ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ እገዳ ክግበር ጸዊዖም

ሰልፈኛታት ኣንጻር ቱርኪ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ Image copyright Getty Images

ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣሜሪካ፡ ቱርኪ በቲ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን እትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ እገዳ ክግበረላ ጸዊዖም።

እዞም 29 ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ እገዳ ንምውሳን ሓዲሽ ሕጊ ከም ዝነደፉ ሓቢሮም ኣለው።

እቶም ኣባላት ባይቶ፤ ቱርኪ ንመሓዙትና ኩርዳውያን ብዘይንሕሰያ ብምጥቅዓ፡ ከቢድ ሳዕቤን ክትቅበል ከምዘለዋ ኣመልኪቶም።

ሰራዊት ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ ኣብቲ ዞባ ኣቲዩ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ገዛውቶም ራሕሪሖም ከምዝሃደሙ ይግለጽ ኣሎ።

ቱርኪ ወደሃደራዊ ስጉምቲ ኣንጻር ኩርዳውያን ክትወስድ ዓቢ ዕድል ከም ዝፈጠራ ብዙሓት ወገናት ነቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተወስደ ስጉምቲ ይነቕፉ።

ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ'ውን ብወገኖም፡ ነቲ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ኮኒኖም ኣለው።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ብወገኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ምሊሻ ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹ።

ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብ ጐኒ ኣሜሪካ ተሰሊፎም ነቶም ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱ ይንገር። እንተኾነ ግና፡ በቲ ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ''ከም ጥልመት'' ከምዝርእይዎ ገሊጾም።

እቲ ውግእ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ከይዓርግን ምጽናት ዓሌት ኩርዳውያን ከምኡ'ውን ዳግማይ ምብርባር ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ከየስዕብ ይፍራሕ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ቱርኪ፡ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ ተጠቒማ፡ ነቶም ብኣሜሪካ ክድገፉ ዝጸንሑ ኩርዳውያን ሓይልታት እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኣሜሪካ 'ንቱርኪ ብቑጠባ ከተዕንዋ'ያ' ክብል ትራምፕ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት