ፑቲን፡ ሩስያ ንኣፍሪቃ 'ብዘይ ቅድመ ኩነት' ክትሕግዝ እያ- ኢሉ

ፑቲን Image copyright Getty Images

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ዘይከም ምዕራባውያን፡ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ቅድመ ኩነት ንኣፍሪካ ክትሕግዝ ከምእትኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ቅድሚ እቲ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ኣኼባ፡ ምስ ማዕኸን ዜና ቲ ኤ ኤስ ኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡" ሃገራት ምዕራብ ከመይ ንሉኣላዊ መንግስታት ኣፍሪካ ጸቕጢ ይገብራ፣ የጉባዕባዓን የጸልማን ከምዘለዋ ንርኢ ኢና'' ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ''ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሮም ጽዕንቶን ዓብላላይነትን ንምምላስን ነታ ኣህጉር ንምብዝባዝን ዝተፈላለዩ መገዲታት ይጥቀሙ ኣለዉ'' ክብል ገሊጹ።

ሩስያ ኣብቲ ካብ 23-24 ጥቅምቲ ዝካየድ አኼባ፤ መራሕቲ 47 ሃገራት ኣፍሪካ ክትእንግድ ትጽቢት ትገብር።

ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዝነበራ ርክብ እናተመሓየሽ ይመጽእ ከምዘሎ፡ እታ ሃገር ምስ 30 ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ወታደራዊ ስምምዕን መሽጣ ኣጽዋርን ብምጥቃስ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ገሊጹ።

ሩዋንዳ ካብተን ምስ ሩስያ ዱልዱል ርክብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ካቢነ እታ ሃገር ኒኩለር ''ንሰላማዊ ዕላማ'' ንምጥቃም ምስ ሩስያ ስምምዕ ንምፍጻም ከምዝፈቐደ ጋዜጣ ኢስት ኣፍሪቃን ገሊጹ እዩ።

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሕርሻ፣ ጻዓትን ሓለዋ ከባብን ከምዝውዕል ጸብጻባት ይሕብሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ