ኩርዳውያን፡ ንእሱራት ኣይኤስ ምሕላው ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ ኣይኮነን ኢሎም

ልዕሊ 100 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት፡ ካብቲ ኩርዳውያን ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ወጺኦም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት፡ ካብቲ ኩርዳውያን ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ወጺኦም

ቱርኪ ሰፈሕ መጥቃዕቲ ዝኸፈተትሎም ኩርዳውያን ሓይልታት፡ እንተደኣ እቲ መጥቃዕቲ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣሸሓት ኣባላት ኣይኤስ ምሕላው ቀዳምነት ዝህብዎ ጉዳይ ከም ዘይኸውን ገሊጾም።

ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንሰሜናዊ-ምብራቕ ሶርያ ተቖጻጺሮም ዝርከቡን ብ 'ሓይልታት ዴሞክራሲ ሶርያ' ዝፍለጡን ኩርዳውያን ክተጥቅዕ ዝጀመረት፡ ብሮቡዕ እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ልዕሊ 50 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ።

ቱርኪ ነቶም ኩርዳውያን ሓይልታት ከም ኣሸበርቲ እያ እትርእዮም። ካብ ከባብታት ዶብ 30 ኪሜ ናብ ውሽጢ ሶርያ ክትደፍኦም እሞ፡ "ውሑስ ዞባ" ክትፈጥር ድማ ትደልይ።

ኣብቲ "ውሑስ ዞባ" ድማ፡ ሕዚ ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት፡ ክተስፍር ትህቅን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ኩርዳውያን ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ከም ዝሃደሙ ይገልጽ።

ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዝርከብ ምምሕዳር ኩርዳውያን ግን፡ ቁጽሪ እቶም ተመዛበልቲ ልዕሊ 191,000 እዩ ይብል።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ክስሕቡ ምስ ኣዘዘ፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ እቶም ኩርዳውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ዝኸፈተት።

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ኣብ ጐኒ ኣመሪካ ብምስላፍ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ክዋግኡ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባል ኣይኤስ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኩርዳውያን

ኩርዳውያን እንታይ'ዮም ኢሎም?

ኣብ ከባብታት ዶብ ምስ ቱርኪ ዝዋጋኡ ዘለዉ ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ኣብቲ ንሶም ዘመሓድርዎ ከባብታት ንዘለዉ እሱራት ኣይኤስ ንምሕላው ከም ዘጸገመሎም ብቴሌቪዥን ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

"ንእሱራት ኣይኤስ ምሕላው ድሕሪ ሕዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን። እዞም እሱራት ጽኑዕ ሓለዋ ክግበረሎም ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ዝኾነ ኣካል መጺኡ ፍታሕ ከናዲ ይኽእል እዩ" ድማ ኢሎም።

ኣብ ክንዲ እሱራት ኣይኤስ ምሕላው፡ ቀንዲ ትኹረቶም ንከተማታቶም ምውሓስ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጦም።

መጥቃዕቲ ቱርኪ፡ ዕጡቓት ኣይኤስ ንርእሶም ከም ብሓድሽ ክውድቡ መገዲ ዝኸፍት እዩ ክብሉ ድማ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ገለ ከባብታት፡ ዋህዮታት ኣይኤስ ክስዕርሩ ከም ዝጀመሩ'ውን ገሊጾም።