ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን፡ ፈላማይ ብደቂኣንስትዮ ጥራይ ዝተገበረ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ ኣካይደን

ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን Image copyright Science Photo Library
ናይ ምስሊ መግለጺ ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን

ናይ ናሳ ተመራመርቲ ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን፡ ፈላማይ ብደቂኣንስትዮ ጥራይ ዝተገበረ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ (ስፔስዎክ) ኣካይደን።

እተን ተመራመርቲ፡ ካብ ኣብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ወጺአን፡ ኣብ ደገ ሸውዓተ ሰዓታት እየን ኣሕሊፈን።

ካብቲ መደብር ወጺአን ድማ፡ ኣብ ደጋዊ ክፋል ናይቲ መደብር ዝተበላሸወ ሓደ ናይ ጸዓት ንዋት ተኪአን ተመሊሰን።

ክሪስቲና ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ተመሳሳሊ ጉዕዞታት ዝገበረት ክትከውን ከላ፡ ጀሲካ ግን ነዚ ጉዕዞ ክትገብር ከላ ንመጀመርያኣ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነተን ተመራመርቲ ብቪድዮ ደዊሉ እንቋዕ ደስ በለክን ኢሉወን።

ንሳተን ድማ "ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕልሞም ከግህዱ ንዝሰርሑ ኩሎም ምንቕቓሕ ክንፈጥር ኢና ኢልና ንኣምን" ክብላ መሊሰናሉ።

ክሪስቲና መሃንዲስ ኤሌክትሪክ ክትከውን እንከላ፡ ጀሲካ ድማ ኣብ ማያዊ ስነህይወት ዶክትሬት ዲግሪ ኣለዋ።

ብዓርቢ፡ ክልቲአን ተመራመርቲ ናይ ጠፈር ክዳውንተን ተኸዲነን ካብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ብምውጻእ፡ ነቲ ዝተበላሸወ ክፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተኪአን ተመሊሰን።

ካብ መደበር ምርምር ጠፈር ወጺኣ፡ ኣብ ህዋ ጉዕዞ ዝገበረት ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ፡ ሩስያዊት ስቬትላና ሳቪትስካያ እያ።

ንሳ፡ ኣብ 1984 ካብታ 'ሳልዩት 7' እትበሃል ናይ ሕብረት ሶቭየት ነበር መደብር ምርምር ጠፈር ጠፈር ወጺኣ፡ ኣብ ህዋ ንሰለስተ ሰዓታትን 35 ደቒቕን ጸኒሓ።

ኣብ ታሪክ፡ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ ዝገበረ ፈላማይ ሰብ ድማ አሌክሲ ሌኦኖቭ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 85 ዓመቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ዓሪፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት