ህንዲ፡ ሓዳሽ ዝተወልደት ህጻን ብህይወታ ኣብ መቓብር ተረኺባ

ቆልዓ ክልተ ሰሙን Image copyright Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ህንዲ፡ ሓዳሽ ዝተወልደት ህጻን ብህይወታ ተቐቢራ ከም ዝተረኸበት ፖሊስ ገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንጋዜጠኛታት ከም ዝበሎ፡ እታ ህጻን ምስ ተወለደት ድሕሪ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ዝሞተት ጓሉ ክቐብር ጉድጓድ ይኩዕት ብዝነበረ ሰብኣይ'ያ ተረኺባ።

"እዞም ዝሞተት ውላዶም ክቐብሩ ዝመጽኡ ጉድጓድ እናኩዓቱ ከለው፡ እቲ ባዴላ ኣብ ውሽጢ ይሰግድ ነይሩ። ምስ ረኣዩዎ፡ ህጻን ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ከም ዘሎ ፈሊጦም" ኢሉ ፖሊስ።

ሕጂ እታ ህጻን ኣብ ሆስፒታል ክንክን ሕክምና ይግበረላ ኣሎ ዝበለ ፖሊስ፡ ምኽንያት እዚ ጉዳይ የጻሪ ምህላዩ ሓቢሩ።

"ስድራ እታ ህጻን ንምርካብ ንጽዕር ኣለና። ብፍልጦኦም ዝኾነ ነገር'ዩ ኢልና ድማ ንጥርጥር" ኢሉ።

ኣብ ህንዲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኣድልዎ ዝተቓልዓ ኮይነን፡ ብፍላይ ካብቲ ትሑት ቑጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበረሰብ ዝተረኽባ ኣዋልድ ፋይናንሳዊ ሸኽሚ'የን ተባሂሉ ይእመን።

እዚ ባህላዊ እምነት፡ ዝለዓለ ዝንባለ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ደቂ ተባዕትዮ ክኸውን ብምግባሩ፡ ኣብታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ካብ ድቂ ጀሚሩ ምስ ተወለዳ ክውገዳ ከም ዝግበር፡ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ