ቦይንግ፡ ቅድሚ 3 ዓመታት ጸገም ከምዝነበረን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብረርቲ ተቓሊዑ

ሰራሕተኛታት ቦይንግ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት ቦይንግ

ስርሓት ቦይግ 737 ማክስ 8፡ ኣብ ውሽጣ ንድሕነት በረራ ዝቆጻጸር ኣካል ጸገም ከም ዝነበሮ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ሰልስተ ዓመት ንሓድሕዶም ዝተጸሓሕፍዎ መልእኽቲ ተቓሊዑ።

እዞም ሰራሕተኛታተ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት፡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብዛዕባ እቲ ንስራዓተ በረራ ዝቆጻጸር ኣካል ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እዮም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገም ሓሳብ ተዋሃሂቦም።

እዚ ንኣሜሪካውያን ሓገግቲ ሕጊ ዝቀረበ ሰነድ ከምዘርእዮ፡ ሓደ ኣብራሪ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 8፡ ኣብ እዋን ፈተነ በረራ፡ ዘይተጸበዮ ጸገም ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ናይዚ ኣብራሪ ነፋሪት መልእኽቲ ተኸቲሉ፡ ካልእ ሰራሕተኛ ቦይንግ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ "ሓሶት ኣይኮነን፡ እንተኾን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንዋላ ሓደ ኣይተዛረብናን" ኢሉ።

እዚ ሓበሬታ ትማሊ ዓርቢ ምስ ተቓለዐ፡ ቦይንግ ኣብ ዕዳጋ 5% ሚእታዊት ምንቁልቋል ከም ዝጋጠሞ ተገሊጹ።

እዚ ኣብታ ኣየር ዘሎ ንስርዓተ በረራ ዝቖጻጸር ኣካል ብዘጋጠሞ ጸገም፡ ነፈርቲ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያን ማሊዥያን ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ስለዘጋጠመን 346 ሰባት ተሳፈርትን ኣባላት እተን መንግዲ ኣየርን ምማቶም ይዝከር።

ምምሕዳር 'ዚቪል ኣቭየሽን" ኣሜሪካ፡ እቲ ሕጂ ዝተቓለዐ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ብምስዓብ ቦይንግ ነዚ ኣቐዲሙ ረኪብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ንምንታይ ኣቐዲሙ ከምዘየቕረቦ "ብህጹጽ" መብርሂ ክውሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።

ቦይንግ፡ ክልተ ሓደጋታት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ብምሉአን ነፈርቲ 737 ማክስ 8 ካብ በረራ ደው ምስኣበላን፡ ንዝግበር ዘሎ መርመራ ምሉእ ምትሕብባር ይገብር ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ልዕሊ እዘን ሓደጋ ዘጋጠመን መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶንዥያን መርመራ ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት፡ ናይቲ ሓደጋ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝበልዎ፡ ኣብታ ኣየር ዝተገጠመ ንናይ በረራ ድሕነት ዝቆጻጸር ስርዓት ኣተኲሮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ እዮም ዝገልጹ።

ተወሳኺ ዛንታ