሜሪካ 'ንቱርኪ ብቑጠባ ከተዕንዋ'ያ' ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ዶመኒክ ራኣብ ብወገኑ፡ እዚ ብቱርኪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ "ከቢድ ሻቕሎት" ከምዝፈጠረሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰላም እቲ ዞባ ከይዝረግን፡ ሰብኣዊ ስቓይ ከጋድድን ከምኡ'ውን ነቲ ኣንጻር ዳዕሽ ዝተወስደ ስጉምቲ ከየሰናኽልን ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ኣብ ዝተፈለለየ ቤት-ማእሰርታት፡ ልዕሊ 12000 ጥርጡራት ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ሒዞሞ ከምዘለው ይሕብሩ። ካብኦም ከኣ እቶም 4000 ናይ ወጻኢ ዜጋታት እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት