ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ኣብ ዓመታዊ ጽምብል ማድሪድ ተሰሊፈን ውዒለን

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባጊዕ፡ ባህላዊ ጽምብል ስፔን ንምኽባር፡ ምርኢታዊ ሰልፊ ክገብሩ ተገይሩ

ትማሊ ኣብ ዝተኸብረ ዓመታዊ ባህላዊ ጽምብል ስፔን፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባጊዕ ንሰልፋዊ ምርኢት ቐሪቦም።

ከተማ ማድሪድ፡ ክረምቲ ክኸውን ከሎ፡ ጓሶት መጓሰኦም እናኮብኮቡ ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣብ ዝሸጋገርሉ ዝነበረ ጥንታዊ መገዲ ዝተደኮነት ከተማ እያ።

እዚ ጽምብል፤ 'ፌስታ ዳ ላ ትራሽማኒካ' ዝበሃል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ገጠር ውርሻ ዝወሃብ ክብሪ ንምግላጽ ኣብ 1994 ክኽበር ጀሚሩ።

በጻሕቲ ዓዲ ዝተኻፈሉዎ ሰልፊ ኣባጊዕ ማድሪድ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ በጻሕቲ ዓዲ ዝተኻፈሉዎ ሰልፊ ኣባጊዕ
ኣባጊዕ ኣብ ጎደናታት ማድሪድ ብምውጻእ፡ ነቲ ዓመታዊ ጽምብል ኣኽቢሮም Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባጊዕ ኣብ ጎደናታት ማድሪድ ብምውጻእ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ጽምብል ተራእዮም

ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ፡ ጓሶት ምስ ጥሪቶም ነታ ከተማ ኣቋሪጾም ክሓልፉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣሎ።

በብዓመቱ፡ ኣብ ኣዳራሽ እታ ከተማ፡ ኣብ ሞንጎ ከንቲባን ቀንዲ ጓሳ እተን ጥሪትን ብዝግበር ስነ ስርዓት፡ እቶም እንስሳት ብሰላም ንክሓልፉ ክፍሊት ይፍጸም።

ብመሰረት ስምምዕ 1418፡ ንሓደ ሽሕ እንስሳት፡ 50 ሳናቲም እዩ ዝኽፈል።

ማድሪድ፡ ዓመታዊ ጽንብላ ንምኽባር ኣባጊዕ ኣሰሊፋ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ማድሪድ፡ ዓመታዊ ጽንብላ ንምኽባር ኣባጊዕ ኣሰሊፋ

ገለ ነተን እንስሳት ዝጓስዩ ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ይኽደኑ።

ነዚ በዓል ተባሂሉ፡ ካብ ምትሕልላፍ ሰብን መጓዓዝያን ናጻ ኣብ ዝኸውን ጎደናታት ድማ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ፡ ነዚ ዘይልሙድ ኩነታት ክዕዘቡ ተራእዮም።

ሓደ በጻሒ ዓዲ "ከምዚ ምህላዩ ኣይፈለጥናን፤ ግን ድማ ዕድለኛታት ኢና" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባጊዕ፡ ባህላዊ ጽምብል ስፔን ንምኽባር፡ ምርኢታዊ ሰልፊ ክገብሩ ተገይሩ Image copyright AFP

መብዛሕትኦም ኣባጊዕ፡ ኣብ ክሳዶም ቃጭል ተኣሲሩሎም እዮም ኣብ ከተማ ማድሪድ ክጉዓዙ ውዒሎም።

ኣብዚ በዓል ተሳተፍቲ ካብ ዝኾኑ ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ብተወሳኺ፡ ኣስታት 100 ኣጣል'ውን ተሳቲፈን'የን።

ናብ ካሜራ ዝቐረበ በጊዕ Image copyright EPA

መሰል ዋንነት እዞም ስእልታት ብሕጊ ሕሉው እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ