መንግስቲ ትግራይ፡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣይሰድድን ኢሉ

ዶ/ር ገብረ መስቀል ካሕሳይ Image copyright Tig Com Office

ሓደሽቲ ተመደብቲ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ትግራይ፡ "ሓላፍነት ክወስድ ናብ ዘይኽእል መንግስቲ ዘመሓድሮ" ዝበሎ ክልል ኣምሓራ ከይምደቡ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል፡ 40 ሚኢታዊ ኣብ ክልሎም 60 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ካልኦት ክልላት፡ ዝነበረ ምደባ ሓደሽቲ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኢትዮጵያ፤ ሎሚ መንነት መሰረት ዝገበረ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን 10 ብ 90 ክኸውን ከምዝተገብረ፡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ገብረመስቀል ካሕሳይ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ኣገባብ ምደባ ተቓውሞ ኣስሚዑ፤ እቲ ምደባ ናብ 20 ብ 80 ክቕየር ከምዝገበረ ድማ እቲ ሓሊፊ ወሲኹ ሓቢሩ።

በዚ መሰረት ናብቲ ክልል ተመዲቦም ዝነበሩ ክልተ ሺሕ ተምሃሮ ኣብ ካልኦት ክልላት ክምደቡ ከምዝተገብረ ይዛረብ።

ሕዚ'ውን መንግስቲ ፌደራል ነዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ 600 ሓደሽቲ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት ክምደቦም ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዚ ጻዕሪ፡ እንተዳኣ ዘይሰሚሩ ግና፤ መንግስቲ ትግራይ ናይ ባዕሉ ካሊእ መፍትሒ ከም ዝወስድ ዶ/ር ገ/መስቀል ወሲኾም ኣረዲኡ።

"ድሕነት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝምደቡ ተምሃሮና ብጣዕሚ እዩ ዘተሓሳስበና" ኢሉ።

እንተኾነ እቲ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተመዲቦም ክመሃሩ ዝጸንሑ ነባር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ትግራይ ዝተብሃለ ነገር የለን።

ኣብ ትግራይ ንዝምደቡ ደቂ ካልኦት ክልልት ተምሃሮ ንድሕንነቶም ልዑል ሓላፍነት ወሲዱ ከምዝሰርሕ ዶ/ር ገ/መስቀል ገሊጹ።

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፤ ሎሚ ዘበን ብሓፈሻ፡ 18, 999 መደበኛ ተምሃሮ ኣፈቲኑ 9፥ 160 ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መሕለፊ ውጽኢት ከምዝረኸቡ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲተታእ፡ ገለ ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ዓሌታዊ ጥቕዓት ዝበጽሖም እንትኸውን፡ ብርክት ዝበሉ ድማ ብፍላይ ካብ ዩኒቨርሲታት ደብረማርቆስን ደብረ ብርሃንን ትምህርቶ አቋሪጾም ናብ ትውልዲ ዓዶም ምኻዶም ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ