ኣብ እዋን ፈተና ተምሃሮ ብካርቶን ክሽፈኑ ዝገበረ ቤት ትምህርቲ ይቕረታ ሓቲቱ

አብ እዋን ፈተና ርእሶም ብካርቶን ዝተሸፈኒ ተመሃሮን ፈታኒት መምህርን Image copyright ANI
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ትኹረት ዝሰሓበን መቐይዒ ዝኾነን ስእሊ ተምሃሮ

ተምሃሮ ገጾም ብካርቶን ተሸፊኑ ክፍተን ከለዉ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተዘርጊሑ መዘራረቢ ድሕሪ ምዃኑ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እዚ ስእሊ፡ ኣብ ህንዲ ዞባ ካርናታካ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና ኬሚስትሪ ክወሃብ እንከሎ'ዩ ተሳኢሉ።

ተምሃሮ፡ ኣብ እዋን እቲ ፈተና ካብ ካልኦት ከይቐድሑ ንምክልኻል ብሓደ ገጹ ዝተቐድደ ካርቶን፡ ተሸፊኖም ይረኣዩ።

ኣመሓዳሪ ኮሌጅ ሃቬሪ፡ ምቅድዳሕ ንምክልኻል ልሙድ ዘይኮነ መገዲ ምጥቃሞም ብምእማን፡ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ 'ብፍቓድ' እቶም ተምሃሮ ዝተገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኩሎም ናይ ባዕሎም ካርቶን ሒዞም'ዮም መጺኦም።

"ዋላ ሓደ ኣስገዳድ ኣይነበረን። ኩሎም ተምሃሮ ነቲ ካርቶን ኣይገበርዎን። ገሊኦም ድሕሪ 15 ገሊኦም ድማ ድሕሪ 20 ደቒቕ፡ ኣልየምዎ'ዮም፤ ንሕና'ውን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከውጽኡዎ ሓቢርናዮም ኢና" ኢሉ።

Image copyright ANI

ሓለፍቲ ስራሕ ትምህርቲ እቲ ዞባ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ኮሌጅ ብምኻድ ኮኒነሞ'ዮም፤ ጠጠው ክብል ከምዝገበሩ'ውን ተገሊጹ።

ሓደ በዓል መዚ ትምህርቲ፡ ነቲ ተግባር "ኢሰብኣዊ" ክብል ገሊጹዎ።

"ብዛዕባ እዚ መልእኽቲ ምስ በጽሐኒ፡ ናብቲ ኮሌጅ ብምኻድ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብልዎ ኣዚዘ'የ" ከም ዝበለ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ጸብጺቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ