ኢራን፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምእተሃርመት ገሊጻ

ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተሃሪማ Image copyright AFP

ኣብ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ፡ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ኢራን ከምዝተሃርመት ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።

እዛ ብሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ኢራን እትውነን መርከብ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ጂዳ ናይ ስዑዲ ኣስታት 97 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተቓጸለት እቲ ዜና ይሕብር።

ክልተ ቀንዲ ኣጋንእ ነዳዲ ናይታ መርከብ ከምዝዓነወን፡ ብዙሕ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝለሓዀን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየሎ ግን ተገሊጹ።

ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ኢራን፡ እታ መርከብ ብሚሳል ከምእተሃርመት እኳ እንተገለጸ ዘቕረቦ መርተዖ ግን የለን። ይኹን እምበር እቲ ኩባንያ ነቲ ባርዕ ከምዝተቖጻጸርዎን ነቲ ናብ ባሕሪ ዝውሕዝ ዝነበረ ላሕኵ ነዳዲ ከምዝነከይዎን ብማዕከን ዜና ኢራን ሓቢሩ።

ሃገራዊት ተሌቪዥን ኢራን እታ ነዳዲ እትጽዕን መርከብ 'ሲኖፓ' ከም እትብሃልን ናብቲ ጽኑዕ ዓለማዊ እገዳ ተነቢርዎ ዘሎ ክፋል ሶርያ ነዳዲ ተበጻጽሕ ከምዝነበረትን ይጠቅስ።

ምቅጻል ናይዛ መርከብ፤ ኣብ ሞንጎ ስዑድን ኢራንን ዘሎ ወጥሪ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ዘጋጥም ዘሎ'ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ 18 ድሮን 'ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ' ከምኡ እውን ሸውዓተ ሚሳይላት ኣብ ስዑዲ ኣብ ዝርከብ መዐደን ነዳዲ ከምዝሃረማ ይዝከር።

ስዑዲ ነዚ ኣብ ልዕሊ መዐደን ነዳዲኣ ዘጋጠመ ደብዳብ፡ ኢራን እያ ፈጺማቶ'ያ ትብል።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ እውን ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ኣብ ልዕሊ ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ዝተጸፈመ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን ፈጺማቶ ኢሎም'ዮም ዝኸሱ።

እንተኾነ ኢራን ነዚ ኩሉ መጥቃዕትታት ከምዘይፈጸመቶ እያ ትገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ