ኣህጉራዊ መዓልቲ ድኽነት፡ ቁጽሪ ድኻታት ናይ ብሓቂ ይንኪ'ሎ ድዩ?

ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት ርብዒ ቢልዮን ካብ ህዝባ ካብ መስመር ድኽንት ከም ዘውጸአት ባንኪ ዓለም ይሕብር Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት ርብዒ ቢልዮን ካብ ህዝባ ካብ መስመር ድኽንት ከም ዘውጸአት ባንኪ ዓለም ይሕብር

ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወለዶ፡ ልዕሊ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ካብ ድኽነት ከም ዝወጽአ ይሕብር።

እዚ ኸኣ እዛ ዓለም ኣብ ውሽጢ እዚ ዘመን እዚ፡ ካብ ዘመዝገበቶም ዓወታት እቲ ዘሐጉስ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ካብ 1990 ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ቁጽሪ ኣብ መስመር ድኽነት ዝነበሩ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ሰባት (ትሕቲ 1.90 ዶላር ንመዓልቲ ኣታዊ ዘለዎም)፡ ናብ 735 ሚልዮን ጎዲሉ፡ እዚ ማለት ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ናይ ዝነብሩ ህዝቢ ዓለም ካብ 36 ሚእታዊት ናብ 10 ሚእታዊት ጎዲሉ ይርከብ።

እንተኾነ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዝውዳእ ከምዘይኮነ'ዮም ክኢላታት ስነ ቁጠባ ዝሕብሩ።

ማርቲን ራቫላን ዳይረክትር መጽናዕትን ምክትል ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ዝነበረ እዩ "ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ሰፊሕ ማሕበራዊ ለውጥን እቲ ቀንዲ ብድሆ ዘይምዕሩይ ለውጢ'ዩ" ይብል።

'ክልተ ዓይነት ፍጥነት'

ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ሰፊሕ ዘይኮነ ዕብየት፡ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዘሎ ግርጭታት ንገለ ሃገራት ኣብ ምጥፋእ ድኽንት ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ርኡይ ለውጢ ንኸየመዝግባ ካብ ዝዓገተን ረቋሒታት ምዃኑ ይሕብር።

እንተኾነ፡ ኣብ ቻይናን ህንድን ቢልዮናት ኣህዛብ ካብ መስመር ድኽነት ክወጽኡ ክኢሎም እዮም። ኣብ ትሕተ ሳህራ ዘለዋ ሃገራት ግን ብዝሑ ትሕቲ መስመር ድኽነት ናይ ዘለዉ ህዝቢ ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝነበሮ ዛይዱ ይርከብ።

ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይረክተር ምቁጽጻር ድኽነት ዝኾነት ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርት ዓመታት፡ ዓለም ኣንጻር ድኽነት ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ ብኽልተ ዓይነት ፍጥነት እያ ትኸይድ ዘላ" ትብል።

ካብቶም ቀንዲ ኣርባዕተ ረቋሒታት ዝበለቶም ከኣ ንቢቢሲ ኣካፊላ'ላ።

1. ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዘሎ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅልጣፈ

"ኣብቲ ዝተሓተን መሰረታውን ዝኾነ ዕቤት እንተርኢና፡ ኣብ ትሕተ ሳህራ፡ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን፤ ደቡብ ኤስያን ዘለዋ ሃገራት ትሑት ዝኾነ ውጽኢት'የን ኣመዝጊበን። እዚ ምስቲ ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ እዘን ሃገራት፡ ትሑት ፍርያምነት ብምንጽጻር ኣብ ዝተሓተ መስመር ድኽነት እየን ዝርከባ" ትብል።

"ሃገራት ዕቤት ዘየርእያ እንድሕር ኮይነን፡ ንድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዝገብረኦ ቃልሲ ዓወት ክሕረመን ግድን'ዩ። ምኽንያቱ ምዕባለ ካብ ምዕሩይ ዝርገሐ እዩ ክመጽእ ዘለዎ" ክትብል ትውስኽ።

2. ርሒብ ዘይኮነ ዕብየት

ቀጸልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ሓደ ኣገዳሲ ረቋሒ ኮይኑ፡ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ንበይኑ ኣኻሊ ከምዘይኮነ'ያ ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ ትጠቅስ።

ኣብ ገለ ሃገራት ጽቡቕ ዕብየት ኣርእየን ክንሰን፡ ቁጽር ድኻታት እተን ሃገራት ግን ክነኪ ኣይተራእየን፡ ኣብ ተሕተ ሳህራ ዘለዋ ሃገራት ሃገራት ከም ኣብነት እንተተወሲደን፡ እቲ ዝተኸለኦ ቁጠባ ንውሑዳት ጥራይ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ'ዩ፡ ትብል ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ።

ቀጺላ "ንድኻታት ስራሕ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም'ዩ፡ እኩል ናይ ስራሕ ዕድላት እንተዘይረኺቦም ግን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዓወት ክምዝገብ ኣይክእልን'ዩ"።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዕዉት ንኽኸውን፡ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠረሎም ኣለዎ

3. ቀረብ ትሕተ ቅር

ቁጠባቂ ብልጻገ ሰባት ኣታዊ ስለዘለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቀረብ ትምህርትን ቀረብ ፋይናንስያውያን ትካላትን ትሕተ ቅርጽን እውን ምስ ዝህልዎም እዩ።

ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ፡ እዞም ረቋሒታት እዚኦም ምስ ዝጎድሉ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዝምዝገብ ብራኸ ዕብየት ኣሉታዊ ተራ ከምዝህልዎም እያ ትጠቅስ።

ኣብ ማለዥያን ደቡባውን ምብራቕን አስያ ንዘሎ ኩነታት ኸኣ ከም ኣብነት ተቕርብ "ብውሑዱ እዞም ኩሎም ረቋሒታት ብሓደ ይኸዱ ኣለዉ" ትብል።

ብዓምለኻዊ መዐቀኒታት ኣብ መለዥያ መጠን ድኸነት፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ዚሮ እዩ ዘሎ፡ እታ ሃገር ብእትህቦ መስፈር ግን 'ገና ኣለኹ" እያ ትብል።

ብምነጽጻር፡ ኣብ ብራዚል መጠን ደኽነት ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበሮ 21.6 ሚእታዊት፡ ኣብ 2014 ናብ 2.8 ሚእታዊት ጎዲሉ ነይሩ።

ኣብ 2017 ናብ 4.8 ሚእታዊት ክብ ብምባሉ ግን ኣብ ህይወት ልዕሊ 10 ሚልዮን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምጽእ ክኢሉ'ዩ።

4. ግርጭት

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት፡ ፖሎቲካውን ህዝባውን ግርጭታት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ክምዝገብ ዝነበሮ ዓወታት ካብ ዝዓንቐጸ ረቋሒታት ሓደ እዩ።

"እተን ኣብ ግርጭት ዘለዋ ሃገራት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዘመዝገበኦ ዓወታት ምስተን ኣብ ርግኣት ዘለዋ ሃገራት ዘመዝገበኦ ዓወታት ብምውድዳር፡ ግርጭት ሓደ ዓንቃጺ ነገር ምኳኑ ንምርዳእ ኣየሸግርን" ትብል ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ።

ኣብ 2015፡ ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከቡ ህዝቢ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዘርገሐ እዩ፡ ኣብ ህንዲ፡ ናይጀርያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢንዮጵያን ባንግላድሽን።

ክኢላታት ስነቁጠባ ከም ዝሕብርዎ፡ ናይጀርያ ነታ ብብዝሒ ድኻታት ኣብ ቅድሚት ዘላ ህንዲ ክትቅድማ ከም እትክእል ይሕብሩ።

ዋላ እኳ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድክነት ጽቡቅ ገስጋስ እንተኣርኣያ፡ ኣብ ትሕተ ሳህራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ግን ግስጋሰኣን ድሩት እዩ ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ