ተዓጽዩ ዝነበረ፡ ካብ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መገዲ ተኸፊቱ

ካብ ባህር ዳር ናብ አዲስ አበባ ዝወስድ መገዲ ተኸፊቱ Image copyright Veronique DURRUTY

ካብ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መገዲ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ 'ጎሃ ጽዮን' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተዓጸወ ኮይኑ፡ ቀዳም ኣጋ ግዜ ከም ዝተኸፈተ ሰብመዚ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ደጀን፡ ኣይተ ካሳሁን አስፋው "ቀደሙ'ውን እቲ መገዲ ዝተዓጸወሉ ምኽንያት ግቡእ ኣይነበረን። እቲ መገዲ ንምንታይ ተዓጽዩ፡ ንምንታይከ ተኸፊቱ ዝብል ዝተገለጸልና ምኽንያት የለን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ኦሮሚያ ናብ ዘለዉ ሰባት ክንድውል እንከለና፤ እቲ መገዲ ኣይተዓጸወን ክፉት እዩ ይብሉና፤ መካይን ክንሰድድ እንከለና ድማ ተመሊሰን ይመጽኣ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኹነታት ኣብሪሁ።

ካብ ጎንደር ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ዘላ ትእግስት ደሴ፡ እቲ መገዲ ተኸፊቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞኣ ከም ዝቐጸለት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ትእግስት፡ ትማሊ ንቢቢሲ ክትዛረብ እንከላ፡ እቲ መገዲ ካብ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ከም ዝተዓጸወን፤ ብዙሓት መካይን ተሰሪዐን ከም ዝረኣየትን ገሊጻ ነይራ።

"ሎሚ ንጉሆ [ሰንበት] ካብ ደጀን ተበጊስና ናብ አዲስ ኣበባ ጉዕዞ ንገብር ኣለና። ሕዚ ፍቼ ኣብ ዝበሃል ከባቢ በጺሕና ኣለና" ክትብል ሎሚ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብምኽንያት ምዕጻው እቲ መገዲ፡ ንመዓልታት ከም ዝተንከላበተት ድማ ሓቢራ። ብቀዳም ጉዕዘኦም ተሰናኺሉ፡ ናብ ከተማ ደጀን ተመሊሶም ክሓድሩ ከም ዝተገገዱ እውን ገሊጻ።

ኣብ ከተማ ደጀን፡ ንኹሉ መገደኛ ከአንግዱ ዝኽእሉ ሆቴላት ስለ ዘየለዉ ድማ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ቤተክርስትያን፣ ኣብ እንዳሰብን ኣብ መረባታትን ከም ዝሓደረ ትዛረብ።

"ሓንሳብ ካብ መኪና ወሪድና ተፈቲሽና። እቲ መገዲ ሰላም እዩ" ክትብል ነቲ ሎሚ ዝሎ ኩነታት ገሊጻ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ደጀን ኣይተ ካሳሁን ኣስፋው፡ እቲ መገዲ ቀዳም ኣጋግዘ እዩ ተኸፊቱ ይብሉ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣይተ ለማ ሆርዶፋ ግን፡ እቲ መገዲ ቀደሙ'ውን እንተኾነ ኣይተዓጸወን ነይሩ ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት