ቱርክን ሩስያን ኣብ ጉዳይ ዶብ ሶርያ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ በጺሐን

ፕረዚደንት ሩስያ ምሰ ፕረዚደንት ቱርኪ Image copyright Reuters

ቱርክን ሩስያን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ሶርያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ደው ንምባል "ታሪኻዊ" ዝበልኦ ሓባራዊ ስምምዕ ከም ዝተፈራረማ ተፈሊጡ።

እቲ ስምምዕ ነቶም ዕጡቃት ሓይልታት ኩርድ፡ ካብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውብ ዶባት ሶርያን ንምርሓቕ ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ዶብ ሶርያን ቱርክን 'ውሑስ ዞባ' ንምፍጣር፡ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዓሪዶም ዘለዉ ኩርዳውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ጀሚራ።

ሩስያ፡ ቀንዲ መሓዛ ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣልኣሳድ፡ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ናይ ግዳም ሓልታት ንኸይኣትው ብዙሕ ስግኣት ፈጢሩላ ቀንዩ'ዩ።

ኣብቲ ሓዲሽ ስምምዕ፡ ሩስያን ቱርክን ሓባራዊ ምክትታል ዶባት ክገብሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለው።

እዚ ስምምዕ ሩስያን ቱርከን፡ ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ፡ ሰራዊት ቱርኪ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክወስዱ ዕድል ፊጢርሎም።

ቱርክን ኩርዳውያን ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ'ውን ተፈራሪሞም ነይሮም።

እንታይ እዩ እቲ ስምምዕ?

ሩስያን ቱርክን ኣብ መንጎኣን ክፍጠር ዝኽእል ወተሃደራዊ ወጥሪ ከህድኣ ተሰማሚዓን ኣለዋ።

ብመሰረት እቲ ዘውጽዎ ሓበሬታ፡ ኩርዳውያን ሓይልታት ካብ ከተማታት 'ማንጂን ታል ራፋን' ክወጹኡ እዮም። እቶም ኩርዳውያን ሓይልታት ግን ብዛዕባ'ዚ ስምምዕ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ የለን።

ብተወሳኺ፡ ሩስያን ቱርክን ኣብቲ ኩናት ተፈጢሩ ዘሎ ሰሜናዊ ዶብ ቱርክን ሩስያን ሓባራዊ ሓለዋ ክገብራ ምዃነን ሓቢረን።

እቲ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ምስ መዘንኡ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ሩስያ ምስ ተራኸቡ እዩ።

Image copyright Reuters

ብኸመይ ኣብዚ በጺሑ?

ሰራዊት ቱርኪ ናብ ሶርያ ምእታዉ፡ ንኣመሪካ ዝምልከት ከም ዘይኰነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ገለጸ፡ ቱርኪ ሰራዊታ ከም ዘእተወት ይዝከር።

እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ብናይ ኣየር መጥቃዕትን ደብዳብ መዳፍዓትን ተሰንዩ፤ ሓያል ውግእ ኣንጻር ኩርዳውያን ሓይልታት ከካይድ ቀንዩ።

ቱርኪ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ፡ ምስ ፕረዚደንት ጠይብ ኢርዶጋን ኣብ ቱርኪ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምቍራጽ ወተሃደራዊ ተኹሲ ተሰማሚዓ።

እዚ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዕጡቓት ኩርዲ ካብ'ቲ ዶብ 32 ኪሎ-ሜተር ርሒቖም ክሳዕ ዝግዕዙ ዕድል ዝህብ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ወግእ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን 80000 ቆልዑት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 176 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ተማዛቢሎም።

በቲ ውግእ፡ 120 ሰለማውያን ክሞቱ እንከለው፡ 259 ዕጡቃት ኩርዳውያንን፤ 196 ብቱርኪ ዝደገፉ ሰርያውያን ዕጡቃትን ሞይቶም። ኣብቲ ውግእ 8 ወተሃደራት ቱርኪ'ውን ሞይቶም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት