ትራምፕ፡ ንኣኼባ ጉጅለ 7 ኣብ ናቱ ትካል ከአንግዶ ንዝነበሮ ውጥን ገዲፍዎ

ትራምፕ ንውድድር ቁንጅና ኣለመ 2015 ኣብቲ ናቱ ማእከል መዘናግዒ ኣአንጊድዎ ነይሩ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕ ንውድድር ቁንጅና ዓለም 2015 ኣብቲ ናቱ ማእከል መዘናግዒ ኣአንጊድዎ ነይሩ

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ዝሳለጥ ኣኼባ ጉጅለ 7 ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ፡ ናቱ መዘናግዒ ማእኸል (ሪዞርት) ከአንግዶ ውጥን ነይርዎ።

እንተኾነ፡ ሓያሎ ነቐፌታታት ስለ ዘስዓበሉ፡ ነቲ ውጥን ገዲፍዎ።

ትራምፕ ብተኸታታሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዖም ጽሑፋቱ፡ ነቲ ውጥን ከም ዝገደፎ እንትገልጽ፡ ዝገደፈሉ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ "ጽሉልን ዘይርትዓውን ተጻብኦ" ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትን መራኸብቲ ሓፋሽን ምዃኑ ገሊጹ።

ነቐፍቲ፡ እቲ ውጥን ትራምፕ ስልጣኑ ንውልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘውዕሎ ዘርእይ መረዳእታ እዩ ኢሎም። ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ግን፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ትራምፕ ነቲ ውጥን ድሕሪ ምግዳፉ፡ ኣኼባ ጉጅለ 7 ኣብ ካምፕ ዴቪድ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ክእንገድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ'ሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣኼባ ኣብቲ 'ትራምፕ ናሽናል ዶራል' ዝበሃል ናቱ መዘናግዒ ማእኸል (ሪዞርት) ከአንግዶ ከም ዝወጠነ ብሓሙስ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ፡ ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ከይተረፈ፡ ኣባላት ኮንግረስ ነቲ ሓሳቡ ተቓዊሞምዎ።

ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝውንኖ ትካል ኣብ ሓደ ናይ ትዊተር ጽሑፉ ክገልጽ እንከሎ "ኣዝዩ ዓብዩ፡ ገዚፍ" ከምኡ ድማ "ብዙሓት ናይ እንግዶትን ናይ ኣኼባን ኣዳራሻት" ዘለውዎ እዩ ኢሉ።

"ኣነ ንትራምፕ ናሽናል ዶራል ንጠቐም ክብል ከለኹ፡ ንሃገርና ሓደ ጽቡቕ ነገር ይገብር ከም ዘለኹ እየ ሓሲበ" ኢሉ። "ግን ከኣ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ተጻባእቲ ሚድያን መሻርኽቶም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትን ተጸሊሎም!" ኢሉ።

እቲ ኣኼባ ኣብ 'ትራምፕ ናሽናል ዶራል' ንኽካየድ ከምዝተሓሰበ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን፡ እቲ ሪዞርት ነቲ ኣኼባ ብምእንጋዱ መኽሰብ ከምዘይረክብን ሚልዮናት ዶላር ወጻኢ ንምሕዋይ ከምዝከኣልን ተጠባባቒ ሓላፊ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ነይሩ።

ብዙሓት ግን፡ እቲ ማእከል መዘናግዒ፡ ብምውዕዋዕ ብዙሕ ከስቢ ክረክብ ይኽእል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ማእከል መዘናግዒ፤ 5 ናይ ጎልፍ መጻወቲ ሜዳታት፣ 700 መደቀሲ ክፍልታት፣ ስፓ፣ መአከቢ ኣዳራሻትን ሹቓትን ኣለውዎ። ሓደ ካብቶም ናይ እንግዶት ኣዳራሻት፡ ብስም ኢቫንካ ትራምፕ ዝተሰምየ እዩ።

ዝሓለፈ ጉንበት፡ ጋዜጣ ማያሚ ሄራልድ፡ ዕዳጋ ናእቲ ማእከል መዘናግዒ ዛሕቲሉ ምህላዉ ጸብጺቡ ነይሩ።

Image copyright AFP

ኣኼባ ጉጅለ 7፡ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ወርሒ ሰነ ዝካየድ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓን፣ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከምኡ ድማ ሕበረት ኤውሮጳ ዝካየድ ኣኼባ እዩ።

ኣብ 2012 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ነቲ ኣኼባ ካብ ዋሽንግተን 60 ማይል ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል መዘናግዒ ፕረዚደንት ኣመሪካ 'ካምፕ ዴቪድ' እዩ ኣአንጊድዎ ነይሩ።