ኬንያዊ ጎያዪ ኢሉድ ኪፕቾገ ንማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምዝዛሙ ታሪኽ ሰሪሑ

ኬንያዊ ጎያዪ ኢሉድ ኪፕቾገ ንማራቶም ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምዝዛሙ ታሪኽ ሰሪሑ

ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ ሎሚ ኣብ ቬና ኣብ ዝገበሮ ውድድር፡ ንማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምውድኡ ታሪክ ሰሪሑ።

ኢሉድ ኪፕቾገ ን42ኪሎ ሜተር ብ1 ሰዓትን፡ 59 ደቂቕን 40 ካልኢትን'ዩ ዛዚምዎ።

ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ንማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ንምዝዛም ኩሉ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ናብዚ ውድድር ኣትዩ።

ወዲ 34 ዓመት ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ኣብ 2017 ንማራቶን ብ1 ሰዓትን 59 ደቂቕን ንምዝዛም ዝገበሮ ፈተነ 26 ካልኢት ብምድንጓዩ ክሰምረሉ ኣይከኣለን።

እዚ ክብረ ወሰን ውድድር ማራቶን ሒዙ ዘሎ ጎያያይ፡ ኣብዚ ሎሚ ቀዳም ዘመዝግቦ ግዜ ብኣቃላጠፍቲ ስለዝሕገዝ ከም ክብረ ወሰን ኣይክተሓዘሉን'ዩ።

"ታሪኽ ንምስራሕ'የ ክጎዩ" ዝበለ ኬንያዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ፡ "ንወዲ ሰብ ዝኽልክል ደረት ከምዘየለ ኸኣ ከርኢ'የ" እውን ኢሉ።

ኬንያዊ ኦሎምፒካዊ ጎያያይ ኢሉድ ኪፕቾገ ንማራቶን ሎንዶን፡ ሎሚ ዓመት ብ2 ሰዓተን 25 ካልኢትን ንራብዓይ ግዜ ተዓዊቱሉ።

ይኹን እምበር ነቲ ብናይክ ዝተዳለወ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝተኻየደ 'ሞንዛ ግረንድ' ዝተሰመየ ክብረ ወሰን ናይ ምስባር ፈተነ ክሰልጦ ኣይከኣለን።

እዚ ሎሚ ቀዳም ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሰዓት 9፡15 ናይ ንግሆ ዝጀመረ ውድድር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣውስትርያ 26.2 ማይል ኮይኑ፡ 5.97 ማይል ንውሓት ኣብ ዘለዎ ክቢ 4.4 ግዜ ክኾልል እኡ ነይሩ።

እዚ ቦታ ዝተመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ዘለዎ ክሊማ ከም ቀዳማይ ረቋሒ ከምዝተወሰደን፡ ጎልጎል ብምዃኑ እውን ከም ካልኣይ ይጥቀስ። ኣብ ምሉእ ናይ ውድድር ቦታ 2.4 ሜትሮ ጥራይ'ዩ ብራኸ ነይርዎ።

እዚ ውድድር፡ ብርጣንያዊ ሚልዮነር ሰር ጂም ራትክሊፍ ወናኒ ኢኖይስ ዝተባህለ ትካል ዝተመወለ እዩ።

ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ቅድሚ ውድድተር ኣብ ናይ ውድድር ቦታ ዘይከም ዝሓለፈ ተዓዘብቲ ብብዝሒ ክርኢ ከምዝትስፎ ብምሕባር "እኹል ምድላዋት'የ ገይረ፡ ምሕሳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ስዓተይ ክውድእ'የ" ኢሉ።

ኢሉድ ኪፕቾገ ብ41 ኣቀላጠፍቲ ጎየይትን ፍጥነቱ እናተቖጻጸረት ብጨረር እትሕብሮ መኪና እናተሓገዘ እዩ ውድድሩ ኣካይዱ።

እዞም ኣቀላጠፍቲ ጎየይቲ፡ ነብሲ ወከፎም ክልተ ዙር እናዘሩ፡ ኢሉድ ኪፕቾገ እውን ኣብ ነብሲ ወከፍ 3.1 ማይል፡ ኣብ ክንዲ ካብ ዝተዳለወ ማይ እናኣልዓለ ዝሰቲ ካብታ ጎኒ ጎኑ እትኸይድ ሞተር ብሽክለታ ማይ ይውሃቦ ነይሩ።

ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ብሕጊ ዓለማዊ ማሕበር ኣትሌቲክስ ዓለም ስለዘይፍቀድ ኢሉድ ኪፕቾገ፡ ዘመዝግቦ ግዜ ከም ክብረ ወሰን ኣይክምዝገበሉን እዩ።

ኢሉድ ኪፕቾገ ኣብ 2018 ኣብ ማራቶን በርሊን ንውድድሩ 2:01:39 ብምዝዛሙ ክብረ ወሰን ክሕዝ እንከሎ፡ ኢትዮጵያዊ ቀነኒሳ በቀለ፡ ሎሚ ዓመት ንውድድሩ ካብ ናይ 2:01:41 ብምዝዛም ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ።

"እቲ ናይ ቅድም ኣብ በርሊን'ዩ ነይሩ እዚ ግን ቬና'ዩ" ዝበለ ኢሉድ ኪፕቾገ፡ "ናይ ብርሊን ክብረ ወሰን'ዩ እዚ ግን ታሪኽ'ዩ፡ ልክዕ ከምቲ ወዲ ሰብ ናብ ወርሒ ዝዓለቦ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ