ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መስጊድ ብዝተፈጸመ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ 62 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብቲ መስጊድ ብቡንባ ዝተሃረመ መንእሰይ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሉ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ መስጊድ ብቦምባ ዝተሃረመ መንእሰይ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሉ

ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መሲጊድ ብዝተፈጸመ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብውሑድ 62 ምማቶምን ዓሰርተታት ምቁሳሎምን ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ዞባ ናንጋረሃር ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ዞባ ናንጋረሃር ኣቱላህ ክጎኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም 62 ዝተቐተሉን 36 ዝቆሰሉን ብምሉኦም ኣብ መስጊስ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ምኳኖም ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዞባ ናንጋረሃር ዘጋጠመ ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ሓለፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተወሊዑ ዘሎ ሓዲሽ ኵናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናይ ዝተቐተሉ ሰለማውያን ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ መጥቃዕተ ቦምባ ኣጋጢሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 1174 ኣፍጋናውያን ከምዝተቐትሉ ይጠቅስ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ መስጊድ ብቦምባ ዝተሃረመ ዓቢ ሰባኣይ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሉ

ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝተቐተሉ ኣፍጋናውያን እቶም ሓደ ሕምሲት ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም የርኢ።

እቲ መስጊስ ኣብ ኣብ ሃስካ ሚና ዝባህለ ቦታ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብታ ርእሰ ከተማ ዞባ ናንጋረሃር ዝኾነት ከተማ ጃላላባድ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቁ ይርከብ።

ተወሳኺ ዛንታ