ኣብ መቐለ ክካየድ ዝተፀወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ብፖሊስ ተበቲኑ

ሎሚ ኣብ መቀለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ Image copyright Haphtom berhe
ናይ ምስሊ መግለጺ ሎሚ ኣብ መቀለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ

ስቪላዊ ማሕበር ሰብ ሕድሪ ዝፀወዖ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሎምዓልቲ ንጉሆ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተተሊሙ እኳ እንተነበረ ፖሊስ "ሕጋዊ ሰልፊ ኣይኮነን" ብዝብል በቲንዎም።

እዞም ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ሓሲቦም ዝነበሩ ተምሃሮ፡ ተምሃሮ ካብ ክልሎም ወጻኢ፡ ሓደጋ ክበጽሖም ናብ ዝኽእል ቦታታት መንግስቲ ከይምድቦም ጸቕጢ ንምፍጣር እዮ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ተመዲቡ።

ኣቦ መንበር ስቪላዊ ማሕበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ፡ "እቲ ደብዳበ ሰሉስ ንፀሓፊት ከንቲባ መቐለ ሂብና ኢና። ቅዳሕ ድማ ንዞባ ፖሊስ ክንህቦ ከይድና 'ኣይቅበልን' ኢሉና" እንትብሉ ከሲሶም።

መንግስቲ ኩነታት እዩ ከምቻችው ዘለዎ እምበር ሰላማዊ ሰልፊ ክፈቅድን ክኽልክልን ኣይኽእልን ዝበለ ኣይተ መሓሪ ሕጋዊ መልሲ ኣይሃቡናን ኢሉ።

ሎሚ ንጉሆ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ኣዳባባይ ሮማናት ምስ ተኣከብና ሓይልታት ፀጥታ መፂኦም እተካይድዎ ሰልፊ ሕጋውነት ስለዘይብሉ "በትንዎም ተባሂልና ኢና" ብምባል "ተበተኑ" ኢሎምና ይብል።

ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ "ንሕና ምስ ፖሊስ ናብ ዕግርግር ክንኣቱ ስለዘይደለና ተበቲንና፡ ሕዚ'ውን ግን ዳግም ደብዳበ ክንፅሕፍ ኢና" ኢሉ።

Image copyright Haphtom Berhe
ናይ ምስሊ መግለጺ ሎሚ ኣብ መቀለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ

ምክትል ከንቲባ መቐለ ኣቶ ብርሃነ ገብርየሱስ ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ሓቲትናዮም እንትምልሱ "ሰብ ሕድሪ ዘበገስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኩልና ጉዳይ እዩ፡ ክኽልከል ዝግብኦ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ስራሕቲ ፀጥታ ክነመቻቹው ንመን እዮም ሓቲቶም? 'ታይ መልሲ ኸ ተዋሂብዎም? መን ፈሪሙ ተቐቢልዎም? ከነፅሩልና ኣለዎም" ኢሎም።

"ደብዳበ ተቐቢሉ ናብ ዝምልከቶ ዘየሕለፈ ሰራሕተኛ መንግስቲ እንተሃልዩ ክንቀፅዕ ኢና" ዝበሉ ኣቶ ብርሃነ ገብረየሱስ ንፖሊስ ሂብናዮ ዝብል ጥርዓን ፖሊስ ፈቓድን ከልካልን ስለዘይኮነ ተቐባልነት የብሉን ይብሉ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ጭርሖ ተሰኪሞም ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብምኽልካሎም ሓዚኖም።

Image copyright Haphtom Berhe
ናይ ምስሊ መግለጺ ሎሚ ኣብ መቀለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ

ስሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ተምሃሮ ከምዝበልዎ፡ "መንግስቲ መሰልና ክንገልፅ ክኽክለና ኣይምተገበአን። ሰልፊ ምፍቃድ ንባዕሉ ንመንግስቲ እውን ፅቡቕ እዩ ክሓስበሉ ኣለዎ" ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ምምሕዳር ከተማ መቐለ፡ ኣይተ ዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ትማሊ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ንኸካይድ ዝሓተተና የለን፡ ንሕና እውን ኣይከልከልናን ምባሎም ይዝከር።

ብኣንፃሩ፡ ኣቦመንበር ስቪላዊ ማሕበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ፡ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ንምክያድ ማሕበሮም ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ንቤት ፅሕፈት ከንቲባ መቐለ፡ ንዞባ ፖሊስን ቤት ፅሕፈት መጓዓዝያን ብፅሑፍ ከምዘፈለጠ ተዛሪቦም እዮም።

ኣብቲ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ክኽልከል ንኻልኣይ ግዜ ኮይኑ፡ ቅድሚ ምዓልታት እውን ኣብ ልእሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ዝፈተኑ ወለንታውያን ውልቀሰብ ሰለማዊ ሰልፊ ከየካይዱ ከምዝተኸልከሉ ይዝክር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ