ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ 15 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ጥቓ ከተማ ጎሮም ጎሮም ዝተመደቡ ሰራዊት Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ሰራዊት ኣትዩ

ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 15 ሰባት ተቐቲሎም።

ዓርቢ ኣጋ ምሸት፡ ኣጽዋር ዝተዓጠቑ ሰባት ናብቲ ኣብ ቁሸት ሳልሞሲ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ብምእታው፡ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ ሰባት ኣጥቂዖም።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ፡ ናብ ዶብ ማሊ ክሃድሙ ምኽንያት ኮይኑ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ መብዛሕትኡ እዋን ጅሃዳውያን ጉጅለታት ብዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ሓደ ነባሪ ከተማ ጎሮም-ጎሮም ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዙሓት ሰባት፡ ካብዚ ቑሸት ሃዲሞም'ዮም" ኢሉ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ኣብ ቢርኪናፋሶ መጥቃዕታት ጅሃዳውያን እናበርተዐ ዝመጽአ ክኸውን ከሎ፡ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕጺዮም'ዮም።

ኣብ 2012፡ ወተሃደራት ፈረንሳ፡ ንሰሜናዊ ክፋል ማሊ ተቖጻጺሮም ንዝነበሩ እስላማውያን ዕጡቓት ምስደፍእዎም፡ ግጭታት ዶብ ሰጊሩ ክርኣይ ጀሚሩ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ይብል።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዕደና ወርቂ፡ 20 ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ሃለዋት ወተሃደራት ወጻእን ብምቅዋም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።

ተወሳኺ ዛንታ