እስክንድር ነጋ ዝመርሖ ቤት ምኽሪ "ባለ ኣደራ" ዝወደቦ ሰልፊ ክስርዝ ከም ዝተገደደ ገሊጹ

እስክንድር ነጋ
ናይ ምስሊ መግለጺ እስክንድር ነጋ

'ቤት ምኽሪ ባለኣደራ ኣዲስ ኣበባ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ንሰንበት 2 ጥቅምቲ/ 13 ጥቅምቲ 2019 ከካይዶ መደብ ዝሓዘሉ ሰላማዊ ሰልፊ ክስርዝ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ቤት ምኽሪ እስክንድር ነጋ ኣብ ትዊተሩ ከም ዝገለጾ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቲ ሰልፊ ከይካየድ ስለ ዝኸልከለ እዩ እቲ መደብ ተሰሪዙ።

ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰንበት ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን፡ ህዝባዊ ኣኼባ ከም ዘይህሉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እዚ፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምግባር "ንሰላም እታ ሃገርን ንውሕስነት ህዝባን ቀዳምነት ብምሃብ እቲ ሰልፊ ተሰሪዙ'ሎ" ኢሉ።

ትማሊ ቀዳም፡ ብዙሓት ኣባላት 'ቤት ምኽሪ ባለኣደራ' ከም ዝተኣሰሩ እስክንድር ነጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ።

ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ሓደ ዝኾነ ናትናኤል ያለምዘውድ፡ ሰባት ናብቲ ሰልፊ ንክመጽኡ ከጓሳጉስ ኣብ ዝወጽአሉ፡ ብቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ 'ፒያሳ' ከም ዝተኣሰረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰልፊ ከም ዘየለን ዓሪፍና ኮፍ ክንብልን ነጊሮም ምሸት ፈቲሖምና" ድማ ኢሉ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ሰልፊ ከም ዝኸልከሎን፡ ጎስጓስ ክገብር ከም ዘይክእል ከም ዝተሓበሮ እውን ናትናኤል ይዛረብ።

ካብቶም መርመርቲ እቲ ሓደ "ንናትካ ውሕስነት ክንብል ኢና ኣሲርናካ" ከም ዝበሎ እውን ንቢቢሲ ገሊጹ።

'ብናትኩም ሰልፊ ዝተቖጥዑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጽኡ ሰባት፡ ጉድኣት ከብጽሕልኩም ስለ ዝሃቀኑ ንናትኩም ውሕስነት ኢና ሒዝናኩም' ከም ዝበልዎ ዝተዛረበ ናትናኤል "ሓበሬታ እንተሃልዩኩም፡ ነቶም ጉድኣት ከብጽሑ ዝመጽኡ ሰባት ዘይትሕዝዎም?" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ንሱ ተኣሲርሉ ዝነበረ ኣብ ፒያሳ ኣብ ጥቓ ሆቴል ጣይቱ ዝርከብ መደብር ፖሊስ፡ ኣስታት ዕስራ ዝኾኑ ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተኣሲሮም ምንባሮም፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተቐየዱ ኣባላቶም ከም ዝነበሩ'ውን ይዛረብ።

ንዕኡ ሓዊሱ፡ መብዛሕተኦም ካብቶም ዝተኣሰሩ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት 2 ጥቅምቲ ሰዓት ኣርባዕተ ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እዚ ማእሰርቲ፡ ዛጊድ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ 'መስቀል ኣደባባይ' ሰልፊ ዝጸውዐ "እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ጅማሮ ስርዓት ዴሞክራሲ ስለ ዝተጨወየ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ መገድታት ድምጾም ከም ዘስምዑ ዝገለጸ እስክንድር ነጋ፡ ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ ግን ነቲ ሰልፊ ክጽውዑ ከም ዝተገደዱ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ሰልፊ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጽዕንቶ ንምሕዳር፡ ከም ስራሕ ደው ናይ ምባል ዝኣመሰሉ ኣድማ 'ስልትታት ቃልሲ' ከም ዝኣትዉ ገሊጹ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት