ዕደና ኣልማዝ ዙምባብወ ብግዱድ ሸቕሊ ድዩ ዝካየድ?

ሓርፋፍ ኣልማዝ Image copyright Getty Images

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ዙምባብወ ዕደና ኣልማዝ ብግዱድ ሸቕሊ እዩ ዝካየድ ብዝብል ስክፍታ፡ ኣመሪካ ሓርፋፍ ኣልማዝ (ገና ዘይተቖርጸ) ካብ ዙምባብወ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላ እያ።

ዙምባብወ ግን ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክትብል ነጺጋቶ እያ። ውሃቢ ቃል ኒክ ማንጋውና፡ እቲ ክሲ መረዳእታ ዘይብሉ እዩ ዝበለ ክኸውን ከሎ፡ ኣመሪካ "ጌጋ ሓበሬታ" እያ ረኺባ ኢሉ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ዕደና ማራንጌ፡ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብኣልማዝ ዝሃብተሙ ከባብታት ሓደ እዩ። ነታ ኣብ ሓያል ቁጠባዊ ጸገም እትርከብ ሃገር ድማ ብዙሕ ኣታዊ ዘምጸኣላ እዩ።

እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ እንታይ ይብል?

ኣመሪካ ከም እትብሎ፡ ኣብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝካየደሉ ናይ ዕደና ቦታ ስራሕ ዝደልዩ ሰባት፡ ንሓለፍቲ ጸጥታ ጉቦ ይኸፍሉ እዮም።

ሓንሳብ ናብ ውሽጢ ምስኣተዉ ድማ፡ ሸቃሎ ካብ'ቲ ናይ ዕደና ቦታ ክወጽኡ ኣይፍቀደሎምን እቶም ክንወጽእ ኢና ኢሎም ዝሓንገዱ ድማ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ይበጽሖም ክትብል ኣመሪካ ትኸስስ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ዘርእይ "ዝተሰነደ መረዳእታ" ኣሎ ትብል።

እቲ መረዳእታ እንታይ እዩ?

ናብቲ ናይ ዕደና ቦታታት ጋዜጠኛታትን ንመሰላት ዝሟጎቱ ጉጅለታትን ክኣትዉ እንተደኣኾይኖም፡ ፍሉይ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም።

ኣብ ዕደና ኣልማዝ ማራንጌ ዝካየድ ንጥፈታት ምቑጻር ሰራሕተኛታት ዝቆጻጸር ጉጅለ፡ ግዱድ ሸቕሊ ከም ዘሎ ዘርእዩ ምስክርነታት ኣኪቡ እዩ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ጉጅለ፡ ሞሰስ ሙክዋንዳ፡ ነበርቲ ተኸቢቦም ኣብቲ ዕደና ክሰርሑ ዝተገደድሉ ኩነታት ከም ዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልኦት ጉጅለታት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዕደና ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሕ ዝፈልጡ'ኳ እንተኾኑ፡ ግዱድ ሸቕሊ ብዛዕባ ምህላዉ ግን ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ይገልጹ።

ንመሰል ሰራሕተኛታት ዕደና ናይ ዝሕለቕ ጉጅለ ውሃቢ ቃል ስሚሶ ምሌቩ "ከም ትካል ነቲ [ግዱድ ሸቅሊ ኣሎ] ዝብል ሓበሬታ ምሉእ ንምሉእ ኣይንነጽጎን፤ ግን ከኣ [ካብ መንግስቲ ኣመሪካ] ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የለን፤ መን እዩ ንመን ዘገድድ ዘሎ ዝብል ክንፈልጥ ንደሊ ኢና" ኢሉ።

Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ናይ ዕደና ቦታ ብወተሃደራት መንግስትን ናይ ውልቀ ትካል ሓለዋን እዩ ዝሕሎ

ኣብ ዕደና ኣልማዝ ማራንጌ፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም እዩ ዝብል ክሲ ክቐርብ እንከሎ፡ እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ኣብ 2011፡ ተሓለቕቲ መሰላት ኣብቲ ናይ ዕደና ቦታ መውቃዕትን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝፍጸም ኣረጋጊጽና ድሕሪ ምባል፡ ሰደድ ኣልማዝ ዚምባብወ እገዳ ክግበረሉ ክሓትቱ ጸኒሖም እዮም።

ሰራሕተኛታት ዕደና፡ ብሕማቕ ስለዝተሓዙ፡ ኣብ ዓመት 40 ሸቃሎ ከምዝሞቱ ግምቶም የቐምጡ።

መሰል ሸቃሎ ኣብ ዝምባብወ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሕርሻታት ትምባኾ ግዱድ ሸቕሊ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ዚምባብወ ግን፡ ግዱድ ሸቕሊ ንምክልኻል ትሰርሕ ከምዘላ እያ ትገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት