'መደመር' ዝተሰምየት መጽሓፍ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተመሪቓ

መጽሓፍ መደመር Image copyright facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ መጽሓፍ መደመር

'መደመር' ዝተሰምት መጽሓፍ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝናሽ ታያቸው፡ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ሚኒስተራት፡ ናይ ክልላት ሰበስልጣንን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊንየም ተመሪቓ።

ነቲ መደብ፡ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዘሎ መእተዊ ብኣምሓርኛን ብኦሮምኛን ብምንባብ ከፊትዎ።

ብምስዓብ ደራሲትን ጋዜጠኛን ኣዜብ ወርቁ፡ ካብቲ መጽሓፍ ገለ ክፋል ከተንብብ እንከላ፡ ኣቶ ሌንጮ ባቲ ድማ ናይታ መጽሓፍ ገምጋማዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ።

ኣቶ ሌንጮ ባቲ፡ ናይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ስብራት ማሕበራዊ ርክባት፡ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ጸገማት፡ ከምኡ ድማ ጸገማት ፖሊሲ ርክባት ወጻኢ 'ክፍትሑ ይኽእሉ ድዮም?' ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ጹሟቕ ጽሑፍ ኣቕሪቡ።

"እዛ መጽሓፍ ክጭበጥ ዝኽእል ጉዳያት ሒዛ ኣላ" ዝበለ ኣቶ ሌንጮ ባቲ፡ እታ መጽሓፍ ኣርባዕተ ቀንዲ ምዕራፋት ሒዛ ከምዘላ ጠቒሱ።

ኣቶ ሌንጮ ባቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ናይ ደቂ ሰባት መሰረታውያን ድልየታት እንታይ እዮም፡ ፖሎቲካዊ ኣስተብህሎ፡ ቁጠባን ፖሊሲ ርክባት ወጻእን ዝሓዘት ምዃና ኣብሪሁ።

"እዛ መጽሓፍ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ከመይ ኢልና ኢና ክንቅጽል ንኽእል ንዝብል ዛዕባ ፍታሕ ክተህብ ፈቲና ኣላ" ዝበለ ኣቶ ሌንጮ ባቲ፡ እቲ ደራሲ ናይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጸገማት "ብሕታውነት" እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ጠቒሱ።

ደራሲ "እዚ ብሕታውነት፡ ብሓባር ኮይንና ጸገማትና ከይንፈትሕ ንዓቕምና ደሪትዎ" ኢሉ ከምዝኣምን ከኣ ኣቶ ሌንጮ ባቲ ይጠቅስ።

ነቶም ተሰሪሖም ዘለዉ ኣወንታውያን ስራሕቲ ምዕቃብ ከምዘድሊ ኣብቲ መጽሓፍ ተጠቂሱ'ሎ ዝበለ ኣቶ ሌንጮ ባቲ 'ሓሳብ ምድማር ካብ ዜሮ ኣይጅመር እዩ' ብምባል፡ ኣብ ልምዓት፡ ጥዕናን ትምህርትን ንዝተሰርሑ ስራሓት ኣፍልጦ ክውሃቦም ይግባእ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ዲራኣዝ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም 'እርካብና መንበር' ከምኡ እውን 'ሰተቴ' ዝብላ ዝርከበአን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ከምዘሐተመ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ መጽሓፍ 'መደመር' ግን እታ ናይ መጀመርታ ብስሙ ትሕተም ዘላ መጽሓፍ እያ።

ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስመዐ ኣብዪ ኣሕመድ "ንሕና ኢህወዴግ ን30 ዓመታት ሓደ ክንከውን ዘይከኣልና ከመይ ጌርካ እዩ ሓደ ክኽወን?" ዝብል ሕቶ ብምልዓል እዩ ዘረብኡ ጀሚሩ።

"ሓደ ሰልፊ ኮይንካ ምድማር ዘየዋጽእ እንተኾይኑ፡ ጅግና እየ ዝብል ዝሓዞ ዊስኪ ገዲፉ፡ ብምብዛሕ የዋጽኣና'ዩ ዝብል ስነ ሓሳብ ይምጻእ ይማጎት" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ 'ኣነ ዝበልክዎ እንተዘይኮይኑ መጻኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ምቅትታል እዩ' ዝብል ናይ 19 ክፍለ ዘመን ስነ ሓሳብ ከምዘየዋጽእ ብምጥቃስ፡ "መጽሓፍ 'መደምር' ኣቱም ሰተይቲ ዊስኪ ዝኾንኩም ኢህወዴግ፡ ማይ ዝናፈቖ ህዝቢ ከምዘሎ ኣይትረስዑ" እዩ ዝብል ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ "ኣብ ሆቴል ኮፍ ኢልኩም ኣማሪጽኩም እናበላዕኩም፡ ሓንቲ ባኒ ንዝሰኣነ ህዝብኹም ንሓስበልካን ንሕለቐልካን ኢና ክትብሉ ኣሽካዕላል እዩ፡ መጽሓፍ መደመር ከኣ ነዚ እያ ትነግር" ክብል ተዛሪቡ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ መን'ዩ?

ተወሳኺ ዛንታ