ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ጸምሪ ዝነበሮ ኣውስትራልያዊ በጊዕ ሞይቱ

ክሪስ፡ በዓል ብዙሕ ጸምሪ በጊዕ Image copyright RSPCA

ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ጸምሪ (ጨጒሪ በጊዕ) ከም ዝነበሮ ዝፍለጥ ኣውስትራልያዊ በጊዕ ብሰሉስ ሞይቱ።

እቲ 'ክሪስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ በጊዕ፡ ኣብ 2015 ናይ 6 ዓመት ዝኣክል ጸምሪ ተሰኪሙ ኣብ በረኻ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ዓለም ኣዛሪቡ ነይሩ።

ንሓደጋ ኣቃሊዕዎ ዝነበረ ጸምሪ ምስ ተቐምቀመ ድማ፡ 41.1 ኪሎ ግራም ኮይኑ ምጽንሑ፡ ክብረወሰን ክሕዝ ኣኽኢልዎ'ዩ።

ጠንቂ ሞቱ፡ እርጋን ምዃኑ ሓደ ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ሕርሻ ዝኣልዮ ዝነበረ ሰብ ተዛሪቡ።

"ነቲ ሽኮር፡ ለባምን ፈቃርን ትንፋስ ምስኣንና ልብና ተሰቢሩ ይርከብ" ሊትል ሮክ ሳንክቹዋሪ ዝተባህለ ማሕድሮ እንስሳ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ጽሒፉ።

እቲ ወዲ 10 ዓመት ምዃኑ ዝንገረሉ ክሪስ፡ ከምኡ ዝበሉ፡ 'መሪኖ' ዝተባህሉ ዓይነት ኣባጊዕ ብሂወት ዝጸንሕሉ ንውሃት ዕድመ ዝነበሮ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

እቲ በጊዕ፡ ኣብ በረኻ ምስ ተረኽበን፡ ናብ ውሑስ ቦታ ምስ ተወስደን፡ ብዙሓት ኣፍቀርትን ደገፍትን ኣፍርዩ'ዩ።

እቲ ሸፊንዎ ዝነበረ ጸምሪ፡ ዳርጋ 5 ዕጽፊ ናይ ኣካሉ ብምንባሩ፡ ኣብ ጥዕንኡ ጸገም ከምጽኣሉ ከም ዝኽእል ተሓለቕቲ መሰላት እንስሳ ተዛሪቦም ነይሮም።

ድሒሩ ግን፡ በቲ ፍሉጥ ቻምፒዮን ምቕምቃም ጸምሪ ዝኾነ ኢያን ኢልኪንስ፡ ከም ዝቕምቀም ተጌሩ። ኢልኪንስ፡ ኣብ 35 ዓመታት ናይ ምቕምቃም ተሞክሮኡ ከምኡ ዓይነት ኣጋጢምዎ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ።

Image copyright RSPCA
ናይ ምስሊ መግለጺ ክሪስ 41 ኪሎ ጸምሪ ምስ ተኣለየሉ

ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኣውስትራላውያን ንክሪስ ብሞግዚነት ክወስድዎ ሓቲቶም ምንባሮም'ውን ይፍለጥ።

እቲ ልዕሊ 41 ኪሎ ዝምዘን ጸምሩ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤተመዘክር ኣውስትራልያ ንምርኢት ቀሪቡ። ናይ ስእሊ መጽሓፍ'ውን ተሓቲሙሉ'ዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ክሪስ ኣብ ደሓን ጥዕና ከም ዘሎ ዘርኢ ስእሊ ምዝርግሑ ንብዙሓት ተስፋ ዝሃበ'ኳ እንተነበረ፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ እቲ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ፡ ሎሚ ካብዛ ዓለም ተሰናቢቱ።

ብዙሓት ኣፍቀርቱ ድማ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።