ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፡ ተምሃሮ ኣብ ዝተመደብሉ ዩኒቨርሲቲ'ዮም ዝመሃሩ ኢሉ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ Image copyright Federal Minstry of Education

ትማሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመደቡ ሓደሽቲ ተመሃሮ ከም ዘይልእኽ ገሊጹ።

ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ፡ እቲ ክልላዊ ቢሮ ትምህርቲ ኣብዚ ጉዳይ ናይ ምውሳን ስልጣን የብሉን ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምደባ ተምሃሮ ሓላፍነት ኤጀንሲ ፈተናታት'ዩ ዝበሉ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ሚኒስትሪ ኣቶ ደቻሳ ጉርሙ፡ ቅድሚ እቲ መግለጺ ኣብ ዝነበሩ መድረኻት፡ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ተምሃርኡ ናብቲ ክልል ከይምደቡ ተደጋጋሚ ሕቶ ከም ዘቕረበ ገሊጾም።

ምስ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ከም ዝተዘራረቡ ዝገልጹ ኣቶ ደቻሳ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቶም ዩኒቨርሲቲታት እቲ ክልል ዘሎ ሰላም ዘተኣማምን ስለ ዝኾነ፡ ተምሃሮ ናብቲ ክልል ከይዶም ክመሃሩ ከም ዝድለ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ፡ 2 ሽሕ ተምሃሮ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ ናብ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ክምደቡ ከም ዝተገበረ ዝገለጹ ኣይተ ደቻሳ፡ እቶም ዝተረፉ 600 ተምሃሮ ግና ናብ ዝተመደብዎ ዩኒቨርሲቲ ከይዶም ክመሃሩ ከም ዘለዎም ይገልጹ።

እቶም 600 ተምሃሮ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ይኹን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክቕበሉዎም ከም ዘይኽእሉ ዝገልጹ ኣይተ ደቻሳ፡ ''ክቕበሉዎም 'ውን የብሎምን'' ብምባል ኣረጊጾም ይዛረቡ።

ምኽንያቱ ድማ ''ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዉ ይኹን ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት፡ ክቕበልዎ ብዝኽእሉ ልክዕ ተምሃሮ መዲብና ኢና። እቶም ዩኒቨርሲቲታት ተወሳኺ ተምሃሪ ክቕበሉ ኣይኽእሉን፤ በጀት እውን የብሎምን'' ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ውሑስ ሰላም ክህሉ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ተቐራሪብና እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ኣይተ ደቻሳ፡ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ጽቡቕ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ንተምሃሮ ዝሓሰ አቀባብላ እናተገበረ እኡ ዝበሉ እቶም ዳይረክተር ጀነራል፡ ካብ ትካላት ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓዲን ማሕበረሰብ እቲ ከባብን ዝተወጻጽአ ኮሚቴ ብምጥያስ፤ እቶም ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮኦም ይቕበሉ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት