ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራን መንነትን ቅማንት ካበይ ናበይ?

ካርታ ጎንደር Image copyright Google Earth

ሕቶ መንነት ቅማንት ኣብ ዝተልዓለሎም ከባቢታት፡ ጎንጽታት እናተፈጥሩ ህይወት ሰባት ክጠፍእ፣ ንብረት ክዓኑ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ፡ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ክመዛበሉ ጸኒሖም።

ምኽንያት እዞም ጎንጽታት እንታይ'ዩ? ንሕቶ እዚ ማሕበረሰብ ዝተውሃበ ምላሽ ከ? ሕቶ መንነትን መሰል ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕዚ እንታይ ይመስል?

ታሪክ-ሕቶ ንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት

ህዝቢ ቅማንት፡ ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ ኣብ ክፍለ ሃገር ጎንደር፡ ብናይ ሕጂ ድማ ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ዝነብር ህዝቢ'ዩ።

ብፍላይ ኣብ ዙርያ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ኣርማጭሆ፣ ወገራን ጭልጋን፡ እዚ ህዝቢ ብብዝሒ ይንብር።

ኢህወደግ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ብመሰረት ኣብ ቋንቋ ዝተሞርኮሰ ፌደራሊዝም፡ ስልጣን ንክልላትን ፌደራልን ዝኸፋፈለ ስርዓት ሃኒጹ።

ሕቶ መንነት ቅማንት ድማ፡ እዚ ስርዓት ምስ ተተግበረ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ1984 ዓ.ም ከም ዝተልዓለ፡ ኣብ ዙርያ ሕቶ መንነት ቅማንት መጽናዕቲ ዘካየደ ኣቶ ቹቹ ኣለባቸው የረድእ።

"ሕቶ መንነት ቅማንት ካበይ ናበይ-ካብ ሕቶ መንነት ክሳብ መሰል ዓርሰ ምሕደራን ምስረታ ፖለቲካዊ ሰልፊን" ኣብ ዝብል ጽሑፉ፡ እቲ ሕቶ ብህዝቢ ቅማንት ተቀባልነት ከምዘይነበሮ ይገልጽ።

ነቲ ሕቶ ኣብ ዝተውሃበ ምላሽ፡ "እዚ ዝሓዝኩሞ ሓሳብ ሓውና ምስ ዝኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ዘገራጩ'ዩ፤ ስለ ዝኾነ ኣይንቕበለኩምን" ዝብል ምንባሩ ይጠቅስ።

ኣብቲ ህዝቢ ተቐባልነት ምስ ስኣነ፡ ን15 ዓመታት ዝኸውን ተዓፊኑ ከይተልዓለ ዝጸንሐ ሕቶ ምኻኑ ድማ፡ እዚ መጽናዕቲ የመላኽት።

ሕቶ መንነት እንተዘይተልዓለ'ውን፡ ኣብ 1984 ብዝተኻየደ ቖጸራ ህዝብን ኣባይትን፡ እቲ ህዝቢ ዓርሱ ክኢሉ 'ቅማንት' ብዝብል መፍለዪ ኮድ ከም ዝተቖጸረ፡ ኣማኻሪ ሕጊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ መርሃጽድቅ መኮንን ይዛረብ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኩነታት በዚ ኣይቐጸለን። ብ1999 ዓ.ም ዝተኻየደ ቖጸራ ህዝብን ኣባይትን ግን፡ ሓድሽ ክስተት ሒዙ መጺኡ።

እቲ ዝጸንሐ 'ቅማንት' ዝብል መፍለዪ ኮድ ተፋሒቑ፡ "ኣምሓራ ወይ ካልእ" ብዝብል፡ ህዝቢ ቅማንት ክቑጸር ከም ዝተገበረ የረድእ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚቴ ሕቶ መንነት ቅማንት ኣቶ ይርሳው ቸኮል'ውን ብሓሳብ ኣቶ መርሃጽድቅ ይሰማማዕ።

"ቅማንት እንከለና፡ ስለ ምንታይ ካልእ' ተባሂልና ብዝብል፡ ተኣኪብና እዚ ሕቶ ክነልዕል ጀሚርና" ይብል።

ሓሙሽተ ሚኢታዊት ድምጺ ህዝቢ ቅማንት፤ 18500 ድምጺ ኣኪቦም መንነቶም ንክፍለጥ ንመንግስቲ እቲ ክልል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ኣቶ ይርሳው ይገልጽ።

እዚ ህዝቢ፡ ብዝተወደበ መልክዑ ሕቶ መንነት ምቕራብ ዝጀመረ ድማ ኣብዚ እዋን እዩ።

ነዚ ሕቶ ዝተውሃበ ምላሽ

ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት ንምምላስ፡ ባይቶ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ መጽናዕቲ ከም ዝካየድ ገይሩ።

ኣቶ ቹቹ ከም ዘመላኽቶ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ብዘበገሶ ዝቖሙ ኮሚቴታት ኣቢሉ፡ ኣብ 2003ን 2004ን ክልተ መጽናዕታት ተኻይዶም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ሕቶ መንነት ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ዝተመለሰሉ መገዲ ሞዴል ገይሩ ዝወሰደ'ዩ። ሕቶ ኣርጎባ ብ1998 ዓ.ም ፍሉይ ወረዳ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ብ2005 ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ከም ዝቐረበ ዝዛረብ ኣቶ መርሃጽድቅ፡ እቲ ባይቶ ኣብ ዙርያ ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት ብደረጃ ሰነድ ቀሪብሉ ዝዘተየሉ ፈላማይ መድረኽ እዩ ይብል።

ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ንክትምልስ፡ ክማልኡ ዝግበኦም ሓሙሽተ መዐቀኒታት ኣለው።

ሓበራዊ ባህሊ፣ ሓበራዊ መረዳድኢ ቋንቋ፣ እቲ ከባቢ ኩታ ገጠም (ሓደ) ምኻኑ፣ ብስነ ልቦና ነቲ ሕቶ ማንነት ናይ ዘቕረበ ብሄር ኣባል እየ ኢልካ ምእማንን፣ ዝተዛመደ ሃለዋት ምህላዩን ዝብሉ ኮይኖም፡ ሕቶ ኣርጎባ'ውን እዚ ኣማሊኡ ከም ዝተመለሰ ኣቶ መርሃጽዮን ይገልጽ።

እቲ መጽናዕቲ መሰረት ብምግባር፡ "እቲ ማሕበረሰብ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ ኣፍልጦ እንተተውሃቦ'ውን፡ ናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምሕደራን ነጻነትን ንምህናጽ ግን ሕገ መንግስታዊ መዐቐኒታት ኣየማልአን" ተባሂሉ ባይቶ እቲ ክልል ውድቂ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።

ሕቶ ማንነት ቅማንት ንክምለስ ሞዴል ተገይሩ ምስ ዝተወስደ ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ ምቅርራብ ዘይብሉ፣ ሓበራዊ መረዳድኢ ቋንቋ ዘይብሉ ብምኻኑን፡ ኩታ ገጠም (ሓባራዊ) ኣሰፋፍራ ስለ ዘይነበሮን፡ እቲ ሕቶ ንምምላስ ዘኽእል ሕገ መንግስታዊ ኣካይዳ ከም ዘይነበረ'ዩ ኣቶ መርሃጽድቅን ዝገልጽ።

እቲ ባይቶ ሰፊሕ ዘተ ዝገበረሉ እዚ ውሳነ፡ 174 ኣባላት እቲ ባይቶ ዓርሰ ምሕደራ እቲ ብሄረሰብ እንትቃወሙ፡ ሸውዓተ ደጊፎም 21 ድማ ብድምጸ ተዓቕቦ፡ ሕቶ ማንነት ቅማንት ውድቂ ተገይሩ።

"እዚ ከባቢ ናትካ'ዩ፤ ዓርስኻ ኣመሓድር ክትብሎ ዘኽእል ኩነታት ኣይነበረን። ዓርሰ ምሕደራ ንምውሳን ዘኽእሉ ሕገ መንግስታዊ መዐቀኒታት ኣይተማልኡን ብምባል፡ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ ቅማንት በቲ ባይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን" ኢሉ ኣቶ መርሃጽድቅ።

ምስ ኣምሓርኛ እናሓወስካ ውሑዳት ሰብ ጸጋ ዕድመ ዝዛረቡዎ ቋንቋ ቅማንት ንከይጠፍእን ጻዕሪ ከም ዝተገበረ ድማ ይሕብር።

ኣቶ ይርሳው ብወገኑ፡ ህዝቢ ቅማንት ሕገ መንግስታዊ መዐቀኒታት ዘማልአ ምኻኑ ይገልጽ።

ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝረዳድእሉ ቋንቋ እንተኾነ'ውን፡ ቋንቋ ቅማንት ከም ዘይሞተ ብምግላጽ፡ ሓደ ዓይነት ኣሰፋፍራ ህዝቢ፣ ብስነ ልቦና ድማ ቅማንት እየ ኢሉ ዝኣምን ህዝቢ ከም ዘሎን፡ ምስቲ ኣምሓራይ ተሓዊሱ ናይ ባዕሉ ባህሊ ዘለዎ ሕብረሰተብ ከም ዝኾነን የረድእ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ውሳነ፡ ንህዝቢ ቅማንት ኮነ ነቲ ኮሚቴ ከም ዘየሐጎሰ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሉዎ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ገሊጹ።

እቲ ፌደሬሽን ድማ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ነዚ ጉዳይ ዳግም ክሪኦ ኣለዎ ኢሉ መሊሱ እንትልእኾ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ2007 ዓ.ም፡ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ኣቶ ይርሳው የዘኻኽር።

ከመይ?

እቲ ክልል፡ ኣብ 2005 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ማሕበረሰብ ቅማንት ናይ ባዕሉ ማንነትን ምምሕዳርን ንምምስራት ሕገ መንግስታዊ መዐቀኒታት ምስ ኣማልአ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሕትኡ ብኸመይ ተቐባልነት ረኺቡ? ንኣቶ መርሃጽድቅ ዝቐረበሉ ሕቶ'ዩ።

ንሱ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ጎንፍታት እናበርትዑን ትካላት እናተዓጸውን ብምምጽኦም፡ ኣብ 2007 ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፡ 'እቲ ጉዳይ ዳግም ይርኣየለይ' ስለ ዝበለ፡ እቲ መጽናዕቲ ንኻልኣይ ግዜ ናብቲ ባይቶ ቀሪቡ።

እቲ ባይቶ፡ ሕቶ መንነት ቅማንት ንኻልኣይ ግዜ ንምርኣይ ከም ዝተገደደ ዝዛረብ ኣቶ መርሃጽድቅ፡ "እዚ ፖለቲካዊ ጽዕንቶ'ውን ነይሩዎ" ይብል።

እዚ ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ዝብሎ፡ ኣብ 2005፡ ኣብ ልዕሊ ኮሚቴ መንነት ቅማንት ቁጥዐ ክልዓል ዝገበረ ውሳነ ባይቶ እቲ ክልል ኣተሓሒዙ ይገልጾ።

"እቲ ውሳነ፡ እቲ ኮሚቴ ስለ ዘቆጥዐን ህይወት ሰባት እናጠፍአ ምስ መጽአን፡ እቶም ፖለቲከኛታት [ብፍላይ ድማ ብደረጃ ፌደራል ዝነበሩ ካድረታት ብኣዴን ጸቕጢ ስለ ዘሕደሩ]፡ ኢዶም ኣንዊሖም 'ቅማንት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ወስኑሎም፣ ህዝብና ስለ ዝኾኑ ናብ ዝኸዱዎ የብሎምን' ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡ'ዩ"።

ብመሰረት እዚ፡ ካብ ላዕላይ ኣርማጭሆ 25 ካብ ወረዳ ጭልጋ ድማ 17 ብድማር 42 ጣቢያታት ኣብ ዓርሰ ምሕደራን ፍሉይ ወረዳን ቅማንት ክውደቡ ተወሲኑ።

እዚ ካብ መዐቀኒታት ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ርሒቕኻ ብምኻድ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ ኣቶ መርሃጽዮን ይዛረብ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ውሳነ ነቲ ዝነበረ ጎንጺ ጠጠው ከብሎ ኣይክኣለን።

ቅሬታ ሕቶ ንነትን ምምዳርን ቅማንት

እቲ ክልል፡ ምምሕዳር ቅማንት 42 ጣቢያታት ሒዙ ፍሉይ ወረዳ ኮይኑ ክውደብ ወሲኑ። ይኹን'ምበር፡ ኮሚቴ መንነት ቅማንት እዚ ውሳነ ኣይተቐበሎን ይብል ኣቶ ይርሳው።

"ህዝቢ ብዘሳተፈ መልክዑ፡ 42 ጣቢያታት ሂበኩም'የ'ዩ ተባሂሉ" ይብል።

42 ጣቢያታት ንዓርሰ ምሕደራ ቅማንት ምውሳኖም ብምቅዋምን እኹል ኣይኮነን ብምባልን፡ ብ2007 ዓ.ም ኣብ ጭልጋ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

"እዞም 42 ጣቢያታት፡ ብዘተን ፖለቲካዊ ውሳነን ዝተኸለሉ እምበር፡ ህዝበ ውሳነ ኣይተኻየደሎምን" ኢሉ ይኣምን ኣቶ ይርሳው።

ጽሑፍ ኣቶ ቹቹ'ውን፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ወረዳታት ቅማንት ስራሕ መንግስቲ ጠጠው ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ስራሕ ንክጅመርን እቲ ውሳነ ግብራዊ ንክኸውንን፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሮቢት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2008 ምስ ህዝቢ ብምግጫው፡ ህይወት ሰብ ሓሊፉ'ዩ።

እቲ ጎንጺ'ውን ብሕዳር 2008 ኣብ ከባቢ ሽንፋእ ቐጺሉ ክብል የረድእ።

እቲ ውሳነ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ እቶም ሕቶ መንነት ዘቕረቡ ደጊሞም ቅርትኦም ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እንተቕረቡ'ውን፡ 'መንግስቲ እቲ ክልል ይወድኣዮ' ዝብል ተመሳሳሊ ምላሽ ከም ዝተውሃቦም ኣቶ ይርሳው ይዛረብ።

ንሰለስተ ዓመታት እቲ ጉዳይ መዕለቢ ከይረኸበ ምስ ቐጸለ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም፡ እቲ ሕቶ ክፍታሕ ኣለዎ ብዝብል ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ከም ዝተሰማምዑ ኣቶ ይርሳው ይዛረብ።

በዚ መሰረት፡ ሕቶ መንነት ቅማንት ካብ ዘቕርብ ኣካልን መንግስትን ዝተውጻእጽአ ጥሙር ኮሚቴ ተወዲቡ መጽናዕቲ ምስ ተኻየደ፡ ተወሳኺ 21 ጣቢያታት ናብ ቅማንት ክኽለሉ ተባሂሉ፡ ናብ ዓርሰ ምሕደራ ቅማንት ተወሲኾም።

ብተመሳሳሊ፡ እዞም ጣቢያታት እንትኽለሉ ህዝበ ውሳነ ከም ዘይተኻየደን፡ "ብዘተን ፖለቲካዊ ውሳነን" ዝተኻለሉ ከም ዝኾኑ ኣቶ መርሃጽዮንን ኣቶ ይርሳውን የረድኡ።

እቲ ልፍንታዊ ኮሚቴ፡ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ምዕራብን ጎንደር ብምዝውዋር፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ጣቢያታት ኣዛትዩ'ዩ።

ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣብ 2010 ዓ.ም፡ 12 ጣቢያታት ብህዝበ ውሳነ ክንውስን ኢና ዝብል ምላሽ ከም ዝሃቡዎም ኣቶ ይርሳው የዘኻኽር።

ዋላ'ኳ እቶም ጣቢያታት ናይ ባዕሎም ምምሕዳር ብናይ ባዕሎም ድምጺ ንምውሳን እንተሓሰቡ'ውን፡ ኣብ ኣርባዕተ ጣቢያታት ጭልጋ ናዕቢ ስለ ዝተፈጥረ፡ ምርጫ ከይተኻየደ ተሪፉ'ዩ ኢሉ።

ካብ 12 ኣብ ሸሞንተ ጣቢያታት ድምጺ ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ፡ እቶም ሸውዓተ ናብቲ ነባር ምምሕዳር ክኽለሉ እንትውሰን፡ እታ ሓንቲ ጣቢያ ድማ ናብ ዓርሰ ምምሕዳር ቅማንት ክትኽለል ከም ዝተወሰነ ይገልጽ።

ኣብ ከይዲ ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት፡ ብህዝበ ውሳነ ዝተጸምበረት ብሕታዊት ጣቢያ ድማ፡ እዛ ሓንቲ ጣቢያ'ያ።

በቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ህዝበ ውሳነ ዘይተኻየደሎም ኣርባዕተ ጣቢያታት፡ እቲ ኮሚቴ ምስ ነበርቲ ምስ ተመያየጠ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብ ዓርሰ ምምሕዳር ቅማንት፡ እቶም ክልተ ድማ ናብቲ ነባር ምምሕዳር ክኽለሉ ተገይሮም ይብል ኣቶ ይርሳው።

በዚ ኩነታት፡ ኣብ ዘተ፣ ፖለቲካዊ ውሳነን ብውሳነ ህዝብን ዝተጸምበሩ ጣቢያታት ዓርሰ ምሕደራ ቅማንት ቑጽረን ልዕሊ 60 ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ይርሳው፡ እቲ ቐጻሊ ስራሕ ምስረታ ዓርሰ ምሕደራ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

መፍትሒ ዘይረኸበ ሕቶ ዓርሰ ምሕደራን መንነትን ቅማንት

ሕቶ እዚ ህዝቢ፡ ብቐንዱ ልምዓት ንምቅልጣፍ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ይርሳው፡ "ምስ ካልኦት ብሄረሰባት ማዕረ ተጠቀምቲ ኮይንና፡ ባህልናን ክብርታትናን ንምዕባይ ከምኡ'ውን ህዝቢ ዓርሱ ብዝመርጾም ሰባት ክመሓደርን፡ በዚ ኣቢልካ ልምዓት ንምምጻእን'ዩ" ይብል።

ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንትን ደንገርገራት መንግስቲ ክልል ኣምሓራን፡ እቲ ሕቶ ፍታሕ እንከይረኸበ ከሎ ቐጺሉ።

ኣብ ጽባሕ ምምጻእ ናብ ሰልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ፡ ኮሚቴ ሕቶ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ቅማንት ከምኡ'ውን ተወከልቲ መንግስቲ ኣምሓራ ዘሳተፈ ዘተ ተኻይዱ ብሰላማዊ መገዲ ንክፍታሕ ምኽረ ሓሳብ ቐሪቡ ነይሩ።

ኣቶ ይርሳው ከም ዝብሎ፡ ምክረ ሓሳብ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ምስ ቀረበ፡ እቲ ኮሚቴ ብነሓሰ 2010 ዓ.ም ኣብ ጎንደር ኣኼባ ኣካይዱ።

"ኣብ ኣኼባ እናሃለና፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ክዓግቱና ፈቲኖም፤ ድሕሪኡ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ዘለና ርክብ ተቛሪጹ"።

እዚ፡ እቲ ዝቐጸለ ደንገርገራት ንከይፍታሕ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይገልጽ።

በዚ ዘይሰማማዕ ኣቶ መርሃጽድቅ፡ ኩነታት ጸጥታ እናኸፍአ ምምጽኡን ኣብ 2005 ዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት ገይሩ ዝተውሃበ ትኽክለኛን ናይ መጀመርታን ውሳነ ተቐባልነት ከይረኸበ ምትራፉን፡ እዮም እቶም ምኽንያታት ኢሉ ይካታዕ።

"እቲ ክልል ግዳይ ኮይኑ'ዩ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም ዝተውሃበ ውሳነ፡ እቲ ክልል ትኽክለኛ ብዘይኾነ መገዲ ሃይጃክ ተገይሩ [ተጠሊፉ]። ኻልእ ኣይኮነን ሃይጃክ ገይሩዎ። ናይ ባዕሉ ሰባት'ዮም፤ ብፍላይ ብደረጃ ፌደራል ዝነበሩ ዓበይቲ ናይ ብኣዴን ሰባት፡ ባይቶ እቲ ክልል ናብ ከምዚ ዝበሉ ጸገማት ኣእቲየሞ። እቲ ከባቢ ድማ ከይረጋጋእ ተገይሩ" ኢሉ።

ሕቶ ሰለስተ ጣቢያታትን

እተን ጣቢያታት ምስ ተኻለላ፡ ዓርሰ ምሕደራ ንምምስራት ዘኽእል መበገሲ ሓሳብ እቲ ኮሚቴ ከዳሉ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ሓቲቱ።

በዚ መሰረት ድማ፡ ካልኦት ሰለስተ ጣቢያታት መተማ ብሙልአን ናይ ቅማንት እየን ዝብል ሓሳብ ብምሓዝ፡ ነዘን ጣቢያታት ብምሕዋስ 72 ጣቢያታት፡ ኣብ ሽዱሽተ ወረዳ ንምግባር ወሲኖም ናብ መንግስቲ እቲ ክልል ከም ዘቕረቡ ኣቶ ይርሳው ይሕብር።

ሓድሽ እማመ እቲ ኮሚቴ ኣብ 2010 ዓ.ም ዝርኣዮ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፡ "ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኮይኑ፡ እቲ ሕቶ መንነት ብ69 ጣቢያታት ክውደብን ብፍሉይ ወረዳ ናብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ክዓብን ከም ዝወሰነ" ኣቶ መርሃጽዮን ገሊጹ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኮሚቴ ሕቶና ሙሉእ ንሙሉእ ምላሽ ኣይረኸበን፣ ኣብ ምምሕዳር ቅማንት ክካተቱ ዝግብኦም ሰለስተ ጣቢያታት [መቃ፤ ጉባኤ ጀጀቢትን ሌንጫን] ስለ ዘይተኻተቱ፡ እዚ ውሳነ ኣይንቕበልን ምባሉ ኣቶ ቹቹ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ብጽሑፍ ኣቶ ቹቹ ዝሰማማዕ ኣቶ ይርሳው ብወገኑ፡ "እተን ኣርባዕተ ወረዳታት እንተተቐበልናየን'ውን፤ እተን ሰለስተ'ውን ናባና ክሕወሳ ኣለወን ኢልና ስለ ዝሓሰብና፡ ብሕጊ ክፍታሕ ይግባእ ኢልና ቅርታና ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ልኢኽና" ኢሉ።

ምላሽ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን

ቅርታ እዚ ጉዳይ ዝበጽሖ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ነዚ ጉዳይ ኣጽኒዑ ምላሽ ከም ዝሃበሉ ጸሓፊ ቐዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት መንነትን ትርጉም ሕገመንግስትን ኣቶ ወርቁ ኣዳሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ሰለስተ ሰብ ሞያ እቲ ፌደሬሽን ናብቲ ከባቢ ተላኢኾም። እቲ ዝተልዓለ ቅርታ ድማ ብኣካል ናብቲ ቦታ ብምኻድ፡ መጽናዕቲ ኣካይዶም ኢሉ የረድእ።

"ምስቲ ሕገ መንግስቲ ስለ ዘይጠዓዓምን፡ ቅርታ ዝቐረበሎም ጣቢያታት ኩታ ገጠም [ሓደ ዓይነት] ስለ ዘይኾኑን፡ መንግስቲ እቲ ክልል ዝሃቦ ምላሽ ልክዕ'ዩ" ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡዎም ይዛረብ።

ከም ኣሰራርሓ እቲ ፌደሬሽን ድማ ከምዚ ዓይነት ሕቶን ቅርታን እንትፍጠር፡ ብፍላይ ጣቢያ ምስ ጣቢያ፣ ወረዳ ምስ ወረዳ፣ ዞባ ድማ ምስ ዞባ፡ መሓውር ፈጢሩ ውሳነ ክህብ ዘለዎ እቲ ሕቶ ዝተልዓለሉ ክልል ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ወርቁ፡ "እቲ ቅርታ ናይ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ፡ ብምምሕዳራዊ መገዲ'ዩ ዝምለስ" ይብል።

ወሲኹ፡ "እቲ ቁውም ነገር፡ ንማንነት ኣፍልጦ ምሃብ'ዩ፤ እዚ ድማ ምላሽ ረኺቡ'ዩ" ዝበለ ኣቶ ወርቁ፡ ኣብቲ ክልል ዝፍጠር ጉዳይ ምምሕዳርን ወሰንን ግን፡ "ምምሕዳራዊ ብዝኾነ መገዲ እቲ ክልል ክፈትሖ ሕገ መንግስቲ ይእዝዞ" ኢሉ።

እቲ ኮሚቴ ግን፡ ውሳነ እቲ ፌደሬሽን ከም ዘይተቐበለ ዝገልጽ ኣቶ ይርሳው፡ "ከጽንዑ ዝተልኣኹ ሰባት፡ ካብ ዝተፈላላዩ ብሄር ብሄረሰባት ዘይተወጻጽኡ ስለ ዝኾኑ፡ 'ገና ከይተመለሱ እንከለው እንታይ ሒዞም ከም ዝምለሱ ስለ እንፈልጥ፡ ውጽኢት መጽናዕቶም'ውን ስለ ዝርድኣና፡ ዝህቡዎ ውጽኢት ኣይንቕበልን' ኢልና ንዝምልከቶም ኣካላት ደብዳበ ጽሒፍና ኢና" ይብል።

ኮሚቴ ቅማናት፡ እቲ መጽናዕቲ ከጽንዑ ዝተልኣኹ ውልቀሰባት ዘይሻራዊ ኣይኮኑን ዝብል ሕቶ እንተልዓለ'ውን፡ ኣቶ ወርቁ ግን፡ "እቶም ሰባት ዘይኮኑ፡ ሒዞምዎ ዝመጽኡ መረዳእታ'ዩ ክርአ ዘለዎ። በዚ መንጽር፡ እቲ ዝመጽኣና መረዳእታ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝገልጽ'ዩ" ክብል ይነጽጎ።

ጎንጽን ምምዝባልን ኣብ ዞባ ማእልን ምዕራብን ጎንደር

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተልዓሉ ጸገማት፡ ምኽንያት ሞት፣ ምምዝባል ንብረትን ምጥፋእ ህይወትን ኮይኖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተልዓለ ጎንጺ፡ ቑጽሪ ተመዛበልቲ እቲ ክልል ናብ 90 ሽሕ እንትዓቢ፡ ብውሑድ 560 ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ፡ ተዛዳማዲ ሰላም ዓሲሉ እንተነበረ'ውን፡ ኣብዚ ወርሒ ብዝተልዓሉ ጎንጺታት ድማ፡ ሰባት ተቐቲሎም፣ ንብረት ዓንዩ።

ንጹሃት ዜጋታት ካብ መኪና ብምውራድ ብሄራዊ መጥቃዕቲ እንተብጽሑሎም፡ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ እዚ ድማ "በቲ ጽንፈኛ ኮሚቴ" ዝምራሕን 'ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገን ዘለዎን' ምኻኑ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ።

ነዚ ኽሲ ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ይርሳው፡ "ንሕና ተለኣኣኽቲ ኣይኮንናን፤ ከምኡ እንተኾይንና ድማ መንግስቲ እቲ ክልል እንታይ ይሰርሕ ነይሩ" ክብል ይሓትት።

ኣብዚ ሰሙን ዝተልዓለ ጎንጺ ንዝምልከት ድማ፡ "ህዝቢ ቅማናት ናብ ዝኸዶ የብሉን፤ እንትመጽኡዎ ግን ዓርሱ ተኸላኺሉ" ይብል።

"ሰባት ካብ መኪና ኣውሪድካ ብመንነቶም ምቕታል ነውሪ'ዩ፤ መን ከም ዝፈጸሞ ግን መረዳእታ የብለይን" በሃሊ እዩ።

ሕዚ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን እቲ ኮሚቴን ሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ ጎንጺታት እናተፈጥሩ በብግዝኡ ናይ ሰብ ህይወትን ንብረትን ምጥፋእ፡ ሓደ መግለጺ እቲ ክልል ከም ዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ።

እቲ መፍትሒ እንታይ'ዩ?

ኣቶ መርሃጽድቅ ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ዝብሎም ክልተ ሓሳባት የቕርብ።

"እቲ ዓርሰ ምሕደራ ሕገመንግስታዊ መዐቀኒታት ከየማልአ ውሳኔ ዝተውሃቦ ስለ ዝኾነ፡ ሕጋዊ መሰረት የብሉን ብዝብል እቲ ውሳነ ምንጻግ ይከኣል" ዝብል ሓደ ኣማራጺ'ዩ፤ ይኩን'ምበር እዚ ኣማራጺ ግብራዊ እንተኾይኑ፡ "ሰላም ክዓስል ይክእል ድዩ?" ዝብል ነገር ርግጸኛ ምኻን ኣይከኣልን ይብል።

"ህዝቢ ብዙሕ ተስፋታት ምስ ኣርኣኻዮ፡ ዝሃብኩኻ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ዓጺፈዮ ኣለኹ፡ እንተኢልካዮ ውጽኢቱ ርግኣት ከስፍን ኣይክእልን" እዩ ኢሉ።

ካልእ ኣማራጺ ኢሉ ዘቕርቦ ድማ፤ እቲ ዝተፈቕደ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ምምስራትን ሕጋዊ ኣካይዳ ዘተኣጓጉሉ ኣካላትን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ምግባርን'ዩ።

"እቲ ከይዲ ናይ ባዕሉ ጸገም'ኳ እንተሃለዎ፡ 60 ጣቢያታት ዝሓቖፈ ምምሕዳር ግን ይውደብ" ዝብል ኣቶ መርሃጽድቅ፡ ክውሰኹለይ ኣለዎም ዝበሃሉ ሰለስተ ጣቢያታት ኣድላዪ እንተኾይኑ ብዘለውዎ ብፍሉይ ክውደቡ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።

ኣቶ ይርሳው ብወገኑ፡ ክልተ መፍትሒ ሓሳባት የቕርብ።

ምምሕዳር ብሄረሰብ ክጣየሽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣመራርሓ ባይቶ ፌሬሽን ዝሃቡዎ ውድቂ ብምግባር፡ ካልእ ኣካል ብፍላይ ድማ ካብ ብሄረሰብ ክልል ደቡብ ዝተወጻጽአ ኣካል ጉዳይ እተን ሰለስተ ጣቢያታት ከጽንዕ ኣለዎ ይብል።

እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ድማ፡ "ሕዚ ብዘለሉ ኩነታት ምስቲ ኮሚቴ ዘለው ግን ድማ ብሓባር ዘየለው ሰባት ክሳተፉ ስለ ዝግበር፡ ምምሕዳር እቲ ብሄረሰብ እንትምስረት ዝኾነ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ኣየድልን" ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ