ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት ሓድሽ መጽሓፍ ኣብዪ ኣሕመድ 'መደመር' ኣቃጺሎም

ኣንጻር ኣብዪ ኣሕመድ ተቓውሞ Image copyright Reuters

ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተወልዑ ተቓውሞታት ብውሕዱ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተቐትሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓደ ድማ ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ሃረር'ዩ ተቐቲሉ።

ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ኣምቦ'ውን ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ'ሎ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ ጽርግያታትን፡ ካልኦት ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ተዓጽዮም ኣለዉ።

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ፡ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጸዒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድ ዝተወስደ ዝጉምቲ ብምኹናን፡ እቲ ጉዳይ መን ከም ዝፈጸሞ "ኣጻሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ መንግስታዊ መደበር ዜና ኢቢሲ ሓቢሩ።

"ነቶም ሎሚ ዝሞቱ ወገናትና፡ ብስም ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም" ክብል መግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ንክልል ኦሮሚያ ናብ ዓውደ-ኲናት ክቕይርዋ ዝደልዩ "ሓይልታት" ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት "ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከትሕዝዎ ይጽዕሩ ኣለዉ" ክብል ነቒፉ።

ኣብ ኦሮምያ ንድጋፍ ኣክቲቭስት ጀዋር መሓመድ ዝወጹ ሰልፈኛታት፡ ቁጠዐኦም ዝገለጹ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመረቐ ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብዪ ኣሕመድ 'መደመር' ከቃጽሉ ተራእዮም።

ትማሊ ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤት ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ክስተት፡ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ይሳተፍ ኣሎ

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፍታት፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፡ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት "ኣብዪ ይውረድ" እናበሉ ድማ ጨሪሖም።

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ፡ ነቲ "መደመር" ዝተሰምየ ሓድሽ መፍሓፍ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣቃጺሎም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ ኣዳማን ሻሸመኔን ካልኦትን እዩ ተኻይዱ።

አምቦ

ኣብ አምቦ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ተባሂሉ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ከምዝተሃርሙን እቶም ሰለስተ ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱን ሓቢሮም።

ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል አምቦ አቶ ደበበ ፈጠነ ከኣ እቲ ጉዳይ ሓቂ ምዃኑ "ካብ 17-28 ዕድመ ዝግመቱ ሰለስተ መንእሰያት ብጥይት ተሃሪሞም መጺኦሙና። እቲ ሓደ ኣብ ከብዱ ብኸቢድ ስለዝተሃርመ መጥባሕቲ ተገይርሉ፤ እቲ ካልኣይ ኣብ ከባቢ ብልዕቱ ተሃሪሙ መጥባሕቲ ይካየደሉ ኣሎ። እቲ ሳልሳይ ኣብ መንኩቡ ፈኲስ ማህረምቲ ዘጋጠሞ እውን ዘድሊ ሕክምና ተገይሩሉ እዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ነበርቲ ድሕሪ እቲ ትማል ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤት ጃዋር መሓመድ ዘጋጠመ ክስተት፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ናብ አደባባይ ከምዝወጽኡ ሓቢሮም።

ፖሊስ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቐመን፡ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ብእምኒ ከምዝተጋጨውን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ የረድኡ።

እቲ ግጭት ምስ ፖሊስ ኦሮሚያ ከምዘጋጠመ ዘረድኡ ነበርቲ፡ ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ከምዝተቓጸለት ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ናዕብን ግጭትን፡ ኣብታ ከተማ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከምዘቋረጸን መገድታት ከምዝተዓጽወን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

አዳማ

ኣብ ኣዳማ እውን ተመሳሳሊ ሰልፍን ግጭትን ከምዝተኻየደን ክልተ ጉጅለታት ሰልፈኛታት ነንሓድሕዶም ከምዝተጋጨውን ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ሪፖርተርና ከምዝተዓዘበ ሓቢሩ።

"ቄሮ ሌባ" ዝብል ጉጅለን፡ ንጃዋር መሐመድ ክድግፉ ኣብ ዝወጽኡ መንእሰያትን ግጭት ከምዘጋጠመ ሪፖርተርና ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።

ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስ ኦሮሚያን ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፊሎም ነቶም ዝጋጨው ዝነበሩ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ከምዝወሰዱሎም ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኣዳማ ብዘጋጠመ ጎንጺ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘይተፈልጠ ሰባት ከይሞቱ ከምዘይተርፉ፡ ሓላፊት ኮሚዩኒኬሽን እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣዳማ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ

ሓላፊት ኮምዩኒኬሽን ከተማ ኣዳማ፡ ራውዳ ሑሴን "ሰብ ከይተቐተለ ኣይተርፍን። መን ኣብ ከመይ ኩነታት ተቐቲሉ ንዝብል ግን፡ ዛጊት ንጹር ሃበሬታ የብለይን" ኢላ።

ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ሪፖርተርና፡ ድሕሪ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ዱኳናት ክዝመቱ ከምዝረኣየን ተርእዮታት ስርዓት ኣልቦነት ከምዘሎን ሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ምንቅስቃስ ንግዲ ደው ዝበለ ክኸውን ከሎ፡ ናብታ ከተማ ዘእትዉ መገድታት ተዓጽዮም ኣለዉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ ኣንጻር ኣብዪ ተቓውምኦም እናስምዑ

ሻሸመኔ

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ'ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሓደ መንእሰይ ንቢቢሲ ክዛረብ እንከሎ "ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድ ዝግበር ዘሎ ምፍርራሓት ደው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

እዚ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ለይቲ ሰዓት 10፡30 ጀሚሩ ይካየድ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ዋላ'ኳ ናብታ ከተማ ዘእቱ መገዲ ዕጹው እንተኾነ፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብሰላም ከምዝተኻየደ፡ ተሳተፍቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት